ንዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ዝተፈርደት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣትሌት በሱ ሳዶ ምስ ክልተ ኣሕዋታን ካልኦት ክልተ ጥርጡራትን ብቕትለት በዓል ቤታ ተኸሲሳ፡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዳ።
ናይ ማእከላይን ነዊሕን ርሕቐት ጎያዪት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስቶም መሻርኽታ ኰይና ነቲ ገበን ከም ዝፈጸመት ካብ ዝሃበቶ ቃለ-ኑዛዜ ምርዳእ ይከኣል።
ኣሰልጣኒ ክለብ ኣትሌቲክ ኣዳማ ኣቶ ሃብታሙ ግርማ፡ መዋቲን እታ ኣትሌትን ብቐረባ ከምዝፈልጦም ብምግላጽ፡ "በቲ ቅትለት ኣዝየ ሓዚነ። ብሞቱ ኣዝየ ሓዚነ ኣለኹ። ማእሰርታ ካብ ሞት ስለ ዘይንእስን ሃገር ከምዚ ዓይነት ሰብ ስለ ዝሰኣነትን ድማ ኣዝየ እየ ሓዚነ" ኢሉ።
እቲ ኣሰልጣኒ ጋንታ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንቢቢሲ ኣብ ዝዘራረበሉ እዋን፡ "እዚ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ክርድኣኒ ኣይከኣለን" ብምባል ነቲ ገበን ክቕበሎ ከም ዝጽገም ገሊጹ።
እታ ኣትሌት፡ ምስኣ ዝነበረ ሓዋን ምስ ቅትለት በዓል ቤታ ብዝተኣሳሰር ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ ኰይኖም፡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም።
እንተዀነ ካልእ ሓዋ፡ ካብ ሻሸሜነ ብገንዘብ ደሊሉ ዘምጽኦም ካልኦት ክልተ ጥርጡራትን ኣብታ ገበን ዝተፈጸመላ ምሸት ኣምሊጦም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ኣይኣተዉን።
እንታይ እዩ ተፈጢሩ?
ኣትሌት በሱ ሳዶን ኣትሌት ዝነበረ በዓል ቤታ ተሻለ ታምሩን ካብ ዝምርዓዉ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ከም ዝገበሩ ሰነድ ፖሊስ የመልክት።
ጉያ ምስ ኣቋረጸ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ከተማ ሳንዳፋ 01 ቀበሌ ሶላር ፋብሪካ ወይ ጎማ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይነብር ብምንባሩ ብስልጠና ይሕግዛ ነይሩ።
ብመሰረት መዝገብ መርመራ ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 08 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብ ኣፓርትመንቱ ምሸት እዩ ተቐቲሉ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ፡ ምምሕዳር ከተማ ሳንዳፋ በኬ ኣይተ ኣየለ ኢማሙ፡ ኣብታ መዓልቲ ካብ ሰዓት 3፡00 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቀትሪ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ መብርሂ ሂቡ።
ኣብታ ገበን ዝተፈጸመላ ምሸት፡ እታ ኣትሌት፡ ነቶም ገዚኣ ኣምጺኣቶም ዝበሃሉ ውልቀሰባት ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ከም ዝሓብኡ ከም ዝገበረቶም ይዛረቡ።
"እቲ በዓል ቤታ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ሞባይሉ እናጠወቐ እንከሎ፡ እዞም ዝተዓደጉ ሰባት ከካብ ተሓቢኦም ዝነበረ ወጺኦም ብኻራ ወጊኦም ቀቲሎምዎ።"
በዚ ምኽንያት ድማ እቲ መዋቲ ብኡ ንብኡ ከም ዝሞተ፡ ብድሕሪኡ እቶም ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ነቲ ሬሳ ኣውጺኦም ናብ ጽርግያ ከም ዝደርበዩዎ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።
"እታ ሰበይቲ ድማ ምስታ ምስኣ ዝነብር ሓዋን ምስታ ሓላዊት ገዛን ነቲ ኣብታ ቤት ዝፈሰሰ ደም ኣጽረየቶ” ብምባል ንኑዛዜ እታ ኣትሌት ብምውካስ ይገልጽ።
ወሲኹ፡ ምስኡን ምስኣን ዝነብር ሓዋ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሻሸሜነ ክልተ ጥርጡራት ዘምጽአ ካልእ ሓዋ ሓዊሱ፡ ብድምር ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ ቅትለት ተሳቲፎም።
እቲ በዓል ቤታ ምስ ተቐትለ፡ እቶም ካብ ሻሸመኔ ዝመጹ ሓደ ሓዋን ካልኦት ጥርጡራት ኣብታ ለይቲ እቲኣ ከም ዘምለጡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ንሳን እቲ ምስኣ ዝነብር ዝነበረ ሓዋን፡ ኣብቲ ገዛ ጸኒሖም፡ መዋቲ "ገዛ ኣይመጸን" ብምባል ንኣዕሩኽቶም ደዊሎም።
ሬሳ ኣብ ጽርግያ ተደርብዩ ምስ ተረኽበ ሓበሬታ ዝረኸበ ፖሊስ፡ ነቲ መርመራ ካብ በዓልቲ ቤቱ ኣትሌት ጀሚርዎ።
ዓቃቢ ሕጊ "እቲ መዋቲ ኣብ ሕብረተሰብ ተፈታዊ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሕብረተሰብ በቲ ቅትለት ኣዝዩ ተረቢሹ" ኢሉ።
"ኣባላት ጸጥታ ኣቐዲሞም እንተዘይመጹ ነይሮም፡ እታ በዓልቲ ቤቱ ክትጉዳእ ትኽእል ነይራ" ክብል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት ኣብሪሁ።
ድሕሪ መርመራ ድማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ "ንሰብኣያ ምስ መሻርኽታ ከም ዝቐተለቶ'ውን ተኣሚና" ኢሉ።
ምኽንያት ቅትለት እንታይ እዩ?
እዚ ኣብ መንጎ እታ ኣትሌትን በዓል ቤታን ዝነበረ ጸገም ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ዝዀነ ኣካል ናብ ሕጊ ቀሪቡ ዝጠርዐ ኣይነበረን።
ዓቃቢ ሕጊ ግን ኣብ መንጎ እዞም መጻምድቲ ግርጭት ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ነዚ ገበን ዝፈጸመትሉ ቃላ ምስ ሃበት፡ በዓል ቤታ "ንዓይን ንስድራይን ኣደይን ኣሕዋተይን ከም ዘይንዕወት ኣጠንቒሉልና እዩ" ኢሎም።
ኣብ መንጎ እቶም መጻምድቲ ብዛዕባ ገንዘብ ዝምልከት ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።
እቶም መጻምድቲ ኣብ እዋን ጻንሖቶም ውላድ እኳ እንተዘይወለዱ፡ ዝተፈላለየ ንብረት ግን ኣፍርዮም ነይሮም።
ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከባቢ ፊንፊኔ (ሕጂ ከተማ ሸገር ዝተባህለ) ብዕለት 09 ጥሪ 2015 ዓ.ም ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ሓዋን ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብይን ኣሕሊፉ።
እቶም ካልኦት ክልተ ዝተፈርዱ ተኸሰስቲ፡ ኣብቲ ቅትለት ብቐጥታ ኢድ እኳ እንተዘይነበሮም ነቶም ጥርጡራት ግን "ተሓባበርቲ ውዲት" ኢሉዎም።
"ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ እቲ መዋቲ ከም ዝጠፍአ ኣምሲሎም ምስ ሰባት ይዛረቡ ነይሮም" ክብል እቲ ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ እታ ሓላዊት ገዛ ብዛዕባ እዚ ገበን ከይትነግር 'ገንዘብ ክንህበኪ ኢና' ብምባል ከተልልዋ ከም ዝፈተኑ ንፖሊስ ሓቢራ።
እቶም ሰለስተ ቀንዲ ጥርጡራት ኣብታ ለይቲ እቲኣ ስለ ዝጠፍኡ፡ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ስለ ዘይተፈልጠ፡ ብፖሊስ ይድለዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል፡ እታ ኣትሌት ነቲ በዓል ገዛኣ ክትቀትሉ ትሕነየሉ ከም ዝነበረት ፖሊስ ብምርመራ ከም ዝበጽሖ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣትሌት በሱ ሳዶ መን እያ?
ጓል 27 ዓመት ኣትሌት በሱ ሳዶ በዓል ቤታ ተሻለ ታምሩን ኣባላት ክለብ ኣትሌቲክስ ኣዳማ እዮም ነይሮም።
ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣሰልጣኒ እታ ክለብ ሃብታሙ ግርማ፡ ነዞም ክልተ ኣትሌታት ከም ዘሰልጠኖም ይዛረብ።
"ንኽልቲኦም ከም ኣቦ እየ" ዝብል ኣሰልጣኒት ሃብታሙ፡ እታ ኣትሌት ብባህርያታ ዝተመስገነት ከምዝነበረት ብምዝካር፡ "ከምዚ ዝበለ ነገር ክትገብር እያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ይብል።
እታ ኣትሌት ኣብ መድረኽ ዓለም ተስፋ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ "ዋላ'ኳ እቲ ዘጋጠማ መጉዳእቲ ቁሩብ ከቢድ እንተነበረ፡ ኣብ ማራቶን ዕዉት ክትከውን ትኽእል እያ ኢለ ሓሲበ ነይረ" ኢሉ።
ብመሰረት መረዳእታ እታ ኣትሌት፡ እታ ኣትሌት ንሃገራ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ እውን ተሳቲፋ እያ።
ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ሪዮ፡ ኣብ ለንደንን ቤጂንግን ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ብ1500 ሜትሮ ንሃገር ወኪላ ተሳቲፋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ተዓዊታ፡ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ውድድር ፓን ኣፍሪቃን ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ኣፍሪቃ ትሕቲ 20 ዓመትን ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ እያ።
ኣብ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመት ብ1500 ሜትሮ ሻምፕዮን ኮይና።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 2014 ኣብ ውድድር ክለባት ኦሮሚያ ብስም ክለባ ጎይያ 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዊታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







