ኣብ ከብዲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተረስዐ ክንዲ ብያቲ ዝዓቐኑ መሳርሒ መጥባሕቲ

ነብሰፆር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኦክላንድ ብመጥባሕቲ ዝወለደት ኣደ "ክንዲ ብያቲ ዝኸውን" መሳርሒ ሕክምና ኣብ ከብዳ ተረሲዑ።

‘ኣሌክሲስ ዉንድ ሪትራክተር’ ብዝብል ዝፍለጥ - ክፉት መጥባሕታዊ ቍስሊ ንምውጣር ዝጥቀመሉ ልስሉስ መሳርሒ፡ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ሕርሲ ተኣልዩ’ሎ።

ብኸቢድ ቃንዛ ዝነበሮ እዋናት ዘሕለፈት እታ ሰበይቲ፡ ‘ሲቲ ስካን’ ብምግባር እቲ መሳርሕ ቅድሚ ምርካቡ ብተደጋጋሚ ብሓኻይም ተራእያ ነይራ።

ኣባላት ምክትታል ጥዕና እቲ መንግስታዊ ሆስፒታል፡ ነታ ኣደ ግቡእ ሕክምና ኣብ ምሃብ ፍሽለት ከምዝነበረ ገሊጾም፤ ሰብመዚ ግን ነዚ ይቃወሙ።

ኮሚሽነር ጥዕናን ጉድለት ኣካልን ኒውዚላንድ፡ ሞራግ ማክዶወል ብወገና፡ "እቲ ዝተገበረ ሕክምና ትሕቲ እቲ ዝግባእ ደረጃ ከምዝወረደ ርኡይ እዩ። ምኽንያቱ እቲ መሳርሒ ሕክምና [ሪትራክተር] ኣብ ውሽጣ ከምዘሎ ኣብ እዋን ስሩዕ መጥባሕታዊ መርመራታት ኣይተለለየን። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ከብዲ እታ ሰበይቲ ተሪፉ" ትብል።

ወሲኻ "እቶም ኣብዚ መጥባሕቲ ዝተሳተፉ ሰብሞያ እቲ ሪትራክተር ብኸመይ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ክርሳዕ ከምዝኸኣለ ወይ'ውን ቅድሚ ምዕጻዉ ንምንታይ ከምዘይተለለየ ዘረድእ መብርሂ የብሎምን" ትብል።

‘ኣሌክሲስ ዉንድ ሪትራክተር’ ካብ ፕላስቲክ ዝተዳለወን ዕብይ ዝበለን ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ቀለበት ዝተዘርግሐ እዩ። ኣብ ‘ሲ-ሴክሽን’ [C-section] ማለት ብመጥባሕቲ ዝፍፀም ወሊድ ድማ ዝተኸፈተ ማህጸን ምስ ተዓጽወን ቆርበት ቅድሚ ምስፋይን ክእለ ይግበር።

ገራዲ-ብርሃን ወይ "non radio-opaque" ዝበሃል ዓይነት ኣቕሓ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ራጂ ስካን ክረአ ኣይከኣለን።

‘ኣሌክሲስ ዉንድ ሪትራክተር’

ምንጪ ስእሊ, APPLIED MEDICAL

ኣብ ሆስፒታል ከተማ ኦክላንድ ነታ ሰበይቲ ዝከታተል ዝነበረ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝጥቀመሉ ዝነበሩ ‘ኣሌክሲስ ዉንድ ሪትራክተር’ ብኻልእ ዓብዪ ከምዝተክኦ ዝተገለጸ ኰይኑ፤ ነቲ ዝተተክአ ካልኣይ ሪትራክተር ድማ እዩ ኣብ ከብዲ እታ ሰበይቲ ረሲዕዎ።

ኣብቲ ሆስፒታል መሳርሒ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ሰባት ክርሳዕ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንኻልኣይ ግዜኡ ምዃኑ ይግለፅ።

እታ ሰበይቲ፡ እቲ መሳርሒ ክሳብ ዝወፅእ ኣብ ቃንዛ ከምዝፀንሐት ዝሓበረት ኮሚሽነር ማክዶወል “ኣብ ጥዕናኣን ሂወታን ከምኡ'ውን ኣብ ስድራቤታ ዘሕደሮ ጽልዋ ብዝምልከት ንእተልዕሎም ቅርታታት ቅቡል እየ ዝገብሮም" ትብል።

ህንፃ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

እታ ኣብ 20ታት ዕድመ እትርከብ ውልቀሰብ ኣብ 2020 ድሕሪ ምሕራሳ ኣብ ዝነበሩ 18 ኣዋርሕ ብዙሕ ግዜ ናብ ሓኪም ከይዳ ነይራ። ብሰንኪ እቲ ቃንዛ ድማ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ናይቲ ሆስፒታል ከይተረፈ ከይዳ።

ሽዑ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ወሊድ እታ ነብሰጾር ካብ ዝነበሩ ሰብ ሞያ፡ ሓኪም መጥባሕቲ፡ ኣርባዕተ ነርስ፡ ክልተ ሓካይም መደንዘዚ፡ ክልተ ቴክኒሻናት መደንዘዚን ሓንቲ መዋልዳንን ይርከብዎም።