እስራኤል ንመላእ ዶብ ቓዛ ከም ዝተቘጻጸረት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ኣብ ዶብ ቓዛን ግብጽን ብ’ኮሪደር ፊላደልፊ’ ዝፍለጥ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናጻ ዞባ ከም ዝተቘጻጸረ ብምግላጽ፡ እዚ ማለት ሕጂ ንመላእ ዶብ ቓዛ ምቍጽጻር ከም ዝዀነ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሓማስ ናብ ቓዛ ኣጽዋር ንምስግጋር ዝጥቀመሎም ኣስታት 20 ጋለሪያታት ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ከም ዝተረኽቡ ተዛሪቡ።
ተሌቪዥን ግብጺ ነዚ ዝነጽጕ ምንጪታት ብምጥቃስ ጸብጻባት ክትዝርግሕ እንከላ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ራፋ እትገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒት ንምምኽናይ ትፍትን ከም ዘላ ገሊጻ።
እዚ ምዕባለታት፡ እቲ ምስ ግብጺ ዘሎ ምትፍናን እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን'ዩ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳኒኤል ሃጋሪ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲታት፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ኮሪደር ፊላደልፊ፡ ኣብ ዶብ ግብጽን ራፋሕን ስርሒታዊ ምቍጽጻር ኣካይዶም ኣለው” ኢሉ።
ንሱ ነቲ መተሓላለፊ፡ “መስመር ህይወት” ሓማስ ክብል ክገልጹ እንከሎ፡ እቲ ጒጅለ በዚ መተሓላለፊ ኣቢሉ “ብቐጻሊ ኣጽዋር ናብ ወሽመጥ ቓዛ የእቱ ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ።
ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ጋለሪያታት “ይምርምሩ . . . ከምኡ'ውን ንኸይሰርሑ” ይገብሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ ድሒሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኵሎም እቶም ጋለሪያታት ናብ ግብጺ ዘሰጋግሩ ብዛዕባ ምዃኖም ርግጸኛ ክኸውን ከም ዘይክእል ገሊጹ ክብል ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ።
ኮሪደር ፊላደልፊ ናጻ ዞባ ኰይኑ፡ ብኸፊል ኣስታት 100 ሜትሮ ጥራይ ስፍሓት ኣለዎ፤ እዚ ድማ ብሸነኽ ቓዛ ናይቲ 13 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶብ ምስ ግብጺ ይማቐል፤ ካልእ መሬታዊ ዶብ ቓዛ ምስ እስራኤል ጥራይ’ዩ ዘሎ።
ግብጺ ኣቐዲማ፡ ስግረ-ዶባዊ ጋለሪያታት ከም ዘዕነወትን፡ ዝዀነ ይዅን ምስግጋር ኣጽዋር ከም ዘይከኣልን ገሊጻ ነይራ።
ኣል-ቓሂራ ኒውስ ዝጠቐሶ “ላዕለዋይ” ምንጪ ግብጺ፡ እስራኤል “ነዚ ክስታት ተጠቒማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ራፋሕ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ንምቕጻልን ነቲ ኲናት ንፖለቲካዊ ዕላማታት ንምንዋሕን መመኽነይታ” ትገብር ኣላ ክብል ከሲሱ።
እስራኤል ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተፈጸመ “ተራእዩ ዘይፈልጥ” ዝበለቶ መጥቃዕቲ ሓማስ ዘንቀሎ ኲናት ዓወት ንምምዝጋብ ንራፋሕ ክቈጻጸር ኣለኒ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዋ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ መላእ ቓዛ ብውሕዱ 36 ሽሕን 170 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦም ሓበሬታታት የመልክቱ።
ሓይልታት እስራኤል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ብወገን ቓዛን ዘሎ መሳገሪ ከባቢ ራፋ ካብ ዝቈጻጸርዎ ንደሓር ኣብ መንጐ ግብጽን እስራኤልን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ መጺኡ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣብ ከባቢ ራፋሕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዶብ፡ ሰራዊት ግብጽን እስራኤልን ዘሳተፈ ክስተት ከጋጥም እንከሎ፡ ሓደ ወተሃደር ግብጺ ተቐቲሉ።
ግብጺ ሓያል ደጋፊት ፍልስጤማውያን ብምዃና፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ንዘላ ወተሃደራዊ ጐስጓስን ኣብቲ ኲናት ብእስራኤል ዝተፈጸመ ቅትለት ኣሽሓት ሲቪላውያንን ትዅንኖ።
ግብጺ ልክዕ ከም እስራኤል ኣብ 2006 ሓማስ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ኣብ ዶብ ቓዛ ዕጽዋ ገይራ ጸኒሓ እያ።
ሓማስ ጨንፈር ናይቲ ኣብ ግብጺ ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ተኣጊዱ ዘሎ ሙስሊም ብራዘርሁድ እዩ።
ግብጺ ግን ምስ ሓማስ እትራኸበሉ መገዲታት ክፉት ብምግባር፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን እቲ ጕጅለን ኣብ ዝግበር ቀጥታዊ ዘይኰነ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባልን ምፍታሕ ብሓማስ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያንን ከም መንጐኛ ኰይና ክትሰርሕ ጸኒሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







