በዲዶ ህበይ፡ 'ዓለማዊ ስግኣት' ምዃኑ ወድብ ጥዕና ዓለም ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳ በዲዶ ህበይ ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና ምዃኑ፡ ትማሊ 23 ሓምለ ኣዊጁ።
ብውድብ ጥዕና ዓለም ተመሓላሊፉ ዘሎ ኣዋጅ፡ እቲ ዝልዓለ ናይ ስግኣት ደወል ኰይኑ፡ ውደብ ጥዕና ዓለም ነዚ ምርኵስ ብምግባር ብደረጃ ዓለም ዘሎ ብዝሒ ሕሙማት ብምርኣይ ተወሳኺ ኣዋጅ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
እዚ ኣዋጅ፡ ኮሚቴ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ንኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ እዩ፡ እቲ ቫይረስ ዓቢ ዓለማዊ ስግኣት ምዃኑ ናብ መደምደምታ ክብጽሕ ክኢሉ።
ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ 75 ሃገራት ልዕሊ 16 ሽሕ ሰባት ለኺፉ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ዳይረክተር ጀነራል ኣስዒቡ፡ ክሳብ ሕጂ ሓሙሽተ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ምማቶም ተመዝጊቡ ምህላዉ’ውን ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ ከም ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና ዝተገልጹ ሕማማት ኮሮናቫይረስን ፖልዮን እዮም።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሚቴ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ይላባዕ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ከምዝበጽሐ ኣተንቢሁ።
“ክሳብ ሕጂ ብኣገባብ ምትሕልላፉ ውሑድ ነገር ኢና ክንርዳእ ክኢልና ዘለና፣ ውደብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ ዳህሳስ፡ በዲዶ ህበይ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ደሓን ኮይኑ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ ግን ዓቢይ ሓደጋ ጥዕና ኣኸቲሉ ምህላዉ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና።”
ዶክተር ቴድሮስ ኣስዒቡ፡ እቲ ብውድብ ጥዕና ዓለም ተመሓላሊፉ ዘሎ ኣዋጅ፡ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ንኸይላባዕ ንምግታእን፡ ክታበት ብህጹጽ ንኽምዕብልን ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ስጕምቲ ንኽወስዳን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ንኽከላኸላሎምን ይሕግዝ እዩ ዝበሎ መምርሒታት ኣውጺኡ ኣሎ።
ዶክተር ቴድሮስ፡ “እዚ ቫይረስ ቅኑዕ ስትራተጂ ኣውጺእና በቲ መምርሒታት እንተተመሪሕና ክግታእ ዝኽእል እዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ቫይረስ ብዝያዳ ኣብ ደቂተባዕትዮ ምስ ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ዝምድና ዘለዎምን፡ ብዝሒ ጾታዊ ዝምድና ዘለዎም ገኒኑ ይርኣ ከምዘሎ ገሊጹ።
“ኣብ ልዕሊ እዞም ዝሓመሙ ዘጋጥም ተነጽሎ ልክዕ ከምቲ ቫይረስ ሓደገኛ እዩ” ክብል ከኣ ኣተሓሳሲቡ።
በዲዶ ህበይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1950ታት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ’ዩ ተራእዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 2000 በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም ኣለዉ።
ሰብ መዚ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከም ሕደጾታውያንን ሰራሕተኛታት ጥዕናን እቶም ቀንዲ ንስግኣት ተቓሊዖም ዘለዉ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ክታበት ክውሃቦም ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







