'ናይ ሞት ሪጋ ንጽበ ኣለና' ተሓከምቲ ድያሊሲስ ትግራይ

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዝርከቡ ናይ ተሓከምቲ ዓራት

ምንጪ ስእሊ, SM

ቅድሚ ኵናት ትግራይ ልዕሊ 100 ኣባላት ተሓከምቲ ድያልስስ ዝነበሮ ማሕበር ኩላሊት ተሓከምቲ ድያሊሲስ ትግራይ፡ 85 ኣባላቱ ከም ዝሞቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቦ መንበር ማሕበር ሕሙማን ኩላሊት ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም ኣባዲ፡ ካብ ምጅማር እቲ ደማዊ ኵናት ክሳብ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ዝበዝሑ ኣባላቶም ብሰንኪ ሕፅረት ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን ከም ዝሞቱ ኣፍሊጡ።

“ካብ ጥቅምቲ 24 ንደሓር፡ ብዝተፈጠረ ዕፅዋን ክባን ልዕሊ 85 ዝኾኑ ኣባላት ሞይቶምና። ጥቅምቲ 24 2015 ውዕል ፕሪቶርያ ተፈሪሙ ሰላም ኮይኑ ካብ ዝበሃል’ኳስ ኣርባዕተ ኣባላት ሞይቶምና’ዮም። ጠቕላላ ልዕሊ 80 ኣባላት እዮም ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ዕፅዋን ክባን ሞይቶምና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ብሕታዊ ሕክምና ድያሊስስ ዝህብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ጥራሕ ኮይኑ፡ እቲ ሆስፒታል ብሰንኪ ሕጽረት ኣፋውስን መሳርሒ ናውቲ ሕክምናን ብሙሉእ ዓቕሙ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዘይኸኣለ ኣፍሊጡ እዩ።

ማሕበር ሕሙማን ኩላሊት ትግራይ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝመፅኡ ተሓከምቲ ዘለውዎ እዩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትግራይ፣ ከተማታት ሽረ፣ መኾኒ፣ ማይጨው፣ ፋፂ፣ ኣክሱም፣ ዓድዋን ካልኦትን ዝመፅኡ ተሓከምቲ ኣባላት እዚ ማሕበር ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ናብ ዝርከብ ማእኸል ድያሊሲስ ብምምፃእ ክትትል ሕክምና ክገብሩ ከም ዝፀንሑ ኣቦወንበር እቲ ማሕበር ይገልፅ።

እንተኾነ፡ ኵናት ምስ ተወልዐ ተሓከምቲ ናብቲ ማእኸል ክመጽኡ ከም ዘይከኣሉን፡ ስእነት ኣፋውስ ቀንዲ ምኽንያት ሞት እዞም 85 ሰባት ከም ዝኾነን ሓቢሩ።

“እቶም ከባብታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝተፈላለዩ ሓይልታት ስለዝወዓሉን መጓዓዝያ ስለዝተቛረፀን ንሕክምና ክመፅኡ ኣይከኣሉን። ኵናት ምስ ተወልዐ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ፡ ኣብ ወረዳታት ዝነበሩ ኣባላትና ዳርጋ ኩሎም ኢና ስኢንናዮም። ምኽንያቱ ድያሊሲስ እንከይገበርካ ንብዙሕ ግዘ ክትፀንሕ ስለዘይትኽእል፤ ስለዚ ሞት እዩ ዕጨኦም ኮይኑ፡ ተፈልዮምና” ኢሉ።

'እናተሳቐኹን ኣብ ሞት በጺሐ እናተመለስኩን…..”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ካብ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ተሓከምትን ዝተወሰነ ኣፋውስ ኣምፂኦም ከምዝነበሩ ይገልጽ።

እንተኾነ፡ ሓይልታት ትግራይ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባብታት ተመሊሶም ምስ ሓዝዎ ብመንግስቲ ፌደራል ብዝተነበረ ሙሉእ ዕፅዋን ክባን ግና መድሓኒታት ዝርከበሉ ዕድል ከምዝቀሃመ እቲ ኣቦወንበር ኣመልኪቱ።

ነዚ ስዒቡ ዝበዝሑ ኣባላት እዚ ማሕበር “መድሓኒት ስኢኖም፡ ናብ ገዝኦም እናተመለሱ ሞይቶም፣ ገሊኦም እውን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር እናተሳቐዩ እዮም ሞይቶምና”ብምባል፡ እቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ንርእሱ እውን ሕክምና ድያሊሲስ ዝገብር ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ሃፍቶም ኣባዲ፡ ነዚ ሂወት ብዙሓት ኣባላት እቲ ማሕበር ዝቐዘፈ ኣጋጣሚ እንተረድእ ንሱ“ ኣብ ጫፍ ሞት በፂሑ ዝተመለሰሉ” ህሞት ከም ዝነበረ ይዛረብ።

“ናይ ሞት ሪጋ ኢና ንፅበይ ዘለና። ኣነ ከም ውልቀይ ካብ ኣዲስ ኣበባ መሐለውታ ኢለ ሒዘዮ ዝመጻእኹ ንሓደ እዋን ተጠቒምካ እትድርብዮ ‘ድያላይዘር’ ሸሞንተ ግዘ ሓፂበ ተጠቒመሉ። ካብ ሞት ምፅናሕ ስለ ዝሓይሽ እናተሳቐኹን ኣብ ሞት በፂሐ እናተመለስኩን” ይብል።

ከም ዕድል ዝተወሰኑ ሰባት ብሂወት ከም ዝተረፉ ዝሕብር ኣይተ ሃፍቶም፡ ብዙሓት ግና መድሓኒትን ድያሊሲስ ዝገብርሉ ናውቲ ሕክምና ብምስኣን ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ብሂወት ዝርከቡ ግዳያት እቲ ሕማም’ውን ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ዝገልፅ እቲ ኣቦወንበር፡ ነቲ ሕክምና ዝህብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ቀረብ ከም ዘይብሉን ብወለንተኝነት መድሓኒት ከቕርበሎም ዝኽእል ዋላ ሓደ ትካል ከም ዘየለን ሓቢሩ።

ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ክሳብ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ከም ዘፍለጡ ዝሕብር ኣይተ ሃፍቶም፡ ክሳብ ሕዚ ግን ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ገሊፁ።

“ብውልቀና ካብ ኣዲስኣበባ ካብ ዘለዉ ትካላት በይዛኹም ኢልና እናገዛእና ኢና ንሕፀብ። እተን ዘምፃእናየን እውን እናሓፀብና ኢና ደጊምና ንጥቀም ዘለና። ሆስፒታል ዓይደር ሰራሕተኛታትን መሽንን ዋላ’ኳ እንተሃለዎ መድሓኒታት ግና ከቕርበልና ኣይከኣለን። እቲ ናይ ድያሊሲስ መሳርሒ ኣብ ደገ’ውን ብዙሕ ኣይርከብን” ኢሉ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ግዳያት ሕማም ኵላሊት ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ኣብ ከቢድ ጭንቀት ከም ዝርከቡ ገሊፁ።

“ብውልቆም በብመዓልቱ መድሓኒት ገዚኦም ክጥቀሙ ኣይኽእሉን። ብዙሓት ዝምገብዎ ምግቢ ‘ይትረፈኒ’ እናበሉ’ዮም ድያሊሲስ ዝገብሩ። ሓደ ሰብ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ድያሊሲስ ይገብር። እቲ መድሓኒት ብዓይደር እንተቐሪቡልና ንሓደ ግዘ 2100 ብር እዩ፤ ኣብ ሰሙን ድማ 4200 ብር። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካልእ ተወሳኺ መድሓኒታት ኣሎ።

ሕብረተሰብ ‘ናተይ ናይ ሞት ተራ’ኸ መዓዝ’ዩ?’ እናበለ ኣብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይን ከቢድ ፀገምን እዩ ዝርከብ” ብምባል፡ ዝበዝሕ ሰብ እዚ ወፃእታት ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝኾኖ እቲ ክትትል ሕክምና ከቋርፅ ከም ዝተገደደ ሓቢሩ።

ናይ ካልኦት ክልላት ተሞክሮ ከም ኣብነት ዘልዐለ ኣቦወንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ሃፍቶም፡ ኣብ ትግራይ ተሓከምቲ ሙሉእ ወፃእታት ሕክምና ድያሊሲስ ክኸፍሉ ኣብ ክንዲ ምግባር እቲ ናይ ድያሊሲስ ማእኸል ብዝግባእ ድጐማ ክግበረሉን ግቡእ ኣቕርቦት ክቐርበሉን ተማሕፂኑ።