ብ1962 ደሃያ ዝጠፍአት ሰበይቲ ብህይወት ተረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Wisconsin Missing Persons Advocacy
ንኣስታት 63 ዓመታት ዝጠፍአት ጓለንስተይቲ፡ እቲ ክትጠፍእ ዝደፍኣ ጉዳይ ድሕሪ ምምርማር፡ ብህይወትን ኣብ ጽቡቕ ኵነታትን ከም ዝተረኽበት ፖሊስ ግዝኣት ዊስኮንሰን ኣመሪካ ገሊጹ።
እዛ ሎሚ ኣብ ሽምግልና እትርከብ ኣደ ኦድሪ ባከበርግ እያ ትበሃል።
ብ7 ሓምለ 1962 ካብ ገዛኣ ወጺኣ ጸው ኢላ ክትጠፍእ ከላ፡ ገና ጓል 20 ዓመት እያ ዝነበረት።
ፖሊስ ሳውክ ካውንቲ ቺፕ ማይስተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምጥፋእ ባከበርግ፡ "ብዝዀነ ገበናዊ ድፍኢታት ወይ ንባዕላ ኣብ ገበን ተሳቲፋ ዘይኰነት፡ ብገዛእ-ድሌታ ከም ዝዀነ፡" ገሊጹ።
እቲ ፖሊስ ካብ ዊስኮንሰን ወጻኢ ትነብር ከም ዘላ እኳ እንተ ገለጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ኣብ ዊስኮንሰን ዝነጥፍ ንዝጠፍኡ ሰባት ዝጣበቕ ዘይመንግስታዊ ጕጅለ፡ ባከበርግ ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቈልዑን ከም ዝነበረት ይሕብር።
እቲ ጕጅለ ብተወሳኺ ከምዝበሎ፡ እዛ ኣብዚ ግዜ'ዚ ጓል 82 ዓመት ኰይና ዘላ ሰበይቲ፡ እቲ ኣብ 15 ዕድመኣ ዝተመርዓዋ ብዓል-ቤታ ስለ ዝሃረማን ምፍርራሕ ቅትለት ስለ ዝገበረላን ኣብ ልዕሊኡ ክሲ መስሪታ ነበረት።
ኣብታ ዝጠፍኣትላ መዓልቲ፡ ካብቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት መፍረ-ሱፍ፡ ናይ ደሞዝ ቸክ ክትወስድ ብምባል ካብ ገዛ ወጽአት።
ኣብቲ እዋን ጓል 14 ዓመት ዝነበረት ንደቃ እትሕብሕበላ ዝነበረት ሰራሕተኛኣ ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ንሳን ባከበርግን ናብ ማዲሰን - ዊስኮንሰን ብመኪና ከም ዝተጓዕዛን ድሕሪኡ ድማ ብኣውቶቡስ ናብቲ ኣስታት 480 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኢንዲያናፖሊስ ከም ዝኸዳን ገሊጻ ነበረት።
ብድሕሪኡ፡ እታ ሓብሓቢት ህጻናት ስግኣት ስለ ዝተሰምዓ ናብ ገዛኣ ክትምለስ ደለየት። እታ ጓል 20 ዓመት ኣደ ግና ካብቲ መዓርፎ ኣውቶቡስ ርሒቓ ክትከይድ ናይ መጠረስታ ዝተራእየትሉ ኰነ።
ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ሳውክ ካውንቲ በዚ ጉዳይ ብዙሕ ፍንጪታት እኳ እንተ ኣከበ፡ እቲ ጉዳይ ደስኪሉ እዩ ጸኒሑ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ናይ ቀደም ጉዳያት ዳግማይ ክርኣዩ ድሕሪ ምግባሮም ግን ምዕባለታት ኣርእዩ።
መርማሪ ኣይዛክ ሃንሰን ንማዕከን ዜና WISN ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝረኸቡዎ ትውልዲ ናይ ሓብታ ንኽትርከብ ሓጋዚ ምንባሩ ገሊጹ።
እቲ ዲት ሃንሰን ዝተባህለ ፖሊስ ምስቶም ኣብታ እትነብረላ ዘላ ከተማ ዘለዉ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝተራኸበን ን45 ደቓይቕ ብተለፎን ከም ዝተዘራረበን ሓቢሩ።
"በቃ ዝነበረቶ ገዲፋ ናብ ካልእ ህይወት ዝተሰጋገረት እመስለኒ። ናታ ዕዮ ገይራ ህይወታ ክትመርሕ ጸኒሓ። ሕጕስትን ኣብ ዝወሰደቶ ምርጫ ርግጸኛን እያ ትመስል፣ ጣዕሳ የብላን፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







