ዙር ርዋንዳ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ተረኪቡ

ምንጪ ስእሊ, Tour Du Rwanda
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዕዉት ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ብምዃን ብጫ ማልያ ካብ ኢታን ቬርኖን ተረኪቡ።
ንሄኖክ ተኸቲሉ ተቐዳዳማይ ኲክ ስቴፕ ዊልያም ክልኣይ ክኸውን እንከሎ ዳዊት የማነን መትከል እዮብን ተኸታቲሎም መበል ዓሰርተ ክልተን ዓሰርተ ሰለስተን ኮይኑም ውድድሮም ዛዚሞም።
ዳዊት የማነን መትከል እዮብን ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ሄኖክ ብ11 ካልኢት ተፈንቲቶመን መበል ሸዱሻይን ሻውዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ።
ቻምፕዮን ኣፍረቃ 2022 ከምኡ ኸኣ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ሳልሳይ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ካልኣይ ድሕሪ ምውጻእ'ዩ ኣብታ ዝነወሐት ሳልሳይቲ መድረኽ ቀዳማይ ክወጽእ ክኢሉ።
ሄኖክ ነዚ 199.5 ኪሎሜተር ንምዝዛም 5 ሰዓት፡ 13 ደቒቕን 37 ካልኢትን’ዩ ወሲድሉ።
ካብ ካልኦት ኤርትራውያን ዳዊትን መትከል እዮብን ተኸታቲሎም መበል ዓሰርተ ክልተን ዓሰርተ ሰለስተን፡ ዓወት ኣማን መበል 33፡ ዩኤል ሃብታኣብ መበል 49፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ መበል 52፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 63፡ ሃገር ዓንደማርያም መበል 66፡ ናሆም ዘርኣይ መበል 73 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2023፡ ተቐዳደምቲ ካብ ከተማ ሁየ ተበጊሶም ብጫፍ ኪጋሊ ብምሕላፍ 199.5 ኪሎሜተር ሸፊኖም’ዮም ኣብ ከተማ ሙሳንዘ ውድድሮም ዛዚሞም።
እዛ መድረኽ እዚኣ እታ ዝነወሐት መድረኽ ናይ ዙር ርዋንዳ 2023’ያ።
ቀዳማይ ፍርቂ ርሕቀት ናይዛ መድረኽ ሓውሲ እናበረኸ ዝኸይድ ዓቐበት ኮይኑ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ግን ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ንኣንበሳ ዓቐበት ነጥቢ ዘውህብ ኣርባዕተ ተረርቲ ዓቐበት ዝነበረኣ መድረኽ’ያ።
ተቐዳደምቲ ኣብ ከተማ ሙሳንዘ መዛዘሚ ሕንጻጽ ቅድሚ ምርጋጾም፡ 2.8 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ተሪር ዓቐብ’ዮም ወጺኦም።
ጸወታ ሓደ ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ ትማሊ ንዝበዝሐ መንገዲ በይኑ ሃዲሙ ዝወዓለ ተጻዋታይ ኢኤፍ ኢድኬሽን ፕሪትዘን፡ ፋውቸ ካብ ቦልቶን ኢኲትስ ከምኡ ኸኣ ንሰንጊማና ካብ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምውጻእ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከግፍሕዎ ተራእዮም።
ዓባይ ጉጅለ ነቶም ዝሃደሙ ናይ ምርካብ ፈተነ ስለዘየካየደት ኸኣ ጸወታ 16 ኪሎ ሜተር ምስ ተላዕሎ ኣብ ሞንጎ ቀዳሞትን እታ ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ኣብ ሓጺር ርሕቐት ናብ ሸውዓተ ደቒቕ ዓሪጉ።
ቀዳማይቲ ጉጅለ ትሕምበብ፡ ዓባይ ጉጅል ትኽስ ክትብል ኣብ መበል 30 ኪሎ ሜተር እቲ ፍልልይ ናብ ልዕሊ ዓሰርተ ደቂቕ ክብ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Tour Du Rwanda
ጸወታ 70 ኪሎሜተር ጥራይ ምስ ተለዓሎ ኸኣ ሰለስተ ተጻወትቲ ዝሓቐፈት ቀዳማይቲ ጉጅለ ፍልልያ ናብ 11 ደቒቕን 20 ካልኢትን ኣበጺሓቶ።
እቲ ትማሊ ንበይኑ ኣስታት 100 ኪሎሜር ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ዝዘወረ ተጻዋታይ ኢኤፍ ኢድኬሽን ፕሪትዘን ሎሚ’ውን ንዝበዝሐ ጸወታ ናይታ ቀዳመይቲ ጉጅል ባዕሉ’ዩ ዝቕልሶ ነይሩ።
ነታ ኣብ መበል 71 ኪሎሜተር ዝነበረት ነጥቢ ሕንጸጽ ናይ ቮላታ ኸኣ ፋውቸ፡ ፕሪትዘንን ንሰንጊማናን ተኸታቲሎም ተዓዊቶምላ።
ኣብ መበል 90 ኪሎሜተር ሓደ ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዋ ዓቐበት ኣብ ዝጀመርሉ ፋውቸን ፕሪትዘንን ንስኳቶ ነቲ መሬት ዓዱ ዝማእመኦ ዝመስል ንሰንጊማና ክጻወርዎ ኣይክኣሉን ዘልሓጥ ኢሎም።
እንተኾነ ንበይኑ ነቲ ዝተረፈ ልዕሊ 100 ኪሎሜተር ክውድኦ ከምዘይክእል ዝተረደአ ንሰንጊማን ነቲ ፍልልዮም ብዙሕ ከግፍሖ ኣይተረኣየን።
ዓባይ ጉጅለ ምህዳም እዞም ሰለስተ ተጻወተቲ ቅጭጭ ከይበላ ርሕቐታ ሓልያ’ያ ትጉዓዝ ነይራ፤ ምኽንያቱ ጸወታ ገና ፍርቂ ጥራይ’ዩ ተላዒልዎ።
ኣብ መበል 115 ወናኒ ብጫ ማልያ ንቀዳማይን ንኻልኣይን መድረኽ ዝተዓወተሉ ኢታን ቬሮነን ኣብ ዓቐበት ካብ ዓባይ ጉጅል ክተርፍ ዝርኣያ ጋንታታት ኣብ ቅድሚት ተገዲመን ንዕኡ ንምትርፋ እናተበራርያ ክሰርሓ ጀሚረን።
ሎሚ ብጫ ማልያ ከረክባ ምዃኑ ኸኣ ዳርጋ ከም ርዱእ ተወሲዱ።
ኣብ ቅድሚት ንሰንጊማና ፍጥነቱ ስለዘዝሓለ ብድሕሪኡ ዝጸንሑ ፋውቸን ፕሪትዘንን ኣርኪበሞ ብሓባር ሓንቲ ጉጅለ ኮይኖም።
ተጻወትቲ ናብታ ናይ’ዚ ውድድር ዝበረኸት 2138 ሜትሮ ብራኸ ዘለዋ ቦታ ምስ በጽሑ ማይ ስለዝጀመረ፡ ከይወድቑ ብምጥንቃቕ ፍጥነቶም እናተቖጻጸሩ’ዩ ክዝውሩ ጀሚሮም፡ ከም ውጽኢቱ ኣብ መበል 129 ኪሎ ሜተር ቀዳማይቲ ጉጅለ ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበራ ናይ ግዜ ፍልልይ ትሕቲ ዓሰርተ ደቒቕ ወሪዱ።
ኣብ ሞንጎ ካብ ዓባይ ጉጅለ ካብ ኣባላት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ሞሮኮን ርዋንዳን ዝርከብዎም ተጻወትቲ ምውዳቕ ስለዘጋጠሞም ከም ውጽኢቱ ተቐዳዳማይ ሞሮኮ ኢማድ ሰካህን ተቀዳዳማይ ጋንታ ታርቱ 2024 ሲም ኪስኮነን ጸወታ ከቋርጹ ተገዲዶም።
ዓባይ ጉጅለ ናብ ብዙሓት ንኡሳት ጉጅለታት ተመቓቒላ ናብታ 4.9 ሚኢታዊት ትሪ ዝነበራ ሓሙሽተ ኪሎሜተር ዝንውሓታ ዓቐበት ከተቋምት ጀሚራ።
ጸወታ ክዛዘም 35 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ኣብ ሞንጎ መራሒት ጉጅልን ዓባይ ጉጅልን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ናብ ኣስታት ኣርባዕተ ደቒቕ ወሪዱ።
ህድእ ኢሉ ዝነበረ ማይ ዳግማይ ስለዝጀመረ ኣብ ዓባይ ጉጅለ ምውዳቕ ናይ ተጻወትቲ’ኳ እንተኣጋጠመ፡ ተሲኦም ጸወታ ቀጺሎም።
20 ዝኾኑ ተጻወትቲ ዝሓዘት ዓባይ ጉጅለ እናተበራረየት ጽቡቕ ክትስሕብ ስለዝጀመረት ምስ መራሒት ዝነበራ ናይ ግዜ ፍልልይ ብቅልጡፍ ከተጽብቦ ተራእያ፡ ኣብ መበል 171 ከኣ እቲ ፍልልያ ናብ ሓደ ደቒቅን 40 ካልኢትን ወሪዱ። ምውሓጥ ናይታ ትመርሕ ዝነበረት ጉጅለ ከምዘይተርፍ ኸኣ ርዱእ ኮይኑ።
ጸወታ ክዛዘም ዓሰርተ ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝረከቦም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ነታ ዓባይ ጉጅለ ብተሪር ስኳቶ ክስሕብዋ ጀሚሮም። ካልኦት ተቐዳደምቲ’ውን ብተደጋጋሚ ናይ ምህዳም ፈተነ የካይዱ ነይሮም።
ጸወታ ክዛዘም ትሕቲ ሸውዓት ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ካብ ዓባይ ጉጅል ገለ ተጻወትቲ ስለዝሃደሙ፡ እቶም ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ብዘለዉ ደቂ ጋንትኦም እናተሓገዙ ንምርካቦም ኣብ ዓቢ ቅልስ ኣተዉ።
ጸወታ ክዛዘም ሓደ ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ላ ፖርተ ካብ መራሒት ጉጅል በይኑ ሃዱሙ ብምውጻእ ክፍንጥስ ኣብ ዝፈተነሉ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝርከቦም ሰለስተ ተቐዳደምቲ ንምርካቡ ሓያል ቅልስ ኣካየዱ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኸኣ ንኹሎም ብምርታዕ ዕዉት እዚ መድረኽ ኮይኑ።
ተቐዳደምቲ ጽባሕ ካብ ከተማ ሙሳንዘ ተበጊሶም 138.3 ኪሎሜተር ብምዝዋር ኣብ ምዕራብ ርዋንዳ ኣብ ገምገም ቐላይ ኪቩ ኣብ እትእከብ ከተማ ካሮንጊ ውድድሮም ክዛዝሙ’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







