ክልተ ኣሕዋት ድሕሪ 20 ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ብዘይ ክሲ ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, REPRIEVE
ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ጓንታናሞ ቤይ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ብዘይ ክሲ ተፈቲሖም።
ዓብዱል መሓመድን ኣሕመድ ራባኒን ኣብ 2002 ኣብ ፓኪስታን እዮም ተታሒዞም።
ፔንታጎን፡ ዓብዱል ራባኒ ንኣባላት ኣልቃዒዳ ውሑስ ገዛ ከምዘዳለወ ክሕብር እንከሎ፡ ሓዉ ድማ ንመራሕቲ እቲ ጉጅለ ናይ መገሻን ገንዘብን የተሓባብር ነይሩ ክብል ይኸስስ።
እቶም ኣሕዋት፡ ቅድሚ ናብ ጓንታናሞ ምስግጋሮም፡ ብመኮንናት ሲኣይኤ ከምዝተሳቐዩ ይኸሱ።
ሕጂ ክልቲኦም ናብ ፓኪስታን ተመሊሶም ኣለዉ።
ኣብ ግዝኣት ኩባ ዝርከብ መዓስከር ጓንታናሞ፡ ኣብ 2002 ብናይ ሽዑ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረሽበራ 11 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ንዝተጠርጠሩ ናይ ወጻኢ ግብረሽበራ ንምድጓን ዝዓለመ እዩ።
ብመደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ድማ ይሕሎ።
እቲ መዓስከር፡ ብሰንኪ ስቅያት ዝበዝሖ ኣገባብ መርመራ፡ ከምኡ'ውን እሱራት ብዘይ ፍርዲ ንነዊሕ እዋን ምእሳሮም፡ ገለ ካብቲ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ "ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ" ምልክት እናኾነ ምመምጽኡ ነቐፍቲ ይኸሱ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብዚ እዋን 32 ሰባት ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ማእከል ክዓጽዎ ተስፋ ኣሎ።
ኣብ 2003፡ እቲ ኩነታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ግዜ 680 እሱራት ይሕዝ ነይሩ።
ፔንታጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣመሪካ “መንግስቲ ፓኪስታንን ካልኦት መሻርኽትን ነቲ ብዝሒ እሱራት ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኣብ ምንካይን ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ምዕጻው ማእከል ጓንታናሞ ቤይን ዘተኮረ ቀጻሊ ጻዕርታት ኣመሪካ ንምድጋፍ ዘለዎም ድልውነት ተድንቕ” ኢሉ።
እዞም ኣሕዋት ኣብ መስከረም 2002 ብኣገልግሎት ጸጥታ ፓኪስታን ኣብ ከተማ ካራቺ ተታሒዞም።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ሲኣይኤ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ጓንታናሞ ክሰጋገሩ ዳርጋ ክልተ ዓመት ወሲዱሎም።
ኣብ 2013 ኣሕመድ ራባኒ ን7 ዓመታት ዝቐጸለ ተኸታታሊ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ገይሩ።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ብሓይሊ ወሃብቲ መግቢ ይነብር ነይሩ።
ንኽልቲኦም ጥርጡራት ወኪሉ ዝጸንሐ ጠበቓ ስታፎርድ ስሚዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክኸስስ ክፍትን ምዃኑ፡ "እንተዀነ ግን፡ ካሕሳ ናይ ምርካብ ዕድሎም ዳርጋ ዝሞተ እዩ፤ ንሳቶም'ውን ይቕሬታ ኣይክበሃሉን እዮም" ኢሉ።
ክልቲኦም ኣሕዋት ኣብ 2021 ንኽፍትሑ ተፈቒዱሎም ነይሩ። ንምንታይ ዛጊድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ ንጹር ኣይኮነን።
በዓልቲ ቤት ኣሕመድ ራባኒ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ነፍሰጾር ስለዝነበረት ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ወዲ ወሊዳ።
ኣሕመድ ግን ምስ ወዱ ተራኺቡ ኣይፈልጥን።
"ሕዚ ወዱ ወዲ 20 ዓመት እዩ። ኣሕመድ ኣብ ዝተጨውየሉ እዋን ኣዲኡ ነፍሰጾር ስለዝነበረት ምስ ኣቦኡ ተራኺቡን ተንኪፉዎን ከም ዘይፈልጥን ክዛረብ ጸኒሑ። ምስ ጃዋድ ብዙሕ ግዜ ተራኺበ እየ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣቦን ወድን ተሓቛቚፎም ክርኢ ይምነ" ኢሉ ሚስተር ስታፎርድ ስሚዝ።
ኣሕመድ ራባኒ ኣብ ጓንታናሞ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንርእሱ ከም ንፉዕ ስነ-ጥበባዊ ገይሩ እዩ ዝቖጽር።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካራቺ ምርኢት ከቕርብ መደብ ከምዘለዎን፡ ካልኦት 12 ፓኪስታናውያን ስነጥበባውያን ድማ ብስርሑ ከምዝተደፋፍኡን ሚስተር ስታፎርድ ስሚዝ ወሲኹ ገሊጹ።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣሕመድ ራባኒ ሕጋዊ ውክልና ዝሃበ ዳይረክተር ትካል ግብረ ሰናይ ፍትሒ ሪፕሪቭ ዝኾነት ማያ ፎኣ፡ እቲ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ማእሰርቱ "ኣመሪካ ኣብ ዘመነ 'ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ' ካብ መሰረታዊ መትከላታ ክሳብ ክንደይ ከም ዝረሓቐት ዘርኢ እዩ ኢላቶ "።
"ንሓንቲ ስድራቤት ወዲ፡ ሰብኣይን ኣቦን ዘሚቶምዋ። እቲ በደል ፈጺሙ ክእረም ኣይክእልን'ዩ። ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ኣዕናዊ 'ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ' ዘስዓቦ ጉድኣት፡ ጓንታናሞ ንሓዋሩ ምስ ተዓጽወት ጥራይ'ዩ ክንገር" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







