ካብ ኣኼባ መራሕቲ ክልተ ሓያላን ሃገራት ዓለም እንታይ ትጽቢት’ሎ?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ክራኸቡ ምዃኖም ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ምምሕዳር ኣሜሪካ ገሊጾም።
እቲ ዕለት 15 ሕዳር ዝካየድ ርክብ ኣብ እዋን ምሕደራ ጆ ባይደን ንኻልኣይ ግዜኦም’ዮም፡ ፊት ንፊት ዝራኸቡ ዘለዉ።
ኲናት እስራኤልን ሓማስን፣ ታይዋን፣ ኲናት ዩክሬንን ምትእትታው ምርጫን ዝኣመሰሉ ርእሰ ጉዳያት ክዝተየሉ ትጽቢታት ከምዘሎ ድማ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሓርፊፉ ጸኒሑ’ሎ።
ኣሜሪካ ንቻይና ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየራ ሰላዪ ባሎን ሰዲዳ ክትብል ከሲሳ። ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ብጥይት ከምዘውደቐታ ዝዝከር’ዩ።
ካብኡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ሽዑ ግዘ ኣፈኛ ባይቶ ኮይና እትሰርሕ ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዳ፡ ቻይና ኣብ መንጎ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ርክብ ክተቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ።
ጆ ባይደን ነቶም ርክባት ንምምላስ "ውፉይ" ከምዝኾነ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም፡ እንተኾነ ቻይና ነዚ ንምግባር "ፍቓደኛ ዘይኮነት" ትመስል።
“ወግዕና ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ወይ’ውን ዓሰርተ ዓመታት ዘቑጸረ ርክባት እንተይኮነስ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልተኤን ሃገራት ዘጋጥም ንሕንሕ ከመይ ኣቢልካ ተመሓድሮን ብዛዕባ ክኽሰት ዝኽእል ጎንጽታት ኣሊኻ ናብ ንቡር ዝምድናታት ምምላስ’ዩ” ክብል ሓደ ካብቶም ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ገሊጹ።
ክልተኣዊ ኣኼባ ባይደንን ሺን ኣብቲ ኣሜሪካ ካብ 11 ክሳብ 17 ሕዳር ኣብ ሳንፍራንሲስኮ እተአንግዶ ዘላ ዋዕላ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኤስያን ፓሲፊክን ክካየድ እዩ።
ቻይና ክትዛተየሎም ኣብ እትደልዮም ኣርእስታት፡ ጉዳይ ታይዋን ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ተኽእሎ ኣሎ። ቻይና ልኡላዊነት ኣብታ ብናይ ገዛእ ርእሳ እትመሓደር ታይዋን ዘይትቕበል ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ እታ ሃገር ኣብ ፈለማ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መረጻ ክተካይድ ትሸባሸብ እያ ዘላ።
ፕረዚደንት ሺ ኣሜሪካ ንናጽነት ታይዋን ከምዘይትድግፍ ተወሳኺ መረጋገጺ ክሓትት ይኽእል እዩ። ባይደን ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ቤጂንግ ኣብ ከባቢ ታይዋን ዘለዋ ስክፍታታት ጎሊሁ ክወጽእ ትጽቢት ከምዝግበር ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ናብ ቻይና ኣብ እትገብሮ ሰደድ ቴክኖሎጂ እገዳታትን ብዛዕባ ግዝኣታዊ ጠለብ ቤጂንግ ኣብ ባሕርታት ደቡብን ምብራቕን ቻይና ዝፍጠር ወጥርን ዘተ ክካየድ እዩ።
ካብዚ ኣብ ንግድን ውድድርን ዝረአ ዘሎ ቀንዲ ዘይምርድዳእ ጎናጎኒ፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘለዋ ጽልዋ ተጠቒማ ንኲናት እስራኤልን ሓማስን ከይተጋድድ ክትሰርሕ ድልየት ኣሜሪካ ዝንጸባረቐሉ ዋዕላ ከምዝኸውን ይግመት።
ተንተንቲ እቲ ዋዕላ ገለ ልኡም ዓወታት ከስዕብ ከምዝኽእል ይግምቱ። እንተኾነ ክልተኦም ወገናት ካብዚ ዋዕላ ብዙሕ ዝተፈለየ ትጽቢታት የብሎምን።
ቻይናውያን ነቲ ኣብ ዝምድናታት ዘሎ ምብስባስ ንኣሜሪካ’ዮም ዝነቕፉዋ። ሚስተር ሺ ኣብ ወርሒ መጋቢት ‘ኣሜሪካ ንቻይና ከቢብካ ናይ ምጭናቕ ስልቲ ትጥቀም’ ከምዘላ ብንጹር ገሊጹ ከምዝነበረ ኣብ ማእከል ስትራተጂካውን ኣህጉራውን መጽናዕትታት ዝሰርሕ ጁድ ብላንቸት ገሊጹ።
ከምኡ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቻይና ዢ ፈንግ ኣብ ቀረባ እዋን ዝምድናታት ንምምሕያሽ ዝውሰዱ ዘለዉ እወንታዊ ስጉምትታት ዝምስገኑ ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ መተኣማመኒ ክህሉ ከምዝግባእ ግና ኣስሚርሉ።
እቲ ኣምባሳደር ኣስዒቡ ቻይና "ኣሜሪካ ስርዓት ቻይና ክትቅይር ከምዘይትደሊ፣ ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከምዘይትደልን፡ ንናጽነት ታይዋን ከምዘይትድግፍን ክትፈልጥ ትደሊ'ያ” ክብል፡ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ኣሜሪካን ቻይናን ተዛሪቡ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ኣህጉራዊ ስርዓታት ዝጥሕስ ምልካዊ ባህርያት ቻይና ንምምካት ይጽዕር ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
ኣሜሪካ ድሕሪ ቅልውላው ባሎን ዝነበረ ወጥሪ ንምቅላል ኣበርቲዓ ዝሰርሐት ኮይና፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓዊሱ ሰለስተ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ናብ ቤጂንግ ሰዲዳ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን ኣብ ወርሒ ለካቲት ክገብሮ ዝሓሰቦ ምብጻሕ ሃንደበት ሰሪዝዎ ነይሩ። ቻይና ነቲ ሰላዪ ዝመስል ባሎን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ክትነፍር ዝወሰደቶ ውሳነ "ቅቡል ዘይኮነን ዘይሓላፍነታውን" እዩ ኢሉ።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዲፕሎማት እታ ሃገር ምስ ቻይናውያን መዛኑኦም "ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝርርብ" ዳግማይ ወተሃደራዊ ዘተ ንምትካል ኣገዳሲ ምዃኑ ከልዕሉ ጸኒሖም'ኳ እንተነበሩ፡ ዝኾነ ዓወት ከምዘይረኸቡ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ምስ ነጋዶ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ ናይ ብሕቲ ድራር እውን ከምዝሳተፍ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን ኣለዋ።
ኣጋይሽ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ከፊሎም ኣብ መኣዲ ፕረዚደንት ቻይና ኮፍ ክብሉ ከምዝኽእሉ ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
ሓደ ካብ ኣዳለውቲ ናይቲ ድራር ዝኾነ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ኮሚቴ ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን፣ ምስ ሓደ "ኣዝዩ ላዕለዋይ" በዓል ስልጣን ቻይና ናይ ድራር እንግዶት ከምዝህሉ’ኳ ንቢቢሲ እንተሓበረ ሺ ጂንፒን ስለምዃኑ ግን ከረጋግጸልና ኣይከኣለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







