ቤተ መዘክር ሲኣይኤ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ምስጢራዊ ቤተ መዘክር

ምንጪ ስእሊ, POOL/GETTY IMAGES
ምናልባት ኣብ ዓለምና ንታሪኽ ቅርፂ ዘትሓዙ ሓድግታት ዝመልአ እቲ ዘይተለምደ ከምኡ'ውን ፍሉይ ቤተ መዘክር ክኸውን ይኽእል’ዩ። ማዕጹአ ግን ንህዝቢ ክፉት ኣይኮነን።
ሓደ በጻሒ፡ እታ ኦሳማ ቢንላደን ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ምስኡ ዝተረኽበት ሽጉጥ ኣብ ጎኒ ቆርበት ጃኬት ሳዳም ሑሴን ክርእየሉ ዝኽእል እንኮ ቦታ እዚ ቤተ-መዘክር እዩ።
እንቋዕ ናብቲ ናይ ሲኣይኤ ምስጢራዊ ቤተ መዘክር ብደሓን መጻእኩም።
ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣብ ላንግሊ ቨርጂንያ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ትካል ስለያ ኣሜሪካ ዘሎ እኽብካብ ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ምምስራት እቲ ትካል ተሓዲሱ ኣሎ። ዋላኳ ፅዑቕ ብዝኾነ ሓለዋ ዝተዓጀበ እንተነበረ፡ ቢቢሲ ሓዊሱ ንእሽቶ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ነቲ ቤተ-መዘክር ክርእይ ፍሉይ ፍቓድ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ካብቶም ንምርኢት ዝቐርቡ 600 ቅርስታት፡ ክትጽበዮም እትኽእል ዓይነት ናይ ዝሑል ኲናት ሰላዪ መሳርሒታት ይርከብዎም። - መልእኽትታት ክሕብአሉ ዝኽእል 'ምዉት ዝደረቐ ኣንጭዋ'፣ ኣብ ውሽጢ ፓኬት ሽጋራ ዝርከብ ሕቡእ ካሜራ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰላዪ-ካሜራ ዘለዎ ርግቢትን ከምኡ’ውን ተፈንጃሪ መስተዪ ብርጭቆ ይረኣዩ።
ገለ ካብቲ ዝያዳ ፍሉጥን ዋላ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ስርሒታት ሲኣይኤ ኣብቲ ቤተ-መዘክር ምስ ዝርዝር ሓበሬታ ይርከብ።
ኦሳማ ቢንላደን ኣብ ፓኪስታን ዝተረኽበሉ ቀጽሪ ገዛ ብሞዴል ኣብቲ ምርኢት ቀሪቡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኦባማ ነቲ ኣብ 2011 ዝቐተለ መራሒ ኣልቃዒዳ ንምሓዝ ዝተኻየደ ወፍሪ ኣለሻ ቅድሚ ምጽዳቑ ነቲ ሞዴል ክርእይ ተገይሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, CENTRAL INTELLIGENCE AGENCY
"ነገራት ብ3D ክርእይዎ ምግባር ብሓቂ ነቶም ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ሓጊዙዎም እዩ። ከምኡ'ውን ንኦፕሬተራትና ነቲ ተልእኾ ንምውጣን ሓጊዙዎም" ይብል ነቲ ዝተኻየደ ዑደት ዝመርሐ ዳይረክተር ናይቲ ቤተ መዘክር ሮበርት ዜድ ባይር።
ብ30 ሓምለ 2022 ሓደ ናይ ኣሜሪካ ሚሳይል ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ንዝርከብ ካልእ ቀጽሪ ወቒዑ ነይሩ። ኣብተ እዋን ዒላማ ዝነበረ እቲ ሓድሽ መራሒ ኣልቃዒዳ ዝኾነ ኣይማን ኣል-ዛዋሂሪ እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብቲ ቤተ-መዘክር ዝኣተወ ሞዴል ቀጽሪ መንበሪ ገዛ፡ ነቲ ብ1 ሓምለ 2022 ንፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ’ቲ ዝቐረበ ተልእኾ ሓበሬታ ንምሃብን ንምርዳእን ዝተጠቕመሉ የርእይ። ዛዋሂሪ ኣብ ሰገነት (ባልኮኒ) እንከሎ'ዩ ተወቒዑ። እዚ ዝተፈጸመ ድማ ማሕበረሰብ ስለያ ኣሜሪካ ንኣዋርሕ ምንቅስቓሳቱ ከጽንዕ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ።
"እዚ፡ መኮንናት ጸረ-ሽበራ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ናይቲ ዒላማ ብኸመይ ከም ዝተኸታተልዎ ዘመልክት’ዩ" ይብል ባይር።
ኣል-ዛዋሂሪ ኣብ ሰገነት ናይቲ ኣብ ካቡል ዝርከብ ቀጽሪ እንከሎ እዩ ተወቒዑ።

ምንጪ ስእሊ, CENTRAL INTELLIGENCE AGENCY
ቀዳማይ ፍርቂ ናይቲ ቤተ መዘክር ካብ ምምስራት ሲኣይኤ ማለት ኣብ 1947 ክሳብ ዝሑል ኲናት ብቅደም ተኸተል ተሰሪዑ’ሎ። እቲ ኣብ ጸረ-ሽበራ ትኹረት ንምግባር ንጹር መበገሲ ዝኾነ ብ11 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘርእይ ትሕዝቶ’ውን ኣሎ። ነዚ ምርኢት ዝቐረቡ ኣቑሑት ድማ ብገለ ካብቶም ኣዝማዶምን መቕርቦምን በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተልዎም ዝተወፈዩ እዮም።
ነቲ ቤተ-መዘክር ክርእዩ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት ሲኣይኤ ከምኡ እውን ወግዓውያን በጻሕቲ ጥራሕ እዮም። ትሕዝቶታቱ ኣብ ዓወት ጥራይ ዘተኮሩ ኣይኮኑን። ኣብ ኩባ ንፊደል ካስትሮ ንምውዳቕ ዝተፈተነ ተልእኾ ሲኣይኤ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ንዝፈሸለሉ ኩነታት ዝገልፅ ክፋል ኣሎ። ኣብ ዒራቕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር ዘይምርካቡ ዝገልጽ መወከሲታት ኣብቲ ቤተመዘክር ይርከብ።
"እዚ ቤተ መዘክር ንታሪኽ ኢልካ ዝተዳለወ ኣይኮነን። ስርሒታዊ ቤተ መዘክር እዩ። ንሓለፍቲ ሲኣይኤ [ብእኡ ኣቢልና] ነቲ ጽቡቕን ሕማቕን ታሪኽና ክድህስሱ ኢና ንገብር" ይብል ሚስተር ባይር።
"ሓለፍትና ምእንቲ ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሑ ታሪኾም ከም ዝርድኡ ንገብር ኢና። ኣብ መጻኢ ዝሓሽና ንኽንከውን ካብ ዓወታትናን ውድቀትናን ክንመሃር ኣለና" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።
ገለ ካብቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝኾነ መዳያት ስራሕ ሲኣይኤ ግን ውሑድ ኮይኑ እዩ ኣብቲ ቤተመዘክር ዝረኣይ። ንኣብነት ኣብ ኢራን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንምውዳቕ ኣብ 1953 ምስ MI6 ዝገበሮ ሓባራዊ ስርሒትን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስቅያት ጥርጡራት ግብረሽበራ 2001 ዝገበሮ ተሳትፎ ብዝምልከትን ምጥቃስ ይከኣል።
'ከነረጋግጽ ወይ ክንክሕድ ኣይንኽእልን ኢና'

ምንጪ ስእሊ, CENTRAL INTELLIGENCE AGENCY
ካልኣይ ፍርቂ ክፋል ናይቲ ቤተ መዘክር ኣብ ገለ ፍሉያት ስርሓት ብዝርዝር ዘተኮረ እዩ።
"ከነረጋግጽ ወይ ክንክሕድ ኣይንኽእልን ኢና" ዝብል ሓረግ ነቶም ብዛዕባ ትካላት ስለያ ፀባፃባት ዝሰርሑ ፍሉጥ ኮይኑ፡ መበገሲኡ ድማ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅርስታት ብምዕቃብ ብዝርዝር ኣብ ዝቐረበ ዛንታ እቲ ቤተ መዘክር እዩ ዝርከብ።
ኣብ መወዳእታ 1960ታት፡ ሓንቲ ወተሃደራዊ መርከብ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ገለ ክፋል ምድሪቤት ውቅያኖስ ጠፊኣ። ኣሜሪካ እታ መርከብ ዘላትሉ ቦታ ድሕሪ ምፍላጣ፡ ሲኣይኤ ምስ ቢልዮነር ሃዋርድ ሂዩዝ ብምዃን ንስብርባር ናይታ መርከብ - ከምኡ'ውን ኣብታ መርከብ ዝነበረ ቴክኖሎጂ - ንምውፃእ ፈቲኑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቢልዮነር ሂዩዝ፡ ‘ግሎማር ኤክስፕሎረር’ እትበሃል መርከብ ተጠቒሙ ንመሬት ውቅያኖስ ክዓድኖ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ሽፋን ዛንታ’ዩ ተማሂዙ።
እቲ ቤተ መዘክር ሞዴል ሳብማሪን ሶቭየት ከምኡ’ውን ሽፋን ግሎማር ንምሕላው ዝተፈጥሩ ክዳውንቲ፣ ሳጹናትን ቦርሳታት ፖስታን ዝሓዘ እዩ። ምክትል ዳይረክተር ሲኣይኤ ኣብታ መርከብ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ንነብሱ ንምሽፋን ዝለበሶ ዊግ (ፀጉሪ) ከይተረፈ ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።
እቲ ተልእኾ ግን ብኸፊል ጥራይ እዩ ተዓዊቱ፤ ምኽንያቱ እታ ሳብማሪን ገለ ክፋላታ ጥራይ እዩ ተመሊሱ።
"መብዛሕትኡ ኣብታ ሳብማሪን ዝረኸብዎ ክሳብ ሎሚ ኣብ ምድብ ጥቡቕ ምስጢር ይርከብ" ይብል ዳይሬክተር እቲ ቤተመዘክር ባይር።
እቲ ዝተረፈ ክፋል እታ ወተሃደራዊ መርከብ ቅድሚ ምውጽኡ ብፕሮጀክት ኣዞርያን ዝፍለጥ ዝነበረ ዜና ምስ ተዘርግሐ፡ ሰበስልጣን እንታይ ከምዝተፈጸመ "ክነረጋግጽ ወይ ክንክሕድ ኣይንኽእልን" ክብሉ ተነጊርዎም። እዚ ኣባሃህላ ድማ ክሳብ ሎሚ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ይውዕል።

ምንጪ ስእሊ, CENTRAL INTELLIGENCE AGENCY
‘ኣርጎ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃባ ናይ ሓሶት ፊልም ሽፋን ዛንታ ንምህናጽ ዝተጠቐሙሎም ኣቑሑት እውን ኣለዉ። እዚ ድማ ድሕሪ ሰውራ 1979 ኣብ ኢራን ተታሒዞም ዝነበሩ ዲፕሎማሰኛታት ንምድሓን ዘኽእል እዩ ነይሩ። እዚ ጽውጽዋይ ድሒሩ ናብ ፊልም ሆሊዉድ ተቐይሩ።
ናሕሲ ናይቲ ሓድሽ ቤተ መዘክር’ውን ብዝተፈላለየ ዓይነት ኮድ ዝተሓብኡ መልእኽትታት ዝሓዘ እዩ። ገለ ካብቶም ትሕዝቶታት እቲ ቤተመዘክር እውን ብኦናላይን ንምርኢት ክቐርቡ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







