'ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሓ ዝጸንሓ ልዕሊ 100 ማዕከናት ዜና ፈሊና ኣለና' - ፖሊስ ኢትዮጵያ

ማሕበራዊ መራኸቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 100 ኣብ ኢንተርነት ዝነጥፋ ማዕከናት ዜና፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ዘረባታት ጽልእን ይዝርግሓ እየን ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ነተን ዓሰርተ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘውዓለ ገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ፡ "ሰላምን ጸጥታን ህዝቢ ዝህውኻ፡ ብብሄርን ሃይማኖትን ግጭት ዘለዓዕል ሓበሬታን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ዝዝርግሓ" ዝበለን 111 ናይ ኦንላይን ማዕከናት ዜና ከም ዘለለየ ኣፍሊጡ።

እዘን ማዕከናት ዜና ኦንላይን፡ "ብሄር ምስ ብሄር፡ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ብምግጫው ሰላምን ጸጥታን ሃገር ንምዝራግ ክንሰርሓ ዝጸንሓ እየን፡" ንዝበለን ዓሰርተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ብምእታው መርመራ ይገብር ምህላው'ውን ፖሊስ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት 18 ዝዀኑ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃንን ከም ዝተኣሰሩ ይዝከር።

እዚ ብኣካለት ጸጥታ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ ንትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መሰል ጋዜጠኛታትን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እዘን ማዕከናት ዜና ዝዀነ ፍቓድ ከምዘይብለን'ውን እቲ መግለጺ ፖሊስ ይጠቅስ።

እንተዀነ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኸቢ ብዙሃን መርመራ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ፡ መንነት እተን ማዕከናት ዜና ካብ ምግላጽ ከም ዝተቘጠበ ኣፈኛ ፖሊስ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ብዝብል ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝጀመረ ስጕምቲ፡ ኣብ ባህር ዳር፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ትካላት ዜና ኦንላይን ዝሰርሑ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ።

ብድሕሪኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማኔጂን ዳይሬክተር መጽሄት 'ፍትህ' ዝዀነ ተመስገን ደሳለኝ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ማእከናት ዜና ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ይርከቡ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት 18 ዝዀኑ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሃንን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተወሳኺ ቈጸራ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄን እቲ ማእሰርቲ ከም ዘሻቐሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።