ሮሞዳን፡ ጥዕና ቆርበት ብኸመይ ይሕሎ? ባህላዊ ፍርያት ምጥቃም ከ ክልኩል ድዩ?

ዶክተር ሙኒብ ሻህ ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ቲክቶክ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, DR MUNEEB SHAH

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሙኒብ ሻህ ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣብ ቲክቶክ ኣለዎ

ሮሞዳን፡ ወርሒ ስጋዊ መስዋእትን መንፈሳዊ ንስሓን እዩ። ኣብዚ ወርሒ፡ ውፉያት ኣስላም ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ካብ ምብላዕን ምስታይን ይቝጠቡ።

ወርሒ ሮሞዳን ምልክት ተወፋይነት፡ ኣስተንትኖን ስነ-ስርዓትን እዩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ጾም፡ ብዛዕባ ጭንቀትን መከራን ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጥሜትን ድኽነትን ዝነብሩ ሰባት ርድኢት ይህብ።

ይዅን እምበር እኹል ማይ ዘይምስታይ፡ ምዝባዕ ድቃስን ድኹም ኣመጋግባን ንኣካላትናን ቆርበትናን ክጸልዎ ይኽእል።

ሓኪም ቆርበት ዶክተር ሙኒብ ሻህ፡ ሰባት ኣብዛ ቅድስቲ ወርሒ ቆርበቶም ዝያዳ ክከናኸኑ ኣብ ቲክቶክ የተባብዕ ኣሎ።

"ክዓቢ ከለኹ ብዙሓት ዝጾሙ ደቡብ ኤስያውያንን ኣስላምን ኣዕሩኽን ኣይነበረንን" ክብል ንቢቢሲ ኤስያን ኔትወርክ ተዛሪቡ።

"ሓደ ካብቶም ረብሓታት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ዓለም ኣብ ዝዀነ ቦታ ብዘየገድስ ነዚ ተመኵሮታት ዘካፍሉ ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።"

ዶክተር ሻህ ንፈለማ እዋን ኣብ ቲክቶክ ክሳተፍ ዝጀመረ ኣብ 2020 እዩ፤ ሕጂ ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቲክቶክ ዝበዝሐ ሰዓብቲ ዘለዎ ሓኪም ቆርበት’ውን እዩ።

ዕላማኡ፡ ኣብ ዙርያ ክንክን ቆርበት ዘሎ ጽውጽዋያት ንምፍሻልን እዚ ወርሒ ኣብ ገለ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል እወታዊ ጽልዋ ንምጕላሕን እዩ።

"ብዙሓት ከም ሶርያሲስን ፈጸጋን ዝኣመሰሉ ኵነታት ክንክን ቆርበት ኵሎም ኵነታት ነድሪ እዮም፡ ገለ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ ድማ ከም ሶርያሲስ ዝኣመሰሉ ኵነታት፡ ብሓቂ ኣብቶም ኣብ እዋን ሮሞዳን ዝጸሙ ሰባት ይንኪ" ይብል።

ስለዚ ዶክተር ሻህ ኣብ ሮሞዳን ቆርበትና ንምሕብሓብ ዝህቦም ብሉጻት ምኽርታት እንታይ እዮም?

ማይ ምስታይ፡ ምስታይ፡ ምስታይ

ሓደ ካብቶም ጸወምቲ ዝዀነ ዶክተር ሻህ፡ ኣብ እዋን ጾም፡ ቆርበትና ብቐሊሉ ጠሊ ክስእንን ክነቅጽን ስለ ዝኽእል፡ ሰባት ዝያዳ ማይ ዝህቡ ፍርያት ክጥቀሙ ይምዕድ።

"ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ምጽላይን ድሕሪ ጸሎት ገጽካ ምሕጻብን ንገለ ሰባት ጠንቂ ምንቃጽ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።

"ገጽና ምስ ተሓጸብና፡ ጠሊ ከም ዘለዎ ክነረጋግጽ ኣለና፣ እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ’ዩ፡ እንተዘይኰይኑ መከላኸሊ ቆርበትና ክቝጣዕ ይኽእል'ዩ።"

መኣዛዊ ኣመጋግባ ምዕቃብ

"ገለ ሰባት፡ ኣብ ሮሞዳን ኣመጋግባ ብዓቢኡ ስለዝቕየር ኵነታት ቆርበት ይገድድ’ዩ ክብሉ ይኽእሉ" ይብል እቲ ዶክተር።

ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉን ቅድሚ ምብራቓን ብዙሕ ምብላዕ፡ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ውሱን ዝብላዓሉ ግዜ፡ መኣዛ ዘለዎም ጕጅለታት መግቢ ዘይምርካብ፡ ኣብ ቆርበትና ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።

ዶክተር ሻህ፡ ሰባት ብዘስተማቕርዎ መግቢ ጾሞም ክስዕሩ [ከፍጥሩ] የተባብዕ፤ እንተዀነ ምዕሩይነት ኣመጋግባ ቁልፊ ምዃኑ ይኣምን።

"ዝተጠብሱ መግቢታት ምስ ፈጸጋ ዝዀነ ርክብ የብሎምን፤ ዝዀነ ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ምብላዕ ግን ንቆርበት ክጸልዎ ይኽእል'ዩ።"

"ጾመይ ክስዕር እንከለኹ ብዙሕ ዝተጠብሰ መግቢ ክበልዕ እፈቱ፡ ንቆርበተይ ዝጸሉ ኣይመስለንን ካልኦት ሰባት ግን ንቆርበቶም ከም ዝጸልዎ ከስተብህሉ ይኽእሉ እዮም።

ነገራት ክተሓላለኽ ዘይምግባር

ኣብ ሮሞዳን፡ ኣመጋግባን ድቃስን ብዓቢኡ ይቕየር’ዩ። ስለዚ ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ ልምዲ ክንክን ቆርበቶም ክቕይሩ ወይ ከመሓይሹ ይኽእሉ።

ዶክተር ሻህ ግን ሕጂ ውን ኣብ ጾም ንቡር ፍርያት ክንጥቀም እንኽእል ይዛረብ።

"ኣብ እንጾመሉ እዋን ባህላዊ ፍርያት ክንክን ቆርበት ክንጥቀም ኣይንኽእልን ዝብል ልሙድ ግጉይ ኣረኣእያ ኣሎ" ይብል።

እንተዀነ፡ "ኣብ እንጾመሉ እዋን ጠሊ ዝፈጥሩን መከላኸሊ ጸሓይ ክሬማትን ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም ኢለ እሓስብ።"

ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ልሙድ ጽሬት ክንክተል ንኽእል ኢና። ቀትሪ፡ ምጽራይ፡ ምሕጻብን ናይ ጸሓይ ክሬም ምጥቃምን የጠቓልል። ለይቲ ድማ ምጽራይ፡ ረቲኖል (ኣብ ቀጠልያን ብጫን ኣሕምልቲ ዝርከብ ብጫ ውህደት) ምልካይን መሊስካ ምሕጻብን ይመክር።

ፋራህ ፌሬሮ፡ ኣብ ሮሞዳን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ፍርያት ክንክን ቆርበት ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታት ኣሎ ይብል

ምንጪ ስእሊ, FARAH FERRERO

መግለጺ ስእሊ, ፋራህ ፌሬሮ፡ ኣብ ሮሞዳን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ፍርያት ክንክን ቆርበት ብዙሕ ግጉይ ኣረኣእያታት ኣሎ ይብል

ልክዕ ከም ዶክተር ሻህ፡ ፋራ ፌሬሮ ዝተበሃለት ፈጣሪት ትሕዝቶ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኻ ተጠቒማ ብዛዕባ ኣብ እዋን ሮሞዳን ዘድሊ ክንክን ቆርበት ንሰዓብታ እናማሃረት ትርከብ።

እዛ ኣብ ሌስተር እትነብር 29 ዕድመኣ መንእሰይ፡ ኣብዛ ቅድስቲ ወርሒ እንታይ ዓይነት ፍርያት ክንክን ቆርበት ክንጥቀም ከም እንኽእልን ከም ዘይንኽእልን ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርገሐ ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታ ከምዘሎ ትኣምን።

"ገለ ሰባት ኣብ ሮሞዳን ኣልኮላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ፍርያት ካብ ምጥቃም ይቝጠቡ" ትብል።

ኣልኮል ዘለዎም ፍርያት "ከም ኣስላማይ መጠን ኣይሰትዮን ዘለኹ፣ ዘስክር'ውን ኣይኮነን፡ ስለዚ ኣብ ቆርበተይ ጥራይ ምጥቃም ሕማቕ ኣይኰነን'ዩ።"

ፋራ፡ ኣብ ሮሞዳን ዝያዳ ቆርበትና ክነጽሪ እውን ትመክር።

"ዝያዳ ምጽራይ፡ መጀመርታ ኣብ ዘይቲ ዝተመርኮሰ መጽረዪ ተጠቒምና ኣብ ቆርበትና ዘሎ መመላኽዒ ምእላይ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ውሽጢ መንፊት ቆረበት ዘሎ ብዕምቆት ንምእላይ እንደገና ምጽራይ ዘጠቓልል'ዩ።"

ፋራ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሮሞዳን ግሉጽነት መሰረታዊ ምዃኑ ብምእማን፡ ጕዕዞ ክንክን ቆርበታ ምስ ሰዓብታ ተካፍል ኣላ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ክሰንፍ ከለኹ፡ መንጽሂ ይጥቀም'የ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ንቆርበት ብሓቂ ጽቡቕ ኣይኰነን ዝብሉ ኣሉታዊ ርእይቶታት ይመጸኒ'ዩ።"

"ግን፡ ነዊሕ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምስ ኣሕለፍኩ፡ ገዛ መጺአ መግቢ ኣዳልየ። ዝቐለለ ነገራት ጥራይ ክገብር እየ ዝደሊ፡ እዚ ድማ ጸገም የብሉን" ትብል።