ብሪጣንያ፡ ጉድኣት ዘውረደ ሓድሽ ግጭት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ሸፊልድ

ምንጪ ስእሊ, Oli Constable/BBC
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ደቡብ ዮርክሻየር ከተማ ሸፊልድ ድሕሪ’ቲ ብቀዳም ኣብ ጐደናታት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ሰፊሕ ባእስን ዕግርግርን፡ ብገበናት ዓመጽን ሕንፍሽፍሽ ምፍጣርን ዝተጠርጠሩ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ፍጻመ ብቀዳም 25 ግንቦት 2024 ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 2፡25 ኣቢሉ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ደቡብ ዮርክሻየር ገሊጹ።
በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ 22 ሰባት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ ካብዚኦም እቶም 10 ብኸቢድ ከም ዝቘሰሉን ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ብርክት ዝበሉ ኣጽዋራት፡ ኣብቲ ዕግርግር ኣገልጊሎም ክዀኑ ይኽእሉ ኢሉ ከም ዝኣመን ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ’ሎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ዝተወሰነ ጕጅለ ንኽልተ ኣብ ጐደና ዉድቦርን ወዲቘም ዝነበሩ ግዳያት ክሃርሙ እንከለዉ የርኢ።
ፖሊስ፡ “ብተደጋጋሚ ዓመጽ ዝመልኦ ገበናት” ብዝብል ጥርጣረ 25 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተውን መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎን እዩ ገሊጹ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Oli Constable/BBC
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፤ ኣመሪካ፡ ካናዳ፤ እስራኤልን ካልእን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝውደብ ፈስቲቫላትን ጽንብላትን ደማዊ ባእስን ዕግርግርን ክርአ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣብዚ፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ ቅንያት ድማ ተመሳሳሊ ኵነታት ከየጋጥም ኣብ ገለ ከተማታት ውጥረት ሰፊኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እዚ ኣብ ሸፊልድ ዘጋጠመ ኵነታት እውን ካብኡ ዝፍለ ከም ዘይኰነ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት ይወጽኡ'ኳ እንተለዉ ቢቢሲ ግን ዛጊት ኣየረጋገጾን።

ምንጪ ስእሊ, Oli Constable/BBC
በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ባእሲ ሓበሬታ ዝበጽሖ ክፍሊ ኣገልግሎት ድሕነት ኣብቲ ቦታ ብህጹጽ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።
ፖሊስ፡ ክልተ ካብቶም ዝተሃረሙ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዘለዉ እውን ሓቢሩ።
ኣብቲ ቦታ ተዋፊሩ መርመራ ዘካይድ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ፡ ነቲ ጐደናታት ዓጽዩ ዕቱብ ተፍትሽ የካየድ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ መስመር ትራም ገበን ዝተፈጸመሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝተገመተ ኣጽዋር ከም ዝረኸቡ ኣባላት መርመራ ገበን ሓቢሮም።
ብዘይካ’ዚ ኣባላት መርመራ ገበን ነቲ ቦታ ንምፍታሽን ሲሲቲቪ ዝሰነዶ ኣሳእል ኣኪቦም መርመራታቶም ይቕጽሉ መራሒ እቲ ጕጅለ መርመራ ሳይሞን ዋንለስ ገሊጹ።
ንሱ፡ “ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታትን ኣብቲ ከባቢ ጽዑቕ ህላወ ፖሊስ ክትዕዘቡ ኢኹም። ዝዀ ሰብ ዝዀነ ስክፍታ ወይ ሕቶ እንተሃልይዎ በጃኹም ደው ኢልኩም ንመኮንናትና ኣዘራርቡም፣ ንዓኹም ንምሕጋዝ እዮም ኣብኡ ተዋፊሮም ዘለዉ” ክብል ህዝቢ ክተሓባበር ተማሕጺኑ።
ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ዝምልከት መሰኻኽር፡ ወይ ድማ ንምርመራ ፖሊስ ሓገዝቲ ሓበሬታ ወይ ቪድዮ ዘለዎም ሰባት ድማ ምስ ፖሊስ ከተሓባበሩ ጻውዒት ቀሪቡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







