እስራኤል፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብዝቐጸለ ናዕቢ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ

ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, @IL_police

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተፈጥረ ሓድሽ ግጭት ኤርትራውያን ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለን ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰብመዚ ፖሊስ ሓቢሮም።

ምስቲ ኣብ ከተማ ተል-ኣቪቭ ዝሓደረ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ተቐቲሉ ዘሎ ሰብ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ነቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ ጎደና ሃጋና ዝተወልዐ ናዕቢ ንምህዳእ ሓይልታት ጸጥታን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ደገፍን ከምዝተዋፈሩ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ገሊጾም።

ኣብቲ ናዕቢ ዝተሳተፉ ሰባት ኣእማን ይድራበዩ ከምዝነበሩን፡ ኣባትርን በላሕቲ ነገራት ዝሓዙ ከምዝነበሮም'ውን እቲ ጸብጻብ ይጥቅስ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሓደ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዝተቐተለ ይዝከር። ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ገለ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ መዓልቲ ካልእ ኤርትራዊ ብኸቢድ ተሃሪሙ ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ምንባሩ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።

እቲ ህይወት መንእሰያት ዝቐዝፍ ዘሎ ሓድሕዳዊ ረጽሚ ኣብታ ከተማ ንኤርትራውያን ከቢድ ስግኣትን ፍርሕን ፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንሰብመዚ እተን ዝርከቡለን ሃገራት ዓቢ ጸጥታዊ ብድሆ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ገለ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ደገፍቲ መንግስቲን ዝርአ ናዕቢ ኣብ ሃገራዊ ጽንብላት ኤርትራ'ኳ ዘጋጥም እንተኾነ እዚ ናይ እስራኤል ግን ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

በቲ ኩነታት ዝተሻቐለ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ኤርትራውያን ጎነጽ ደው ከብሉ ጸዊዑ’ሎ።

“ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘጋጥም ጎንጺ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ነቶም ብቐጥታ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሎም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታትን ሐተትቲ ዑቕባን ዝጸሉ’ዩ”።

ኣባላት ኩሎም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኤርትራውያን ጎነጽ ሕግን ስነስርዓትን እታ ኣዕቊባቶም ዘላ ሃገር ከኽብሩ ጨንፈር ናይቲ ትካል ኣብ እስራኤል ጸዊዑ'ሎ።

“ኩሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ሃዲኦም ጎነጽ ደው ብምባል፡ ዘለዎም ፍልልያት ብሰለማዊ ኣገባብ ክፈትሑ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ይምሕጸን” ይብል እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝወጸ መግለጺ።