ኣመሪካ፡ ስቱር ምስጢራት ዘውጽአ ኣባል ሲ-ኣይ-ኤ ነበር 40 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ኣባል ትካል ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ውልቀሰብ ዝተሰትሩ ምስጢራት ብምልሓዂ ን40 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።
ጆሽዋ ሹልተ፡ ብዘይካኡ ወሲባዊ ስእልታት ቆልዑ ሒዙ ብምጽንሑ'ውን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ከምዝበልዎ፡ እቲ ኣባል ሲ-ኣይ-ኤ ነበር፡ ብዛዕባ ሓደ "ቮልት 7" (Vault 7) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣባላት ስለያ ንዘድልዮም ተንቀሳቐስቲ ተለፎናት (ስማርትፎንስ) ክስርስሩ ዘኽእሎም መሳርሒ ዝምልከት ሓበሬታ ብምልሓዂ'ዩ ተኸሲሱ።
እቲ መሳርሒ፡ ንዝግበር ናይ ተለፎን ዝርርብ ዝጠልፍ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ "ኣዝዩ ደፋር" ላሕኲ ምስጢራዊ ሓበሬታ'ዩ ክብሉ እቶም ሰብመዚ ገሊጾሞ ኣለዉ።
ወዲ 35 ሹልተ፡ ኣስታት 8,761 ሰነዳት ነቲ ምስጢራት ሃገራት ብምቅላዕ ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ 'ዊኪሊክስ' ኣሕሊፉ ሂቡ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ።
እቲ ኣብ 2017 ዝተፈጸመ ላሕኲ ምስጢራት ኣብ ታሪኽ እቲ ትካል ሰለያ ወጻኢ ዝኾነ ሲ-ኣይ-ኤ ዝዓበየ ምዃኑ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ገሊጹ።
ኣባል ናይቲ ትካል ዝነበረ ሹልተ ነቲ ክስታት ዝነጽጎ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ 2020፡ 2022፡ ከምኡ'ውን 2023 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየዱ ሰለስተ ዝተፈላለዩ መጋባእያታት ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ'ዩ
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ውሳነ ናይ ምሃብ መጋባእያ ድማ፡ ብስለያ፡ ኮሚፒተራዊ ስርሰራ፡ ንኤፍ-ቢ-ኣይ ናይ ሓሶት ምስክርነት ብምሃብ፡ ከምኡ'ውን ወሲባዊ ምስልታት ቆልዑ ሒዙ ብምርካቡን ፍርዱ ተቐቢሉ'ሎ።
"ጆሽዋ ሹልተ፡ ኣብ ታሪኻ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአን ደረቐኛን ገበናት ስለያ ብምፍጻሙ ንሃገሩ ከዲዑ" ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ዴሜን ዊልያምስ ተዛሪቡ።
ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ ዝቐረበ መርትዖ ከምዘርእዮ፡ ሹልተ፡ ከም ኣማዕባሊ ሶፍትዌር (software developer) ኮይኑ ምስ ማእከል መርበባዊ ስለያ ዝተባህለ ኣሃዱ ይስርሕ ነይሩ።
እቲ ኣካል ሲ-ኣይ-ኤ ዝኾነ ማእከል፡ ብመንገዲ መርበባት ኢንተርነት፡ ኮምፒተርን ስማርት ተለፎንን ንኣሸበርቲ ጉጅለታትን ሃገራት ወጻኢን ዝስሊ እዩ።
ኣብ 2016 ነቲ ዝተሰርቀ ሓበሬታ ናብ ዊኪሊክስ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብቲ ላሕኲ ብዛዕባ ዝነበሮ ግደ ንመርመርቲ ፌደራላዊ ትካል መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ሓስዩ ክብሉ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ይኸሱ።
ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝደፋፍኦ ኣብ ቦታ ስራሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ምስሕሓባት ምዃኑ'ውን ይገልጹ።
ሹልተ፡ ኣብ ስርሑ ዝተዋህቦ ዕማማት ኣብ ግዚኦም ኣብ ምፍጻም ጸገም ከምዝነበሮ ዝገለጹ እቶም ሰብመዚ፡ ብፍላይ ሓደ ካብ ፕሮጀክትታቱ ኣዝዩ ደንጒዩ ብምንባሩ "ጎሳሲ ቆጸራ" ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎ ምንባሩ ተሓጋጋዚ ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ማይክል ሎካርድ ጠቒሱ።
ስለዚ ድማ'ዩ ነቶም ከም ገበርቱ ክፉኡ ዝፈልጦም መሳርሕቱ ንምጉዳእ ተደፋፊኡ።
"ሕነኡ ክፈዲ ክብል ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት እዛ ሃገር ገዚፍ ጉድኣት ኣውሪዱ" ይብል እቲ ዓቃቢ ሕጊ።
ዊኪሊክስ ብወገኑ ካብ 2017 ጀሚሩ ነቲ ስቱር ምስጢራት ዝሓዘ ሓበሬታ ከቃልዖ ጀሚሩ።
ምልሓዂ ናይቲ ምስጢራት "ብኡ-ንብኡ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻባእቲ ኣመሪካ ዝኾኑ ወገናት ዘካይዶ ንዝነበረ ስለያ ወጻኢ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ኣዝዩ ሃስይዎ። ንኣባላት ሲ-ኣይ-ኤ፡ ንጥፈታትን ተሓባበርትን ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ፡ ከምኡ'ውን ንሲ-ኣይ-ኤ ሚልዮናት ዶላራት ኣኽሲሩን"።
ዊኪሊክስ ነቲ ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኤፍ-ቢ-ኣይ ንሹልተ ኣዘራሪብዎ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን ሓላፍነት ክስከም ፍቓደኛ ኣይነበረን።
ሰብመዚ ጸጥታ ንመንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝፈተሽሉ እዋን ግን፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸር ምስ ጾታዊ ዓመጽ ቆልዑ ዝተሓሓዝ ነገራት" ረኺቦም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ'ውን ሓደ ሓበሬታ ከመሓላለፍ ፈቲኑ ነይሩ። ሓቢኡ ተለፎን ናብ ቤትማእሰርቲ ብምእታው፡ ብዛዕባ ጉጅለታት ሳይበር ሲ-ኣይ-ኤ ንሓደ ጋዜጠኛ ሓበሬታ ክሰድድ ፈቲኑ። ጄሰን ቦርን ዝብል ናይ ብርዒ ኣባል ስለያ ተመሲሉ'ውን ብዛዕባ ሲ-ኣይ-ኤ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሳይበር ኣብ ትዊተር ክዝርግሕ ሓሲቡ ምንባሩ እቶም ሰብመዚ የረድኡ።
እቲ ውልቀሰብ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







