ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ፡ ኣመሪካ 'ክብረቶም ክትሕሉ' የጠንቅቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራሕተኛ ማእከላይ ባንክ ዝነበረ ማርክ ካርኒ ንጃስቲን ትሩዶ ተኪኡ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ክኸውን ምዃኑ ትማሊ ሰንበት ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ጃስቲን ትሩዶ፡ "ውሽጣዊ ብድሆታት ንምቅላስ፡" ብምባል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ማርክ ካርኒ መራሒ ገዛኢ ሊበራላዊ ሰልፊ ካናዳ ንምዃን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተዓዊቱ።
እታ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ ዝነበረት ካናዳ፡ ብሰንኪ ፕረዚደንት ትራምፕ ከቢድ እዋን ተሕልፍ ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ካናዳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓፈሻዊ ምርጫ ከተካይድ ኣለዋ፣ ካርኒ ድማ ኣብዚ ዘይርጉእ እዋን መራሒ ክኸውን እዩ።
እዚ 59 ዝዕድመኡ ካርኒ፡ ኣብቲ 152 ሽሕ ኣባላት ሰልፊ ድምጺ ዝሃብሉ ውድድር 86 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ፡ ንምኒስተር ፋይናንስ ነበረ ክርስትያን ፍሪላንድ ስዒሩ ክዕወት ክኢሉ።
ካርኒ ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፎም ምትእኽኻብ፡ "ንቝጠባና ከዳኽም ዝፍትን ሓደ ሰብ ኣሎ፡" ክብል ብዓውታ ቃሉ ኣስሚዑ፣ "ንካናዳውያን ሰራሕተኛታት፡ ስድራቤታትን ትካላትን ንግድን የጥቅዕ ኣሎ። ክዕወት ክንገድፎ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።
"እዚ ከምቲ ዝተለምደ ንግዲ ኣይክኸውንን እዩ፡" ዝበለ ካርኒ፣ "ቅድሚ ሕጂ ዘይሓሰብናዮ ነገራት ክንገብር ክንግደድ ኢና፣ ከምኡ'ውን ብዘይ ሓሰብናዮ ፍጥነት።"
ትሩዶ ንልዕሊ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ካብ ስርሑ ከም ዘቋርጽ ስለ ዝገለጸ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ብቕልጡፍ ተካኢኡ ሰብ ክደሊ ነይሩዎ።
ትሩዶ፡ "ከይትጋገዩ፣ እዚ ግዜ'ዚ ንሃገርና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንደሞክራሲ ከም ንቡር ክንወስዶ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንናጽነት ከም ንቡር ክንወስዳ ኣይንኽእልን ኢና። ንካናዳ'ውን ከም ንቡር ክንወስዳ ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።
ካርኒ ኣብ ፖለቲካ ሓድሽ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ሰልፊ ዳግማይ ኣብ ምብርባርን ምስ ትራምፕ ኣብ ዝካየድ ንግዳዊ ዝርርባት ብግቡእ ክገጥም ዝኽእልን ሰብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ትራምፕ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣቱ ኣቑሑት ተወሳኺ ግብሪ ክውስኽ ምዃኑ የፈራርሕ ኣሎ።
ቍጠባ ካናዳ ኣብ ሰደድ ስለ ዝምርኰስ ከኣ ክጐድኣ ይኽእል እዩ።
ትሩዶ ነቲ ናይ ትራምፕ ስጕምቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ናይ 30 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ቀረጽ ኣንቢሩ።
ዓወት ካርኒ ብዓይነቱ ፈላማይ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፖለቲካ ተሳትፎ ከይጸንሖ እዩ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ዝኸውን ዘሎ።
ኣብ ካናዳን ዓዲ-እንግሊዝን - ኣብ ክልተኡ ገዚፍ ዓለማዊ ቍጠባ (G7) - ሓላፊ ማእከላይ ባንክታት ኰይኑ ዘጥረዮ ተመኵሮ፡ ኣብቲ ምስ ትራምፕ ዝግበር ንግዳዊ ግጥም ዝሓሸ ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል እምነት ተነቢርሉ ይርከብ።።
ምስቲ ትራምፕ ንካናዳ ናብ ኣመሪካ ብምጽንባር መበል 51 ግዝኣት ክትከውን ዝደኣሎ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ንካርኒ ከም መራሒ ምምራጹ ተቐባልነቱ ኣብ ህዝቢ ክዓቢይ ኣኽኢሉዎ ኣሎ።
ካርኒ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ቃለ-መሓላ ክፍጽምን ኣብ ዝስዕብ ሓፈሻዊ ምርጫ ንሰልፉ ወኪሉ ክቐርብን ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







