ፊፋ ‘ሳልት ቤይ’ ናብ ሜዳ ኣትዩ ንዋንጫ ዓለም ዝሓዘሉ ኣጋጣሚ ይምርምር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, BAE
ፊፋ፡ ኣብ ፍፃመ ፀዋታ ናይቲ ኣብ ቀጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ እቲ ‘ሳልት ቤይ’ ብዝብል ዝፍለጥ ስሙይ ከሻኒ (ሼፍ)ን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባትን ብኸመይ ናብ ሜዳ "ዘይግቡእ መእተዊ" ከምዝረኸቡ ከፃርይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ሳልት ቤይ ብዝብል ዝፍለጥ ቱርካዊ ሼፍ ኑስረት ጎክቸ፡ ተጻወትቲ ኣርጀንቲና ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዘመዝገብዎ ዓወት ኣብ ዝጽንብልሉ እዋን፡ ንዋንጫ ዓለም ሒዙን ክስዕምን ተሳኢሉ’ሎ።
ሕጊ ፊፋ ከም ዝሕብሮ፡ እታ ዋንጫ ብተዓወትቲ ውድድር፣ ሰበስልጣን ፊፋን መራሕቲ ሃገራትን ሓዊሱ ብ "ኣዝዮም ምሩጻት" ጉጅለ ሰባት ጥራይ እያ ክትተሓዝ ትኽእል።
ወሃቢ ቃል ፊፋ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ፊፋ ብድሕሪ’ቲ ብ18 ታሕሳስ ኣብ ስታድየም ሉሳይል ዝተኻየደ መዕጸዊ ስነ-ስርዓት፡ ውልቀሰባት ብኸመይ ናብ ሜዳ ዘይግቡእ መእተዊ ረኺቦም ዝብል መረዳእታታት ክውድብ ፀኒሑ’ሎ" ኢሉ።
"እቲ ዝግባእ ውሽጣዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ" ክብል እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሳልት ቤይ ብርክት ዝበሉ ጨንፈር እንዳ ጥብሲ ስጋ ብዕራይ፡ ስጋ ናይ ምድላውን ምቕማምን ሜላኡ ኣብ ኢንተርነት ፍሉጥ እናኾነ ምሰከደ ድማ ኣብ 2017 ናብ ዝና ደይቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓል ሜሲ፣ ክርስትያኖ ሮናልዶን ዴቪድ ቤክሃምን ዝርከብዎም ብዙሓት ናይ ሎምን ናይ ቀደምን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣብያተ መግቢ ሳልት ቤይ ተመጊቦም እዮም።
እዚ ስሙይ ከሻኒ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ሓቚፉ ዘርኢ ቪድዮ ጠቂዑ ምንባሩ ይዝከር።
ድሒሩ ድማ ምስ ህቡባት ገዳይም ብራዚላውያን ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ሮናልዶ፣ ሮበርቶ ካርሎስን ካፉን ኣብ ናይ ‘ቪኣይፒ’ (ኣዝዮም ምሩፃት ዕዱማት) መንበር ኮይኑ ተሳኢሉ።
ድሕሪ ዓወት ኣርጀንቲና ኣብ ዝነበረ ጽዑቕ ትርኢታት፡ እቲ ሼፍ ኣቓልቦ ሜሲ ክረክብ እንተፈተነ’ኳ እቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ግን ሸለል ክብሎ'ዩ ተራእዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







