ኣብ ምፍጣጥ ዝፀንሓ ኣሜሪካን ቻይናን ወተሃደራዊ ርክብ ክጅምራ ተሰማሚዐን

ባይደን (ጸጋም) ምስ ሺ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ኣሜሪካን ቻይናን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ወተሃደራዊ ርክብ ዳግማይ ክጅምራ ከምዝተሰማምዓ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ።

ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ኣብ ካሊፎርንያ ድሕሪ ዘካየዶ ሳሕቲ ርክብ “ናብ ቀጥታዊ፣ ቅኑዕን፣ ንጹር ርክባት ተመሊስና ኣለና” ኢሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት እዮም ብኣካል ተራኺቦም ዝዘራረቡ ዘለው።

ባይደን ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሞንጎኦም ቀጥታዊ መስመር ርክብ ንምምስራት ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፔክ (እስያ - ፓስፊክ) ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጽቡቕ ዝኾነ ርክብ ዘይምህላው "ሓደጋታት ከስዕብ" ከምዝኽእል ብምሕባር ክልቲኦም ፕረዚደንታት "ተሌፎን ብቕጽበት ኣልዒሎም ብቐጥታ ክዘራረቡ" ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ገሊጹ።

ቻይና፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ድሕሪ ምብጽሓ እያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ርክብ ዘቋረጸት። ቻይና ነታ ባዕላ እትመሓደር ታይዋን ከም ግዝኣታ እያ ትርእያ፤ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብሓይሊ ክትጽምብራ ምዃና ትሕብር።

ባይደን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ብዙሕ ዘይምርድዳእ’ኳ እንተሃለወ፡ ሚስተር ሺ ግን "ብቕንዕና ዝተመልአ" ከምዝነበረ ገሊጹ’ሎ። እቲ ዝርርብ ከኣ "ሃናጽን ውጽኢታውን ዘተ ነይሩ" ኢሉ።

እቲ ዝምድናታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ኮይኑ ከምዘሎ ዘመልክት ግን፡ ባይደን ካብቲ መድረኽ ክወጽእ እንከሎ ንሕቶ ጋዜጠኛታት መልሲ ክህብ ከሎ ንመራሒ ቻይና ሺ ከም ውልቀ መላኺ ከም ዝቖጽሮ እዩ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ካብ ናትና ፍጹም ኣብ ዝተፈልየ መልክዕ መንግስቲ ተሞርኪሱ. . .ሃገር ዝመርሕ ሰብ እዩ ካብ ዝብል መበገሲ እወ ውልቀ መላኺ'ዩ" ኢሉ።

ባይደን ኣብ ወርሒ ሰነ ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ቻይና ብሕርቃን ምላሽ ሂቦም ነይሮም። ሽዑ "ኣዝዩ ዕሽነትን ዘይሓላፍነታውን" ክብሉ ገሊጾሞ።

ክልቲኦም ወገናት ወተሃደራዊ ርክባት ዳግም ካብ ምጅማር ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምንጪ ወጥሪ ኣብ ዝኾኑ መዳያት እውን ተወሳኺ ስምምዓት ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እዚኦም ድማ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ዝሞቱ ሰባት ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ዋሕዚ ፈንታኒል [ካብ ሄሮይንን ሞርፊንን ኣዝዩ ዝሓየለ ሓሽሽ] ናብ ኣሜሪካ ንምምካት ስጉምትታት ምውሳድ ዝብል ዘጠቓልሉ እዮም።

ቻይናውያን ኩባንያታት ምንጪ ናይቲ ኣዝዩ ሓደገኛ መዕወኒ ዕጽ ጥራይ ዘይኮናስ ንዕኡ ንምስራሕ ናይ ዝውዕሉ ኬሚካላት እውን ኣቕረብቲ እየን። ባይደን፡ "ዋሕዚ ናይቶም ኬሚካላትን ከኒናታትን ካብ ቻይና ናብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ብዓቢኡ ንምንካይ ስጉምቲ ንወስድ ኣለና" ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ቻይና ነቶም ኬሚካላት ዘፍርዩ ኩባንያታት ብቐጥታ ክትቆጻጸር እያ። ባይደን ነዚ ስምምዕ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህይወት ሰባት ከድሕን'ዩ" ኢሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ እስራኤልን ቓዛን ዘሎ ግጭት ብዝምልከት እውን ዘትዮም’ዮም። ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ባይደን፡ ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘለዋ ጽልዋ ተጠቒማ እታ ሃገር ተንኳዪ ዝኾነ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክትዕቀብ ክትገብር ንሺ ከምዝሓተቶ ሓቢሩ።

ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ብሓባር ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI)) ምርምራት ክገብራ'ውን ተሰማሚዐን። ብዛዕባ ታይዋን ድማ ነዊሕ ዝርርብ ኣካይደን። እዚ ድማ ሚስተር ሺ "ኣብ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን እቲ ዝዓበየን ሓደገኛን ጉዳይ" ምዃኑ ከምዝሓበረ ሓደ በዓልስልጣን ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ዝርርብ

መራሒ ቻይና ሺ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ "ፕላነት መሬት፡ ክልቲአን ሃገራት ዕውታት ክኾና እተኽእል ዓባይ እያ። ዓወት ሓንቲ ሃገር ድማ ነታ ካልእ ዕድል'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ "ምፍጣጥ ግን ንኽልቲኡ ወገናት ዘይጽወር ሳዕቤን ኣለዎ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ብስለያ ዝተጠርጠረት ፍሕኛ ቻይናዊት ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ምስ ተርኣየት ዝምድናታት ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ተበላሽዩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ቤጂንግ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ቻይና ዝበፅሐ ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎ በዓል ስልጣን ዋሽንግተን ነይሩ። ምስ ፕረዚደንት ሺን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቺን ጋንግን ድማ ተራኺቡ።

ብሊንከን ኣብ መዛዘሚ መገሻኡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ገና ዓበይቲ ጉዳያት እኳ እንተሃለዉ፡ "ንቕድሚት ዝሓሸ ርክባትን ዝሓሸ ምቅርራባትን ክህልወን" ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።