ብስለያ ተጠርጢሮም ብኢራን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ብሪጣንያውያን ተፈቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሪጣንያውያን-ኢራናውያን ናዛኒን ዛጋራ ራትክሊፍን ኣኖሸህ ኣሾሪን ካብ ኢራን ናጻ ምስ ወጽኡ ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ኣትዮም።
ዛግሪ-ራትክሊፍ ናብ ሰብኣያን ጓል ሸውዓተ ዓመት ገብርኤላ ክትምለስ እያ፤ ጓላ ድማ ንወላዲታ ነቲ ሓድሽ መጻወቲኣ ክተርእያ እያ።
ሪቻርድ ራትክሊፍ፡ እምነ መኣዝን ስድራ ቤቱ ናዛኒን ናብ ስድርኣ ትምለስ ብምህላዋ ስድራ ቤቱ ዳግም ከትህነጽን ምፍታሓ መጀመርታ ሓዲሽ ህይወት ከምዝኸውን ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቶም ንናዛኒን ድሕሪ "ሓሙሽተ ዓመት" ክልከላ ናብ ዓባይ-ብሪጣንያ ናብ ስድራኣን ሓዳራን ንክትምለስ ዝሰርሑ ኩሎም ዝምልከቶም ኣመስጊኑ።
ካልእ ሞራድ ጣህባዝ ዝተባህለ ኢራናዊ - እንግሊዛዊ -ኣመሪካዊ ዜግነት ዘለዎ እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣሎ። ይኹን እምበር ገና ካብ ኢራን ንክወጽእ ኣይተፈቕደሉን ዘሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊዝ ትሩስ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ፡ ንሚስ ባግካሪ-ራትክሊፍ፡ ዛግሪ ራትክሊፍ፡ ጣህባዝን ስድራ ቤቶምን፡ ነቲ ጭንቅን ስቓይን ንኽንድዚ ዝኣክል እዋን ምጽዋሮም "ዘደንቕ ቈራጽነት" እዩ ክትብል ገሊጻ። ሚስ ትሩስ፡ ምኒስተራት፡ ታህባዝ ንክፍታሕ ብጽኑዕ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ገሊጻ ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ካብ 1970ታት ንኢራን ዝሃበታ ናይ ኣስታት 400 ሚልዮን ፓውንድ ዕዳ ከምዝሓደገትላን እቲ ገንዘብ ግን ኣብ ሰብኣዊ መዓላ ጥራይ ከምዝውዕልን ሓቢሩ።
ናይ ዛግሪ-ራትክሊፍ ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ሃውስ ኦፍ ኮመንስ ቀሪቡ፡ "ንናዛኒን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እንቋዕ ብደሓን ንገዛኺ መጻእኪ ክብላ እኽእል እየ። ን ገብርኤላ ጓላ ድማ፡ ሎሚ ማማኺ ናይ ብሓቂ ንገዛ ትመጽእ ኣላ ክብላ እደሊ” ኢላ። ከምኡ ክትብል እንከላ ከኣ ሲዲቕ ምስ ገብሪኤላ ጓሉ ኣብ ህዝባዊ ጋለሪ ኰይኑ ይዕዘብ ነበረ።
ራትክሊፍ፡ ሰበይቱ ናጻ ንክትወጽእ ንዝገብሮ ኩለንተናዊ ጻዕሪ፡ "ንሰብኡት ልዑል ቦታ ሂበዮም ኣለኹ” ክብ ኣቢልዎም ኣሎ።
ዛግካሪ-ራትክሊፍ ንመንግስቲ ኢራን ንምዕላው ውዲት ኣሊማ ብዝብል ክሲ፡ ካብ 2016 ኣትሒዛ ኣብ ኢራን ተታሒዛ ጸኒሓ።
አሾሪ እውን ብ2017 ብስለያ ተኸሲሱ እዩ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ - ንሱ ግን ነቲ ክሲ ኣይቅበሎን እዩ።
ራትክሊፍ ንጓሉ ገብርኤላ እናሳለያ፡ ነቶም ጋዜጠኛታት "ንማማኣ" ምስ ረኣዩ እቲ ዜና ናይ ብሓቂ ከም ዝኾነ ከምዝኣምኑ ነጊሩዎም።
ንሱ፡ ንኹሎም እቶም በዓልቲ ቤቱ ንክትፍታሕ ኣብ መላእ ዓለም ላዕልን ታሕትን ዝበሉን ነቲ ዓሚ ጥቅምቲ ዝተገብረ ምሕሳም መግቢ ዝደገፉን ኩሎም ከምዘመስግኖምን ሓቢሩ።
"ብእተወሰነ መዳይ ሕሱም ተመክሮ እኳ እንተ ኣሕለፍና ፡ ለውሃትን ሓልዮትን እውን የጋጥመና እዩ። "እዚ ከኣ ኣብ ህይወትና ሓደ ካብቲ ብዙሕ ምዕራፋት ክኸውን እዩ" ኢሉ።
ኣባላት ፓርላማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃውስ ኦፍ ኮሞንስ ክዛረቡ ድሕሪ ምስማዕ፡ "ንሕክምናዊ ምርመራን ካልእ ጉዳያትን ንምስላጥ ንእተወሰነ መዓልትታት ጽሞና ከድልየና እዩ" ኢሉ።
ናብ ገዝኦም ምስ ተመልሱ፡ ፈለማ በዓልቲ ቤቱ ክትገብሮ ዝደልዮ ነገር፡ " ሻሂና ኣፍሊሕና ኣብ ሶፋ ብሓባር ኮፍ ክንብል ኢና” ድሕሪ ምባል፡ "ዳሕራይ ኣብ ከባቢና ዘወርወር ኢልና ናብ ንቡር ናብራና ክንምለስ ኢና ንጽበ” ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐት ዛግካሪ-ራትክሊፍ ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ፓስፖርት ተዋሂባ።
በዓልቲ ቤት ሸሪ ኢዛዲ፡ ኣሽሮሪ ነቲ ዘጋጠሞ ጸበባ ረሲዑ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ከም ዝቘረጸ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።
ንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ተመልሰ ልዕሊ ኩሉ ንስድራ-ቤቱን ፓይንት ቢራኡን ክሓቁፍ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበዮ ገሊጻ ።
ዛጋሪ ራትክሊፍን ሚስተር ኣሾሪን ካብ ቴህራን ናብ ርእሲ ከተማ ዖማን በሪሮም ኣለው፤ ካብኡ ከኣ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኣትው እዮም።
ብረቡዕ ምሸት ሚስ ሳዲቕ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ናይ መጨረሻ ስጉምቲ እግሪ መገሻ ዛግካሪ-ራትክሊፍ ለጢፋ።
ኣንቶንዮ ዛፑላ፡ ዋና ኣካያዲ እቲ ዛግሃሪ-ራትክሊፍ ከም ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ዝዓየሉ ቶምሰን ሮይተርስ ፋውንደሽን ፡ ናዛሊን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም እተፈትሐት ምስ ሰምዐ፡ ሰራሕተኛታቱ ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ፡ "ናጽነታ ተኸልኪላ፡ ካብ ሰብኣያን ህጻን ጓላን ተፈልያ፡ ከቢድ ሕማም ሓሚማ፡ ንበይና ተኣሲራ አሕሊፋቶ። ኰይኑ ግን ሕጂ ዓለም ብዜናታት ኵናት ኣብ እትናወጸሉ ዘላ እዋን ካብ ማእሰርቲ ምፍታሓ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ ክብል ተዛሪቡ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ዛግካሪ-ራትክሊፍን ኣሽሮሪን ናጻ ወጺኦም ናብ ስድራ ቤቶም ብምምላሶም ንኹሉ "ባህ ዘብል" ከም ዝዀነ ገሊጹ ።
መንግስቲ ኢንግሊዝ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ኢራን ኣብ 1970ታት ንዝነበራ ናይ 1,500 ዝዀና ታንክታት ናይ 393.8 ሚልዮን ፓውንድ ዕዳ፡ ምስ ማእሰርቲ ዛግሪ-ራትክሊፍን ከምዘይተኣሳሰር እኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆሴን ኣሚር-ዓብዶላህያን እቲ ምስራዝ ዕዳ ምስ ምፍታሕ ፡ ዛግሃሪ-ራትክሊፍን ኣኖሸህን ክተኣሰሳሰር የብሉን። ናይዞም ሰባት ምፍታሕ "ሰብኣዊ መሰረት" ዝገበረ እዩ ክብል ሓቢሩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምልቃቕ ናይዞም ናይ ኢራንን ብሪጣንያን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ምስ ምስራዝ እቲ ዕዳ ምትእስሳሩ "ጌጋ" ምዃኑ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







