ሎሚ፡ መትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ስደተኛታት ሞይቶም

ሎሚ ንጉሆ ኣብ ካሌይ ዘሎ ህሞት
መግለጺ ስእሊ, ሎሚ ንግሆ ኣብ ካሌይ ዘሎ ህሞት

ሎሚ ንግሆ ኣብ ሰሜን ካለይ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ተራእዮም።

ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ዊመረክስ ካብ ዝርከብ ከባቢ ናብ መትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብውሕድ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጋዜጣ እቲ ከባቢ ላ ቮይስ ዱ ኖርድ ጸብጺባ ኣላ።

ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ፡ ናብ መትረብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝተገብረ ፍሹል ፈተነ ከም ዝነበረን ፖሊስ ድሕሪ’ቲ ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ ክስተት ይከታተሉ ከም ዝነበሩን ኣረጋጊጾም ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ፡ ብዝሒ ኣብዚ ክስተት ዝተሳተፉ ሰባት'ኳ እንተዘይገለጸ ሓያሎ “ህይወት ዘይብሎም ሬሳታት" ብምግላጽ ሓለዋ ባሕሪ ሕጂ’ውን ነቲ ምዕባለታት ይከታተሉ ከም ዘለው ሓቢሩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዞም ግዳያት፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ህጻንን ምዃኖም ሓቢሮም።

“ሎሚ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 5፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ (ልዕሊ 110 ሰባት ዘለዋ) ካብ ገማግም ባሕሪ ጀርመን (ዊመርየክስ) ተበጊሳ። መጀመርታ ሑጻ ምስ ዓጸዋ፡ እታ ጃልባ መሊሳ ናብ ባሕሪ ተበጊሳ። ኣብታ ልዕሊ ዓቐን ዝተጻዕነት ጃልባ ምንቅስቓስ ሰባት ኣጋጢሙ፤ እዚ ድማ ሓያሎ ግዳያት ክዀኑ ገይሩ’ዩ” ኢሉ።

ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብ ማያት ካለይ ንእሽቶ ጃልባ ዝርኣዩ ኰይኖም፡ እታ ጃልባ ንመትረብ እንግሊዝ ንኸይትሰግር ዝዓግቱ ሓይሊ ባሕሪ'ውን ተዓዚቦም።

ኣብ ጥቓ እቲ ገምገም፡ ኣስታት 40 ስደተኛታት ናብ ጃልባ ገጾም ክሃድሙ እንከለው፡ ፖሊስ እቶም ስደተኛታት ናብታ ጃልባ ከይድይቡ ከም ዝኸልከሉዎ ይገልጹ።

እቶም ፖሊስ ዕጡቓት ኰይኖም፡ ኣብ ዝሓልፈ እተን ጀላቡ ካብ ጕዕዞአን ንምስንኻል ብካራ ከም ዝበስዑወን ይፍለጥ።

ይኵን’ምበር፡ 67 ስደተኛታት ናብታ ጃልባ ተሰቒሎም ጕዕዞኦም ቀጺሎም፤ ካልኦት ህጻናት ዝርከቡዎም ሰባት ከኣ ንድሕሪት ተሪፎም።

ብሪጣኒያ፡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊረን ዝመጽኣ ጀላቡ ንምዕጋት ቅድም ኢሉ ምስ ፈረንሳ ስምምዕ ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ገይራ ምንባራ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ብሰንኪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ምልኣኽ ዝብል እማመ፡ ንኣዋርሕ ክካትዑን ክተሃላለኹን ዝጸንሑ ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ እማመ ሕጊ ኰይኑ ክጸድቕ ፍቓዶም ሂቦም ኣለው።

ነዚ ስዒቡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ባይቶ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ንምልኣኽ ዝቐረበ እማመ ክቕበል ምኽኣሉ፡ “ኣብ ዓለማዊ ምዕሪት ስደት መሰረታዊ ለውጢ” ምምጻእ ከም ዝኸኣል ዘርኢ’ዩ ኢሉ።

እቲ እማመ፡ "ተቓላዕቲ ስደተኛታት ሓደገኛ ጕዕዞ ከይገብሩ ንምዕጋትን ሞደል ንግዲ ናይቶም ዝምዝምዝዎም ገበነኛታት ጕጅለታት ንምስባርን” ዝዓለመ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ እንተመጺእኩም ክኣ፡ ኣብዚ ክትጸንሑ ከም ዘይትኽእሉ" ግልጺ ክገብር ይኽእል’ዩ ብምባል ተዛሪቡ።

“ሕጂ ትዅረትና በረራታት ክጅመር ምግባር እዩ፤ ከምኡ ንምግባርን ህይወት ንምድሓንን ዝዓግተና ነገር ከም ዘየለ ድማ ኣነጺረ'የ” ይብል።

ሚኒስተር ዘይሕጋዊ ስደት ሚካኤል ቶምሊነሰን፡ እቲ ሃገሩ ምስ ርዋንዳ ዝገበረቶ ስምምዕ ስደተኛታት ብሓቂ ስደተኛታት ደው ከብል ድዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ፡ “እቲ ውሳነ ገና ኣይተተግበረን ዘሎ። በረራታት ክጅመር ኣለዎ፤ ሽዑ ኢና ደው ከብል ከም ዝኽእል እንሪኦ” ክብል ተዛሪቡ።

ነዚ ንምሕያል፡ ነቲ ሓተትቲ ዕቝባ ኣልባኒያ ብስሩዕ በረራታት ንምምላስ ኣብ ታሕሳስ 2022 ብሪጣኒያ ምስ ኣልባኒያ ዝኣተወቶ ስምምዕ ኣልዒሉ።

በረራታት ካብ ዝጅመር ንደሓር “ቍጽሪ ብጀላቡ መትረብ እንግሊዝ ዝሰግሩ ኣልባኒያውያን ነክዩ’ዩ” ኢሉ።

መንግስቲ እቶም ዕቝባ ንምርካብ ዝቐርቡ ሕቶታት ንምቅልጣፍ 200 ሰራሕተኛታት ስልጠና ክወስዱ ከም ዝጸንሑ ኣመልኪቱ።

ይዅን’ምበር፡ ብድሆታት ክህልው ከም ዝኽእሉ ኣይሓብአን።

መንግስቲ ርዋንዳ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ስደተኛታት ዝቕበለሎም ቦታታት ከም ዘዳለወ ይገልጽ
መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ርዋንዳ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ስደተኛታት ዝቕበለሎም ቦታታት ከም ዘዳለወ ይገልጽ

መንግስቲ ሩዋንዳ፡ ባይቶ ብሪጣንያ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስጓግ እማመ ኣጽዲቑ ዝብል ዜና ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ዚ ኪጋሊ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ክትቅበል ድልውቲ ምዃና’ውን ገሊጹ።

እታ ሃገር፡ ንስደተኛታት ውሕስቲ ክትከውን ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሐ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል መንግስቲ፡ ንልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ድሕነት ከም ዝሃበትን ካብ ብሪጣኒያ ዝመጽኡ ሓደሽቲ ስደተኛታት ንምቕባል ብሃንቀውታ ከም እትጽበን ተዛሪባ።

ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክንደይ ዝኣክል ስደተኛታት ከተአንግድ ከም እትኽእል ግን ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ፖሊሲ ጀላቡ ደው ከም ዘብለን 'መርትዖ የለን' ዝብሉ

ኣብ 2022 ክካየድ ተሓሲቡ ብዝነበረ በረራ ዝተጸልው ዓማዊል ዝውክል ትካል ሕጊ ዘለዎ ክኢላ ሕጊ ስደት ኒኮላስ ሁግስ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብዚ እዋን'ዚ ብዛዕባ መገሻኦም “ክፈልጡ ዝግበረሉ ልዑል ተኽእሎ” ኣሎ ኢሉ ከም ዝኣምን ይዛረብ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ እቲ ፖሊስ ነተን ጀላቡ ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ ዝብሎ ዘሎ ከምዚ ንምግባር ዘኽእል ምዃኑ ዘርኢ፡ “መርትዖ የለን” ብምባል ነዚ ሸቶ ክሃርም እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ነዚ ውጥን ካብ ዝቃወሙ ሓደ ዝዀነ መራሒ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያ ሪቻርድ ታይስ ብወገኑ፡ እቲ መደብ ከምቲ “መንግስቲ ዝደልዮ ገታኢ ኣይክኸውንን” ኢሉ።

እቲ “ዕድል” ድማ “ዓባይ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ለጋስ ስለ ዝዀነት” ስደተኛታት ጠበቓታት ክንረክብ ኢና ዝብል ሓሳብ ክገብሩ ስለ ዝዀኑ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምምጻእ ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።

“እቲ ቅውምነገር ናብቲ ዝመጹሉ ቦታ ምምላስ እዩ፤ ንሳ ድማ ውሕስቲ ሃገር ፈረንሳ እያ” ይብል።

ንሱ፡ ኣብ ዙርያ ማያት ዝግበር ዘሎ ሓለዋ ምውሳኽ፡ “ካብቲ መንግስቲ ዝገብሮ ኣዝዩ ዝሓሰረ ክኸውን'ዩ” ኢሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ዝሓሰበቶ ውጥን ክትመልሶ ጸዊዖም።

ፊሊፖ ግራንዲን ቮልከር ቱርክን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ፖሊሲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምክልኻል ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ጐዳኢ ጽልዋ ከም ዘሕድር ሓቢሮም።

ግራንዲ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ምሕላው ካብ ኵለን ሃገራት ትጽቢት ዝግበር ግቡእ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ውጥን ዓባይ ብሪጣንያ ግን “ሓላፍነት ምክልኻል ስደተኛታት ንምቕያር ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣህጉራዊ ምትሕብባር ዘዳኽምን ዘተሓሳስብ ዓለማዊ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥን’ዩ” ብምባል ነቒፉ።

ቮልከር ቱርክ ብወገኑ፡ “ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ናይቶም ሓለዋ ዝደልዩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ምሕላው ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፤ ዓባይ ብሪጣንያ እትወስዶ ስጕምቲ ድማ ድሕሪ እቲ ፍሉይ ውልቃዊ ኵነታቶም ብምጽራይ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጊ ስደተኛታትን ብምኽባር ክፍጸም” ይግባእ ኢሉ።

ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ብመትረብ እንግሊዝ ይሰግሩ?

ኣብዚ ዓመት’ዚ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮምዎ ነይሮም።

እዚ ድማ ምስ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ብኣስታት ርብዒ ወሰኽ ኣርእዩ።

እዚ ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ዝዀነ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ ቍጽሪ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ይገልጽ።

ኣብ 2023 ብሓፈሻ 29,437 ሰባት በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም። ካብ 2018 ጀሚሩ ኣስታት 120 ሽሕ ሰባት በዚ መንገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለው።

ብመሰረት ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ብውሕዱ 71 ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ ከም ዝጠሓሉ ይግመት።

ኣብ 2023 ጥራሕ ልዕሊ 84 ሽሕ ሰባት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ሓቲቶም።

ኣብ 2022 ዝነበረ ብዝሒ ሓተትቲ ዕቝባ ትሕቲ 100 ሽሕ ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ። ካብዚኦም፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝመጽኡ ኣስታት 45 ሚእታዊት ከም ዝዀኑ ይግመት።

ኣብ 2002 ሰባት ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልያን ዒራቕን ካብ ዝነበረ ግጭታት ክሃድሙ እንከለው፡ ብዝሒ ዓመታዊ ሕቶታት ዕቝባ - ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑ። እንተዀነ፡ እዚ ኣብ 2010 ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ስደተኛታት ካብ ሶርያ ክሃድሙ ምስ ጀመሩ ግን እቲ ብዝሒ ወሰኽ ከርኢ ከም ዝጀመረ ይግለጽ።

ብሪጣኒያ ዕቑባ ዘይሰለጦም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክትሰዶም እያ

እቶም ሓተትቲ ዕቝባ ካበይ ዝመጽኡ’ዮም?

ኣብ 2023 ዝበዝሑ ሓተቲ ዕቝባ ካብ ኣፍጋኒስታን (9,307) ዝመጽኡ ነይሮም። ቀጺሉ ዝዓበየ ጕጅለ ኣስታት 7,400 ሰባት ዝሓቘፈ ካብ ኢራን ዝመጽኡ ክዀኑ እንከለው፡ ዜጋታት ፓኪስታን፡ ህንዲን ባንግላድሽን ድማ ይስዕቡ።

ኣብ 2022 ልዕሊ 17,300 ሰባት ሓተትቲ ዕቝባ ብምሓዝ ኣልባኒያውያን ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ቍጽሪ ሒዞም ነይሮም።

መብዛሕትኦም ካብዚኦም (73 ሚእታዊት) ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተው እዮም።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጽኡ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ኣብቲ ኣሃዛት ኣይተኻተተን።

ክሳብ 19 መጋቢት 2024፡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተዳለወ ሕጋዊ መስመራት ንዩክሬናውያን ስደተኛታት 254,300 ቪዛ ተዋሂቡ።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ዕቑባ ይሓቱ?

ኣብ 2023 ብሪጣንያ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብብዝሒ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ነይራ።

ጀርመን 329 ሽሕን 035 ኣመልከትቲ ክትረከብ እንከላ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ንመጀመርታ ግዜ ዑቕባ ካብ መንጐ ዝሓተቱ ልዕሊ ርብዒ ተቐቢላ።

ስጳኛ ካልኣይቲ ዝለዓለ ቁጽሪ (160 ሽሕን 460፣ ፈረንሳ (145 ሽሕን 095)፣ ጥልያን (130 ሽሕን 565) ስደተኛታት ብምቕባል ተሰሪዐን ይርከባ።

ኣብ 2023 መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 93 ሽሕን 303 ሕቶታት ዑቕባ - ምስኦም ዝተኣሳሰሩ ከም ህጻናት ወይ ካልኦት ጽግዕተኛታት ዝርከቡዎም ሓዊሱ - ናይ መጀመርታ ውሳነታት ክህብ እንከሎ፡ ንልዕሊ ክልተ ሲሶ ድማ (67 ሚኢታዊ) ዕቑባ ሂቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ጀርመን 217 ሽሕ 430 ውሳነታት ብምሃብ፡ ን62 ሚኢታዊት ዕቑባ ሂባ።

ፈረንሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ 132 ሽሕን 695 ሕቶታት ዕቑባ ውሳነ ብምሃብ፡ ካብዚኦም 31 ሚኢታዊት ፍቓድ ሂባ።