ኣብ ቱርኪ ዳግም ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሰባት ብፍርስራስ ተደብዮም

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ሃታይ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ቱርኪ ዳግም ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት: ድሮ ኣስታት ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ዝተደብዩ ሰባት ክእልሹ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ።

እቲ ናይ መጀመርታ 6.4 እቲ ካልኣይ ድማ 5.8 ሬክታር ስኬል ዝዕቀኑ ኰይኖም፡ ኣብ ሰሜን ምብራቕ (ዶብ ቱርክን ሶርያን) እዩ ኣጋጢሙ።

ክልቲአን ሃገራት በቲ ብ6 ለካቲት 2023 ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ተሃስየን ምጽንሐን ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ኣብዘን ሃገራት 44 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ቤት ኣልባ ኰይኖም እዮም።

በቲ ትማሊ ዘጋጠመ ክልተ ምንቅጥቃጥ መሬት ድማ ዳግም ህንጻታት ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

ኤጀንሲ ሓደጋን ህጹጽ ረድኤትን ቱርኪ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ 6.4 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 20፡04 (17፡04 GMT) ከም ዘጋጠመን፡ ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ድማ እቲ 5.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ።

ኣብ ከባቢታት ኣንታክያ፣ ዲፍነን ሳማንዳግን ድማ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ብምግላጽ ሰባት ሓደገኛ ናብ ዝዀኑ ህንጻታት ከይኣትው ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣተሓሳሲቡ።

በዚ ሓድሽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 213 ሰባት ከም ዝቈሰሉ’ውን ገሊጹ።

ካብ ከተማ ኣንታክያ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ኣምቡላንሳትን ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወትን መናድቕ ናይቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ህንጻታት ኣብ ዝፈረሰሉ ዝኸፍአ ዝተሃስዩ ከባቢታት ክበጽሑ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን፡ ኣብ ጎደናታት ፍርሕን ስንባደን ከም ዝነበረ የመልክቱ።

ነባሪት እቲ ከባቢ ሙና ኣል ዑመር ንወዲ 7 ዓመት ወዳ ሒዛ እናበኸየት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ "ምድሪ ትግማዕ ዘላ መሲሉኒ” ኢላ።

እቲ ሓድሽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ መዘናግዒ እያ ነይራ።

ወዲ 18 ዓመት ዓሊ ማዝሉም ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዳሕረዋይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሬሳ ኣባላት ስድርኡ ክደሊ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።

"እንታይ ከም እትገብር ኣይትፈልጥን ኢኻ . . . ንሓድሕድና ተተሓሒዝና ልክዕ ኣብ ቅድሜና እቲ መናድቕ ክወድቕ ጀሚሩ" ኢሉ።

ኣብ ሶርያ፡ ድሕሪ’ቲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣስታት 470 ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ከም ዝኸዱ ይንገር።

እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ግብጽን ሊባኖስን’ውን ከም ዝተሰምዐ ጸብጻባት የመልክቱ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ቱርኪ 6.4 ሬክታር ስኬል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም እንከሎ ሰባት ርዒዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ትማሊ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ቱርኪ 6.4 ሬክታር ስኬል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም እንከሎ ሰባት ርዒዶም