ቻይና ካብ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ተፈልያ ንወራር ሩስያ ካብ ምኹናን ተቖጢባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተራት ናይተን ኣብ ዓለም ብቑጠባ ዝሃብተማ ሃገራት ኣብ ህንዲ ክዝትዩ ቀንዮም።
እቶም ሚኒስተራት ዘተኦም ምስዛዘሙ ኣብ መወዳእታ ሓደ ዓይነት መግለጺ ቅዋም ዕላዊ ክገብሩ ይሸባሸቡ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ቻይና ጠንጠነለይ ኢላ።
ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ሩስያ ንጎረቤታ ዩክረይን ወሪራ ዝብል’ዩ። ቻይና ነቲ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣጥቢቑ ዝኹንን መርገጺ ኣይፍርምን ክትብል ኣፍሊጣ።
ሩስያ ብወገና፡ ጉጅለ 20 ‘‘ጸረ ሩስያ’’ ዝኾና ሃገራት ምዕራብ ዘጣየሸኦ ጥምረት ከምዝኾነ እያ አትገልጽ፡፡
ቻይና ነቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ዓመቱ ዝገበረ ኵናት ዩክረይን መግትኢ ይኸውን’ዩ ዝበለቶ ሓሳብ’ኳ ዕላዊ እንተገበረት ገለ ገለ ግን ንሩስያ ዘዳለወ ሓሳብ’ዩ ይብሉ።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣኼባኦም ኣብ ህንዲ ከተማ ቤንጋሉሩ ዘካየዱ ኮይኖም ኣብ ጉዳይ ዩክረይንን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ እገዳን ብዘይ ስምምዕ ተፈላልዮም።
ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ከምዝሕብሮ ብዛዕባ ኵናት ዩክረይን ካብ ሃገራት ሩስያን ቻይናን ወጻእ ኲለን ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ስምምዕ በጺሔን።
ቻይና ኣብ ጉዳይ ኵናት ዩክረይን ብዙሕ ክትዛረብ ኣይትስማዕን ነይራ። ካብ ቀረባ ግዜ ንድሓር ግን ስራሕቲ ዲፕሎማሲኣ ኣሐይላ ቀጺላቶ ኣላ።
ምኩር ቻይናዊ ዲፕሎማት ኣብ ኤውሮፓ ምብጻሕ ከካይድ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ ኮይኑ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ’ዩ።
ቻይና ኣብዚ ሰሙን: ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንምግታእ ይጠቅም’ዩ ኢላ ኣብ ዝዘርግሐቶ መፍትሒ ሓሳብ ክልተኤን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ዶብ ከኽብራ ጸዊዓ።
እንተኾነ ግን ኣብቲ 12 ነጥብታት ዝሓዘ መፍትሒ ሓሳብ፤ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ዩክረይን ትስሓብ ወይ’ውን ‘ሩስያ ወራር ምክያዳ ልክዕ ኣይኮነን’ ዝብሉ ሓሳባት የብሉን።
ሩስያ ንውጥን ሰላም ቻይና ብጽቡቕ ዓይኒ’ኳ ዝረኣየቶ እንተኾነት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ግን “ፕረዚደንት ፑቲን ዝነኣዶ ውጥን ከመይ ኣቢሉ ጽቡቕ ውጥን ይኸውን?” ዝብል ሓሳብ ሂቡ።
ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ዘተኦም ምስዛዘሙ ህንዳዊ በዓል ስልጣን ነበር ኣጃይ ሴዝ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።
ንሱ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ንሩስያን ቻይናን ዝወከሉ ሰባት “ናትና ስራሕ ቁጠባውን ገንዘባውን ጉዳያት ዝምልከት’ዩ” ድሕሪ ምባል ነቲ መግለጺ ቅዋም ኣይንፍርምን ከምዝበሉ ሓቢሩ።
“እንተኾነ ግን እተን 18 ሃገራት እዚ ኵናት ኣብ ቁጠባ ዓለም ሃስያ ኣለዎ’ዩ ብዝብል ነቲ መግለጺ ቅዋም ደጊፈንኦ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ 17 ዓንቀጻት ዝሓዘ መግለጺ ቅዋም ካብ ኵናት ዩክረይን ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፣ ፖሊሲ ዓለም ለኻዊ ግብርን ምርግጋጽ ውሕስና መግብን ዝዳህሰሰ’ዩ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፤ “ስራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ብናይ ምዕራባውያን ኣጀንዳ ዝተቓነየ ስለዝኾነ ኣንጻር ሩስያ መርገጺ ምሓዙ” ዘሐዝን’ዩ ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ኣስዒቡ ንኣሜሪካ፣ ሕብረት ኤውⶂጳን ጉጅለ ሃገራት 7ን ድሕሪ ምንቃፉ እዘን ሃገራት’ውን “ብርእዩ ጽልዋ ይሓድረን’ሎ” ክብል ገሊጹ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ጀርመን ክርስትያን ሊንደር “እዚ ኵናት ብሩስያን ፑቲንን’ዩ ተጀሚሩ። እዚ ኣብዚ ኣኼባ ብግልጺ ክዝረበሉ ኣለዎ” ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኵናት ድሕሪ ምእዋጃ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ሓበራዊ መግለጺ ቅዋም ከውጽኡ ኣይከኣሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሳለጠ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት: ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ’ያ ዝብል መርገጺ ኣንጸባሪቑ። ነዚ መርገጺ 141 ሃገራት ዝደገፍኦ ኮይነን 32 ሃገራት ድማ ድምጸን ዓቂበን። ንሩስያ ሓዊስካ 7 ሃገራት ድማ ንመርገጺ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊመን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







