እስራኤል-ቓዛ፡ ፍልስጤማውያን ካብ ራፋሕ ንምግዓዝ ወተሃደራቱ ክዳለዉ ነታንያሁ ኣዚዙ

ብመጥቃዕትታት እስራኤል ኣብ ዝፈረሰ ገዛ ዝረኣዩ ፍልስጤማውያን ህፃናት ( 9 ለካቲት፡ 2024)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ወተሃደራቱ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ካብ ትርከብ ከተማ ራፋሕ ሲቪላት ንምግዓዝ ክዳለዉ ኣዚዙ። ነታንያሁ ነዚ ትእዛዝ ዘውረደ፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ከም ዝዀነ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ቓዛ ትፍጽሞ ካብ ዘላ መጥቃዕቲ ህይወቶም ንምድሓን ዝሃደሙ ኣስታት 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፍልስጤማውያን፡ ኣብ ከተማ ራፋሕ ይርከቡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ተካይዶ ዘላ ወራር መዓት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ፤ ሕብረት ኣውሮጳ እውን ሻቕሎቱ ገሊፁ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን፡ ኵሉ ሰብ ካብታ ከተማ ምግዓዝ ከም ዘይከኣል የጠንቅቝ ኣለዉ።

በንያሚን ነታንያሁ፡ ሰራዊትን ሰብመዚ ጸጥታን፡ ኣብታ ከተማ ዝርከብ “ህዝቢ ንምግዓዝን በጠሎኒታት ሓማስ ንምድምሳስን ሓባራዊ ትልሚ ንካቢነ ከቕርቡ” ኣዚዙ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ሓማስ እንከይደምሰስካ፡ እሞ ድማ ኣርባዕተ በጠሎኒታት ሓማስ ኣብ ራፋሕ ገዲፍካ፡ ዕላማ እቲ ኵናት ምዕዋት ዘይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ራፋሕ ዘሎ ጽዑቕ ምንቅስቓስ፡ ሲቪላት ካብቲ ውግእ ዝካየደሎም ከባቢታት ምግዓዝ ዝጠልብ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ኣብ ራፋሕ ወተሃደራቱ “ስርሒት ንምክያድ ክዳለዉን” እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ “ምሉእ ብምሉእ ክትዕወት” ኣዋርሕ ከም ዝተርፋን ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተዅሲ ደው ንምባል ብሓማስ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ ነዚ ርእይቶ እዚ ዝሃበ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ተዛተይቲ ሓማስ ንካይሮ ገዲፎም ይወጹኡ ከምዘለዉን፡ ልዝብ ክልቲኦም ወገናት ከም ዝተቛረጸን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ዝበዝሑ ኣብ ከተማ ራፋሕ ኣብ ቴንዳ ዝነብሩ ዘለዉ ፍልስጤማውያን፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ቓዛ ካብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ህይወቶም ንምድሓን ዝሃደሙ እዮም።

ራፋሕ ኣብ መንጐ ቓዛን ግብጽን እትርከብ እንኮ መሳገሪት እያ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ “ሰራዊት እስራኤል ኣብ ራፋሕ ብዛዕባ ዝፍጽሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ዝዝርግሑ ዘለዉ ሓበሬታታት ዘፍርሑ’ዮም። ነቲ ዘሎ ሕሱም ሰብኣዊ ቅልውላውን ሞት ሲቪላትን ዘጋድድን ዝበኣሰ መዘዝ ዘስዕብን’ዩ” ክብል፡ ብዓርቢ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጠንቂቑ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብ ከተማ ራፋሕ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ እዩ።

ወሃቢ ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ስቴፈን ዱጃሪክ’ውን፡ “ዕጫ እቶም ኣብ ራፋሕ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣሻቒሉና ኣሎ። ሰባት ሓለዋ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ግልጺ እመስለኒ። በስገዳድ ዝግበር ምምዝባል ኰነ፡ ግዱድ ጃምላዊ ምምዝባል ሰባት ክንርእይ ኣይንደልን” ኢሉ።

ሰብመዚ ሚኒስትር ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ብዓርቢ ኣብ ቓዛ ብዘካየደቶ ደብዳባት ኣየር 15 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣፍሊጡ። ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ኣብ ራፋሕ ዝተቐተሉ እዮም። እስራኤል ኣብዚ ቅትለት ኣመልኪታ ዝሃበቶ ቀጥታዊ ምላሽ የለን።

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ እስራኤል ድህሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሰብስልጣን እስራኤል ይገልጹ።

ኵናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ 27 ሽሕን 900 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐተሉን 67 ሽሕ ከም ዝቘሰሉን ይንገር።