ብወተሃደራት እስራኤል ምዝርግሖም ዝተረጋገጸ ኣሳእል እንታይ የመልክቱ?

ብሰራዊት እስራኤል ዝተኣሰሩ ፍልስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, YouTube

ዓይኖም ዝተሸፈኑን ንድሕሪት ዝተኣሰሩን፡ እሱራት ቓዛ ዘርኢ፡ ብወተሃደራት እስራኤል ተሳኢሉ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ)፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብሞያ ኣገንዚቦም።

እሱራት ንዘየድሊ ውርደት ወይ ንህዝባዊ ምርኢት ክቓልዑ ከም ዘይግባእ ዓለምለኻዊ ሕጊ ይድንግግ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ብወተሃደራት እስራኤል ብወግዒ ናይ ዝተዘርግሑ ኣማኢት ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል ተዓዚቡ። ካብዚኦም፡ ሸሞንተ እሱራት ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ፡ ኣብዚ ተግባር ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት፡ ነቲ ሓደ ካብ ኣገልግሎት ከም ዝኣገዶን ከምዚኦም ዓይነት ምስልታት ንክብርታቱ ከም ዘይውክሉን ገሊጹ። ካብ ቢቢሲ ተወሳኺ ርእይቶ ንኽህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣገልገሎት ዝህቡ ወተሃደራት

መብዛሕትኦም እቶም ዝተዓዘብናዮም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ዓውደ ውግእን ገዛኦም ገዲፎም ናይ ዝሃደሙ ነበርቲ ገዛውቲ ዝፍትሹን ወተሃደራት የርእዩ።

ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከም ዳይኖሰር ዝተኸደኑን ዝትኵሱን ወተሃደራት፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሓደ ጥርሑ ገዛ ፍልስጤማውያን ፒዛ ከዳልዉ የርእይ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሑ ሸሞንተ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ረኺቡ። ሰብሞያ ሕጊ እዞም ምስልታት ግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ፍልስጤማውያን እሱራት ዘርእዩ ከም ዝዀኑ ኣፍሊጦም።

ኵሎም እዞም ምስልታት፡ ኣብ ሰራዊት እስራኤል የገልግሉ ብዘለዉ ወይ ኣገልገልቲ ብዝነበሩ፡ እሞ ድማ መንነቶም ብዘይሓብኡ ወተሃደራት ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ እዮም።

ቢቢሲ፡ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብስፍሓት ናይ ዝተርኣየ ምስሊ ፍልስጤማዊ እሱር ብምትንታን የቃልዕ።

ኣብ ኢንተርነት ዘለዉ ኣሳእል ዝድለየሉ ‘ሪቨርስ ኢሜጅ ሰርች’፡ እቲ ምስሊ፡ ካብ ኣካውንት ዩቲዩ ናይ ሓደ ዮሲ ጋምዙ ለቶቫ ዝተባህለ እስራኤላዊ ወተሃደር ዝተረኸበ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ።

እቲ ወተሃደር፡ ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ካብ ቓዛ ዘርጊሑ እዩ።

ዮሲ ጋምዙ ለቶቫ፡ ኣሳእል ፍልስጤማውያን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱን ሰራዊትን ምስሊ እውን ዘርጊሑ እዩ። ንሱ፡ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ናይ ዝዀነ ብርጌድ ናሃል ዝዀነ ግራናይት በጦሎኒ 932 ዝርከቦ ብዙሓት ቪድዮታት ዘርጊሑ።

24 ታሕሳስ 2023 ዝተዘርግሐ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ፍልስጤማዊ እሱር ኣብ ወንበር ጥራሕ ነብሱ ኰፍ ኢሉ፣ እናደመየን ኢዱ ተኣሲሩን ብወተሃደር እስራኤል መስቀላዊ ምርመራ እናተገብረሉ ይረኣይ።

ፍልስጤማዊ እሱር ብወተሃደር እስራኤል መስቀለኛ ሕቶ እንትሕተት

ምንጪ ስእሊ, YOUTUBE

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማዊ እሱር ብወተሃደር እስራኤል እናተሓተተ

እዚ ምስሊ ዝተሳእለሉ ቦታ ኣብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ቓዛ ከም ዝዀነ፡ በቲ ብቐሊሉ ዝፍለጥ ዲዛይንን ሕላገት እቲ ትካልን ዝልለ ምዃኑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘሎ መፍለይን ኣብ ፌስቡክ እቲ ትካል ዘሎ ሕላገትን ተመሳሳሊ እዩ።

ኣብዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቲ እሱር ጸኒሑ ኣብ ጐደናታት ቓዛ ጥራሕ እግሩ ክጓዓዝ ይርአ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ስእሊ ሕቶታት ክሕተት ዝተወሰደ እዩ። ዝዀነ ዓይነት ጉድኣት ድማ ኣይወረዶን። ንትእዛዛትን ክብርታትን ሰራዊት እስራኤል ብዝጥሕስ መገዲ፡ ሓደ ኣባል ዕቑር ሰራዊት ስእሊ ብምስኣል ዘርጊሕዎ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ካብ ኣገልግሎት ዕቑር ሰራዊት ክእለ ተወሲኑ” ይብል።

እቶም ተንቀሳቕስቲ ምስልታት ተኣልዮም

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ዮሲ ጋምዙ ለቶቫ ካልእ፡ ኣማኢት ፍልስጤማውያን እሱራት ኣብ ሓደ ሜዳ ስፖርት ተኣኪቦም ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዩቲዩብ ዘርጊሑ። እዚ ሜዳ፡ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ስታድየም ያርሙክ ከምዝዀነ ከኣ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣረጋጊጽዎ።

መብዛሕትኦም ኣብዚ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘለዉ ፍልስጤማውያን እሱራት ብዘይካ ኮስትሞ ብዘይ ገለ ክዳን ጥራሕ ነብሶም እዮም። ገሊኦም ኣእዳዎም ንድሕሪት ተኣሲሮም ብመስርዕ ተንበርኪኾም ይረኣዩ፤ ወተሃደራት እስራኤል ድማ ይከታተልዎም።

ኣብ ሓደ ምስሊ እዚ ቪድዮ፡ ሰለስተ ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦ ጕጅለ እሱራት ባንዴራ እስራኤል ኣብ ዝተሰቐለሉ ድሕሪ ልዳት ኵዕሶ እግሪ ኣእዳዎም ንድሕሪት ተኣሲሮም፣ ዓይኖም ተሸፊኖምን ተምበርኪኾምን ይረኣዩ።

ብወተሃደር እስራኤል ዝተዘርግሐ ስእሊ ፍልስጤማውያም እሱራት

ምንጪ ስእሊ, YOUTUBE

መግለጺ ስእሊ, ብወተሃደር እስራኤል ዝተዘርግሐ ስእሊ ፍልስጤማውያም እሱራት

ኣብዚ ምስሊ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ብተደጋጋሚ ይረኣይ፤ ይስእል ከም ዘሎ’ውን ዝፈልጥ ይመስል።

ዝተኸደኖ ወተሃደራዊ ክዳንን መዓርግን፡ ኣብ ኢንተርነት ምስ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ክዳን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብምንጽጻር፡ ሌተናል ኮሎኔል ወይ ኣዛዚ በጦሎኒ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ምስ ሓተተ፡ ክልቲኦም ቪድዮታት ካብ ዩቲዩብ ዮሲ ጋምዙ ለቶቫ ተኣልዮም።

ሕጊ ስነ-ምግባር

ካልኦት፡ ኣሳእል ዓይኖም ክሽፈን ዝተገበሩ እሱራት ዘርእዩ ክልተ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብኻልእ ወተሃደር እስራኤል ኣብ ቲክቶክ ተዘርጊሖም፤ ብረት ዝዓጠቝ ወተሃደራት’ውን ይረኣዩ።

እቲ ቀዳማይ ብ14 ታሕሳስ ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ብሙዚቃ ራፕ እስራኤል ተዓጂቡ፣ ኣዒንቶም ዝተሸፈኑ እሱራት ኣብ ፒክ ኣፕ ዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም፣ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ድማ ኣብ ጥቓ እቶም እሱራት ኰይኑ፡ ብዕግበት ዓባይ ዓባይቶኡ ንላዕሊ ገይሩ ይረኣይ።

ካልእ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሕሳቡ ብምዕዛብ፡ እዚ ወተሃደር ኢልያ ብላንክ ከም ዝበሃል ቢቢሲ ቨሪቫይ የረጋግጽ።

ኣብ ፒክኣፕ መኪና ምስ ዝተዓጐሩ ፍልስጤማውያን እሱራት ደው ዝበለ እስራኤላዊ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, TIKTOK

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፒክኣፕ መኪና ምስ ዝተጻዕኑ ፍልስጤማውያን እሱራት ደው ዝበለ እስራኤላዊ ወተሃደር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢልያ ብላንክ፡ ሓደ ዓይኑ ተሸፊኑ ክምብርከኽ ዝተገበረን ብሰለስተ ወተሃደራት እስራኤል ዝተኸበበን እሱር ዘለዎን ካልኣይ ቪድዮ ለጢፉ።

ንሱ መብዛሕትኦም ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተጠቀመሎም ኣሳእል ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዝተስኣሉ ምዃኖም ተለልዩ።

ቢቢሲ ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ምስ ኣዘረበ፡ እቶም ቪድዮታት ካብ ቲክቶክ ክእለዩ ተገይሮም።

ዓንቀጽ 13 ሳልሳይ ስምምዕ ጀኔቫ፡ እሱራት ኵሉ ግዜ ሓለዋ ክግበረሎም፡ ብፍላይ ድማ ካብ ተግባራት መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ፡ ከምኡ’ውን ካብ “ጸርፍን ንህዝባዊ ምርኢት ካብ ምቅላዕን” ክሕለዉ ከም ዝግባእ ይድንግግ።

ዶክተር ኤሊስ፡ ቀንዲ ነጥቢ እቲ ስምምዕ፡ ንእሱራት ኵናት “ህዝባዊ ዘይምቅላዕን፣ ዘይምቁናጻብን ዘይምሕሳርን” ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ሰባት ብታንቲ ጥራሕ ገይሮም ጥራሕ ነብሶም ክኸዱ ምግባርን ምስኣሎምን፡ እዚ ክዝርጋሕ ምግባርን ብዘይጥርጥር ነዚ ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ” ይብል።

“ዝወጽኡ ሕጊታት፡ ብዝዀነ ይዅን መልክዑ ነዚ ተግባር ኣይፈቕዱን።”

ፈላማይ ሕጊ ስነ-ምግባር ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምጽሓፍ ዝሓገዘ እስራኤላዊ ምሁር ፕሮፌሰር ኣሳ ካሸር ብወገኑ፡ ምስሊ ፍርቂ ጥራሕ ነብሶም ዝወጽኡ ሰባት ምዝርጋሕ ምስ ሕጊ ስነ-ምግባር ሰራዊት እስራኤል ዝጻባእ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ፕሮፌሰር ኣሸር ወሲኹ፡ እሱራት ዕጡቓት እንተዀይኖም ንምርግጋጽ ክዳኖም ከውጽኡ ክግበር ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ እንተዀነ “ከምዚኦም ዓይነት ኣሳእል ስኢልካ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ” ዘይምኽንያታዊ’ዩ ይብል።

“ብፍርቂ ጥራሕ ነብሶም ስእሊ ዝሰኣልዎም ንኸዋርድዎም” ከም ዝዀነ ይሕብር።

በዓልሞያ ሕጊ ማይክል ማንስፊልድ’ውን፡ እዞም ምስልታት ኣብ ቤት-ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ክረኣዩ ይግባእ ዝብል ተሪር መርገጽ ኣለዎ።

ኣብ እዋን ኵናትን ግጭትን እሱራት ኵናት ምስ ዝዀኑ ሰባት ዝህሉ ርክብ ገደብ ኣለዎ ብምባል፡ እሱራት ብኽብሪ ክተሓዙ ከም ዝግባእ ይገልጽ።

ቢቢሲ ናብ ቲክቶክ ሽድሽተ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምልኣኽ፡ ሽድሽቲኦም መምርሒታት ማሕበረሰብ ዝጥሕሱ ከም ዝዀኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት መምርሕታት ቲክቶክ፡ ንግዳያት ዘዋርድ ትሕዝቶ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ድማ ገሊጹ። ኵሎም ተንቀሳቐስቲ ምስልታታ ካብ ቲክቶክ ንኽወርዱ ተገይሮም እዮም።

ወሃቢ ቃል ዩቲዩብ ብወገኑ፡ ኵናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጐዳእቲ ቪድዮታት ከም ዝኣለዩ ሓቢሩ። ጐዳእቲ ዝዀኑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ንምእላይ ሰብሞያ ምቍጽጻር ቀትርን ለይትን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ድማ ሓቢሩ።