ደቂ ሰባት ንምንታይ ኢና ንምራኽ ዝተዳለወ ጸባ ንሰቲ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸባ ጡብ ኣደ ማለት፡ ሓንቲ ሓራስ ንዝወለደቶ ዕሸል እተዳልዎ ተፈጥሮኣዊ መግቢ እዩ። እታ ኣደ፡ ነዚ ጸባ ብቐጥታ ንውላዳ ክትምግብ ትኽእል'ያ።
ኣብዚ እዋን ድማ ኣደታት ጸባ ጡበን ሓሊበን ብምቕማጥ ብፍላይ ኣብ ዘየለዋሉ እዋን ዕሸላተን ጸባ ጡበን ክምገቡ ዝኽእልሉ ኣገባብ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ።
እሞ እዚ ተሓሊቡ ንዕሸል ዝተቐመጠ ጸባ ጡብ ኣደ ስተዩ እንተትበሃሉ ምስተኹም’ዶ?
መብዛሕትኹም ብዘስካሕክሕ መንገዲ ‘ኣይፋልን’ ኢልኩም ከምእትምልሱ ኣየጠራጥርን።
ይዅን’ምበር ብዙሓት ሰባት ዝፈትውዎ ጸባ እንስሳታት’ውን ብተመሳሳሊ ተፈጥሮኣዊ መንገዲ ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣየካትዕን።
እሞ ደኣ ደቂ ሰባት ክንበሃል ከም ላሕሚ፡ ጤል ዝኣመሰላ ጥሪት ንምራዅተን ዘዳለዋኦ ወላ’ውን ካልኦት እንስሳታት ደቀን ዝምግባሉ ጸባ ካብ ጡበን ሓሊብና ምስታይና ደኣ ኣዝዩ ዘገርም ዶ ኣይኰነን?
ጸባ ተፈታዊ'ኳ እንተዀነ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ መስተ ግን ኣይኰነን። ኣብዚ እዋን፡ ከም ጸባ ፋጆሊ ወይ ጸባ ኦቾሎኒ (ፉል) ዝኣመሰሉ ኣማራጺ “ጸባታት” ተፈተውቲ እናዀኑ ይመጹ ኣለዉ።
እዞም ኣማራጺታት መብዛሕትኡ ግዜ ንቪጋን (ፍርያት እንስሳት ዘይምገቡ) ከምኡ’ውን ቍጥዐ ጸባ ንዘለዎም ሰባት ዝምችኡ እናዀኑ ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተፈታውነት ኣማራጺ ጸባ ምብራኹ ግን ካብቲ ወዲ ሰብ ምስ ጸባ እንስሳታት ዘለዎ ርክብ ድሒሩ ዝመጸ ለውጢ’ዩ።
ኣብቲ ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባትን ጸባ እንስሳታትን ዘሎ ምትእስሳር፡ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ተራእዮም እዮም።
ደቂ ሰባት ናይ 300,000 ዓመት ታሪኽ ከምዘለዎም ይእመን። ምስዚ ክነጻጸር እንከሎ ግን ጸባ ምስታይ ኣዝዩ ድሒሩ ዝተጀመረ ልምዲ እዩ።
ቅድሚ ኣስታት 10,000 ዓመት ጸባ ዝሰቲ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡ እውን ኣብ ሳሕቲ ኣጋጣሚታት ጥራይ’ዩ ዝስተ ነይሩ።
እቶም ብስሩዕ ጸባ ክሰትዩ ዝጀመሩ ቀዳሞት ሰባት፡ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝነበሩ ሓረስቶትን ጓሶትን ኰይኖም፡ ገለ ካብኣቶም ምስ ላሕሚ ሓዊሱ ምስ እንስሳታት ሓቢሮም ዝነብሩ እዮም።
ኣብዚ እዋን ግን ጸባ ምስታይ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ተለሚዱ ኣሎ።
መግቢ ህጻናት
ጸባ እንስሳ ምስታይ ዘይልሙድ ዝዀነሉ ስነ-ህይወታዊ ምኽንያት ነይሩ።
ጸባ፡ ካብቲ ኣብ ፍረታትን ካልእ ምቁር መግብታትን ዝርከብ ሽኮር ዝተፈልየ ላክቶስ ዝበሃል ዓይነት ሽኮር ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ዕሸል ዕድመና፡ ኣካላትና ኣብ ጸባ ኣደና ዝርከብ ላክቶስ ንምሕቃቕ ዘኽእለና ላክቴዝ ዝበሃል ፍሉይ ኢንዛይም የዳሉ። ይዅን’ምብር እዚ ኣብ ንእስነት ጡብ ድሕሪ ምግዳፍ ኣብ ብዙሓት ሰባት ይቋረጽ እዩ። ብዘይ ላክቴዝ ድማ ኣብ ጸባ ዘሎ ላክቶስ ብግቡእ ክነሐቅቕ ኣይንኽእልን ኢና።
ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ዓቢ ሰብ ብዙሕ ጸባ እንተሰቲዩ መንፋሕቲ፡ ቃንዛ ዘለዎ ቅርጸት ዋላ’ውን ውጽኣት ከጋጥሞ ይኽእል።
ስለዚ እቶም ቀዳሞት ጸባ ዝሰትዩ ዝነበሩ ኣውሮጳውያን ብዙሕ ይፈስዉ ከምዝነበሩ ምግማት ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪኡ ግን ፍልቀት ኢዳ ኣእትያ፤ ኣብ ገለ ሰባት እቲ ላክቴዝ ዝተበሃለ ኢንዛይም ኣብ ብጽሕነቶም’ውን ንጡፍ ክኸውን ጀሚሩ። እዚ ድማ ብዘይ ጐድናዊ ሳዕቤን ጸባ ክሰትዩ ኣኽኢልዎም። እቲ “ተጻዋርነት ላክተዝ” ውጽኢት ናይቲ ኣብ ንጥፈታት ጂን ላክቴዝ ዝቈጻጸር ክፋል ዲኤንኤ ዝተፈጠረ ምትዕርራይ እዩ።
“ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣውሮጳ ተጻዋርነት ላክቴዝ ዝተረኣየ ኣስታት 5,000 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ደቡባዊ ኤውሮጳ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ቅድሚ ኣስታት 3,000 ዓመት ክብርኽ ጀሚሩ” ትብል ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሎረ ሰጉረል ኣብቲ ካብ ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ቤተ መዘክር ወዲ ሰብ።
ንሳ፡ ኣብ 2017 ብዛዕባ ሳይንስ ተጻዋርነት ላክቴዝ ዝምልከት ገምጋም ሓባራዊት ጸሓፊት እያ።
እቲ ባህሪ ተጻዋርነት ላክቴዝ ብፍልቀት ቅቡል ኰይኑ ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ህዝቢ ዓለምና ኣዝዩ ልሙድ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ሰባት ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘማዕበሉ እዮም። ኣብ ውሑዳት ህዝቢ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እውን ተመሳሳሊ’ዩ።
ግን ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘየማዕበሉ ብዙሕ ህዝቢ እውን ኣሎ፤ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን እዚ ባህሪ የብሎምን። ኣብ ኤስያን ደቡብ ኣሜሪካን እውን ዘይተለምደ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዚ ኵነታት ትርጕም ምሃብ ኣጸጋሚ’ዩ ትብል ሴጉረል። ጸባ ምስታይ ከምኡ’ውን ተጻዋርነት ላክቴዝን ስለምንታይ ጽቡቕ ነገር ከምዝዀነ ብልክዕ ከምዘይፍለጥ ትጠቅስ።
“ንምንታይ’ዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ሓያል ረብሓ ሃልይዎ?”
ነዚ ርኡይ ዝዀነ መልሲ ኣለዎ። ጸባ ምስታይ ንሰባት ሓድሽ ምንጪ መኣዛታት ስለዝሃቦምን ሓደጋ ጥምየት ክንኪ ስለዝገበረን እዩ።
ኣድቂቕና ምስ እንምርምሮ ግን እዚ መልሲ ሚዛን ኣይደፍእን።
“ብዙሕ ዝተፈላለየ ምንጪ መግቢ ኣሎ። ስለዚ ሓደ ምንጪ መግቢ ካብ ካልኦት ዓይነታት መግቢ ኣዝዩ ብዝተፈልየ ኣገባብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘገርም’ዩ” ትብል እታ ፕሮፌሰር።
ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘይብሎም ሰባት ሕጂ’ውን ሕማቕ ሳዕቤን ከየጋጠሞም ዝተወሰነ መጠን ላክቶስ ክምገቡ ይኽእሉ እዮም፣ ስለዚ ውሑድ ጸባ ምስታይ ጸገም የብሉን።
ጸባ ናብ ርግኦ፡ ጠስሚ፡ ክሬም ወይ ፎርማጆ ናይ ምምስራሕ ኣማራጺ እውን ኣሎ። እዚ ኵሉ መስርሕ ድማ መጠን ላክቶስ ክንኪ ዘኽእል’ዮ።
ከም ቸዳር ዝኣመሰሉ ተሪርቲ ፎርማጆታት ካብ ጸባ ብዝተሓተ 10 ሚእታዊት ላክቶስ እዩ ዘለዎም። ኣብ ጠስሚ ዘሎ ላክቶስ’ውን ብተመሳሳሊ ትሑት እዩ።
ሴጉረል፡ “ሓፊስ ክሬምን ጠስሚን ውሑድ ላክቶስ ኣለዎም” ትብል።
ደቂ ሰባት፡ ልዑል ደረጃ ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘማዕበለሉን ዘይማዕበለሉን ቅዲ ከምዘሎ ፕሮፌሰር ጀነቲክስ ዳላስ ስዋሎ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን ይገልጽ።
እቶም ልዑል ደረጃ ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘማዕበሉ ሰባት ጥሪት ዘዕብዩ ጓሶት እዮም። ጥሪት ዘይነበሮም ሃደንቲ ግን ምስዚ ባህሪ ከይተራኸቡ’ዮም ጸኒሖም። ኣብ ሕርሻ ተኽሊ ዝነጥፉ፡ ግን ከኣ ጥሪት ዘይዕቅቡ “ኣትኽልተኛታት ጫካ” እውን ነቲ ባህሪ ቀልጢፎም ኣየማዕበሉን።
ስለዚ ጸባ እንስሳታት ዘይረኸቡ ዝነበሩ ሰባት ምስ ምስታይ ጸባ ንኽላመዱ ዓቢ ፍልቀታዊ ጸቕጢ ኣየጋጠሞምን ዝብል ሓሳብ ትርጕም ዝህብ’ዩ።
እቲ ሕቶ ግን እዚ እዩ፤ ገለ ጓሶት ነቲ ባህሪ ከማዕብሉ እንከለዉ ካልኦት ሰባት ግን እቲ ተጻዋርነት ዘየጥረይሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ረብሓታት ፍርያት ጸባ
ጸባ ምስታይ ብዘይካ እቲ ዘለዎ መኣዛዊ ዋጋ ካልኦት ረብሓታት ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ሰጉረል፡ ጸባ ምስታይ ብዘይካ እቲ ዘለዎ መኣዛዊ ዋጋ ካልእ ረብሓታት ክህልዎ ከምዝኽእል ትግምት።
ጥሪት ዘለዎም ሰባት ኣብ ጥሪቶም ንዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ እዮም። ጸባ ላሕሚ ምስታይ ንገለ ካብቶም ረኽስታት ዝኸውን ጸረ-ኣካላት ክህብ ይኽእል። ብርግጽ ጸባ ዘለዎ ውጽኢታዊ ዓቐሚ ምክልኻል ሓደ ካብቶም ረብሓታት ጡብ ኣደ ምዃኑ’ዩ ይሕሰብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጻዋርነት ላክቴዝ ምምዕባል ዘተባብዑ ሓያሎ ረቛሒታት ነይሮም ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።
ጸባ ዘለዎ መኣዛዊ ረብሓታት ቀንዲ ረቛሒ ክኸውን ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ጀነቲክስ ዝዀነ ስዋሎ ይግምት። ጸባ፡ ብከም ስብሒ፡ ፕሮቲን፡ ሽኮርን ከምኡ’ውን ብከም ካልሲየምን ቪታሚን ዲን ዝኣመሰሉ ንጥረ መኣዛታት ዝሃብተመ’ዩ።
ብተወሳኺ ምንጪ ጽሩይ ማይ እውን እዩ። ስለዚ ሰባት ከከምቲ ዝነብሩሉ ቦታን ሕብረተሰብን፡ ብሓደ ምኽንያት ይዅን ብኻልእ ተጻዋርነት ጸባ ኣማዕቢሎም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ፍርያት ጸባ የንቆልቁል ዶ ኣሎ?
ሒደት ዘይበሃሉ ሰባት ጸባ ምስታይ ይገድፉ ከምዘለዉ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተዘርግሑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ንኣብነት ኣብ ሕዳር 2018፡ ዘ ጋርድያን “ከመይ ገይርና ካብ ፍቕሪ ጸባ ወጺእና” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዛንታ ኣሕቲሙ ነይሩ። እቲ ዛንታ፡ ሰባት ንባህላዊ ጸባ ዘለዎም ፍቕሪ ከምዝነከዩን ኣብ ክንድኡ ናብቶም ካብ ሰዓዕን ፉልን ዝዳለዉ ዓይነታት ጸባ እናዘንበሉ ከምዝርከቡን የመልክት።
ብኻልእ ሸነኽ ኣሃዛት ካልእ ታሪኽ እዮም ዝነግሩ። ብመሰረት ኣብ 2018 ዝወጸ ጸብጻብ መርበብ ምርምር ጸባ፡ ዓለማዊ ምህርቲ ጸባ ካብ 1998 ጀሚሩ ዓመት ዓመት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ድማ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ’ዩ ዘመልክት።
ኣብ 2017 ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ፍርያት ጸባ 864 ሚልዮን ቶን እዩ። እዚ ገለ ናይ ምንካይ ምልክት ዘርኢ ኣይኰነን። መርበብ ምርምር ጸባ እውን፡ ክሳዕ 2030 ጠለብ ጸባ ብ35 ሚእታዊት ከምዝብርኽን ፍርያት ድማ 1,168 ሚልዮን ቶን ከምዝበጽሕን ይግምት።
እዚ ኣሃዝ’ውን እንተዀነ ዝያዳ ንገለ ከባቢታት ዝምልከት’ዩ። ኣብ 2010 ኣብ ሃልኪ መግቢ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ሃልኪ ጸባ ነክዩ'ሎ።
እዚ ምንካይ ግን ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኤስያ እናወሰኸ ብዝኸይድ ዝነበረ ጠለብ ዝተኸሓሰ እዩ ነይሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ 2015 ኣብ 187 ሃገራት ኣብ ልምዲ መስተ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ምስታይ ጸባ ኣብ ኣረጋውያን ዝያዳ ከምዝረአ፡ ኣብ መንእሰያት ግን ተፈታዊነቱ ትሑት ከምዝዀነን ይሕብር።
እዚ ግን መንእሰያት ከም ርግኦ ዝኣመሰሉ ፍርያት ጸባ ምጥቃሞም ብዝምልከት ዘሎ ኣሃዝ ዝገልጽ ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተዀነ ግን ኣማራጺ ጸባታት፡ እንተወሓደ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብቲ ኣብ ዓለምና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሸውሃት ጸባ ብዙሕ ብድሆ ዘስዕቡ ኣይመስሉን።
ኣማራጺ ጸባታት “ተመሳሳሊ መተካእታ” ጸባ እንስሳታት ከምዘይኰኑ ክኢላታት ይገልጹ። ብፍላይ ድማ መብዛሕትኦም ተመሳሳሊ ዓይነታት ንጥረ መኣዛታት የብሎምን። ቪጋን ብዝብል ዝግለጹን (ፍርያት እንስሳ ዘይምገቡ) ቑጥዐ ጸባ ዘለዎምን ሰባት ዝያዳ ጠቐምቲ ኣማራጺ ጸባታት እዮም።
ብፍላይ እቲ ዝበዝሕ ዕብየት ጠለብ ጸባ፡ መብዛሕትኦም ተጻዋርነት ላክቴዝ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ኤስያ ምዃኑ ዘገርም’ዩ። እዞም ሰባት ኣብ ጸባ ዝረኣይዎ ረብሓታት ብዘየገድስ፡ ካብቲ ክህሉ ዝኽእል ጸገማት ምሕቃቕ መግቢ ኣብሊጾም ከምዝረኣይዎ ዘመልክት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት፡ ዋላ’ውን ጸባ ላሕሚ እንተዘየለ ወይ ዝተለምደ እንተዘይኰይኑ፡ ጸባ ዘለዎ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ዝያዳ ካብ ዘይተለምዱ እንስሳታት ከይተተረፈ ጸባ ንኽሰትዩ እናተባብዐ ይርከብ።
ካብዚ ሓሊፉ’ውን፡ ዓበይቲ መጽናዕቲታት፡ ጥዕናና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕን ኣብ ከባቢና ዘለና ጽልዋ ንኽንክይን ዝተዳለወ “ኣመጋግባ ጥዕና ፕላነታት” ክንክተል ይላበዉ።
እዚ ኣመጋግባ ቀይሕ ስጋን ካልእ ፍርያት እንስሳን ምምጋብ ኣዝዩ ምንካይን ኣብ መዓልቲ ሓደ ብርጭቆ ጸባ ምስታይን ዘጠቓልል እዩ።
ስለዚ ተፈታውነት ጸባ፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ኣይመስልን። ዋላ’ውን ኣካላትና መብዛሕትኡ ግዜ ንጸባ ዝህቦ ግብረ መልሲ ምምዕባል ደው እንተበለ፡ ጸባ ግን ሕጂ’ውን እንተዀነ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ተፈታዊ መስተ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







