ካብ ዕግርግር ዘምለጡ ኣማኢት ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዕቝቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቆልዑት ሃይታውያን ካብቲ ህይወት ኣማኢት ዝበልዐ ናዕቢ ኣምሊጦም ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት ኤዩ ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዘዕቖቡ ተገሊጹ።
ካብ እግሪ ተኽሊ ክሳብ ሰገናት ዝርከብዎም ህጻናት ኣብቲ መምሃሪ ክፍልታት ውሩይ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሎይስ ዲ ጎንዛጕ ደቂሶም ይረኣዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 7 ኣብ ከተማ ሲቴ ሶለይል ኣብ መንጎ ክልተ ተነሓናሕቲ ሸፋቱ ጉጅለታት ሓያል ናዕብን ዕግርግርን ተላዒሉ።
ብሰንኪ እቲ ናዕብን ህውከትን ኣስታት 300 ሰባት ከምዝሞቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።
ሮይተርስ ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝሓበሮ እቶም ቆልዑት ሕብሕቢኢተይን ካልኦት ዓይነት ጸወታታት ክጻወቱ ተራእዮም።
ካብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ወጻእ ናዕብን ህውከትን ይቅጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እቶም ተመዛበልቲ ቆልዑት ዝተፈላለዩ ዓይነት ጸወታታት ይጻወቱ ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ ፈላሲት ሲስተር ሮዝሚለን ግን እቶም ህጻናት ብዙሕ ሓገዝ ከምዘደልዮም ተዛሪባ።
“እቲ ዝመጽእሉ ከባቢ ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዘሎ። ሓገዝ መግቢ ክመጽኣልና ኢና ንጽበ ዘለና፤ እንተኾነ ግን እንረኽቦ ዘለና ድጋፍ ኣዕጋቢ ኣይኮነን” ዝበለት ሲስተር ሮዝሚለን ነቶም ቆልዑት ናብ ካልእ ቦታ ንምግዓዝ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ወዳቢ ማሕበረሰብ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ቆልዑት ካብቲ ህውከት ንምህዳም ንመራሕቲ እቲ ናዕቢ ከእምንዎም መእንታ ናይ ቤት ትምህርቲ ዲቢዛ ተኸዲኖም ናብ ትምህርቶም ይኸዱ ከምዘለዉ ተመሲሎም ከምዝድሓኑ ሓቢሩ።
መብዛሕቲኦም እቶም ቆልዑት ወለዶም ካብቲ ኵናት ክሃድሙ ብዘይምኽኣሎም ብዘይ ናባይ ንብሕቶም ከምዝርከቡ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ‘ጂ9’ ን ‘ጂፐፕ’ ዝተብሃሉ ናይ ሸፋቱ ጉጅለታት ዝተፈጠረ እምባጓሮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 7 ዝተጀመረ ኮይኑ ባእሶም እቲ ከባቢ መን ተቖጻጸረ ንምርግጋጽ’ዩ።
ብሰንኪ እቲ እምባጓሮ ዛጊድ ብውሕዱ 300 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካብዚኣቶም እቶም 21 ብሓዊ ከምዝተቓጸሉን ናይ 16 ሰባት ከኣ ሃለዋቶም ከምዘየለ ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድእ።
እቶም ናዕበኛታት መንበሪ ኣባይቲ ንምቅጻል ዓበይቲ ማሽነሪታት ከምዝተጠቐሙን 125 ገዛውቲ ከምዘዕነዉን ተፈሊጡ።
እቲ ኩነታት እንዳመጸጸ ምስከደ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሃይቲ መሸጣ ንኣሽቱ መሳርሒ ኵናት ክእገድ ብምሉእ ድምጺ ምዉሳኑ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ሃይቲ ዋሕዲ ነዳድን ኤሌክትሪክን ዘስዓቦ ተቛውሞታት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝነበረ ጆቬኔል ሞይሴ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕሱባት ካብ ዝቕተል ንድሓር ኣብ ሃይቲ ብጉጅለታት ሸፋቱ ዝካየዱ ናዕብታት ተበራኺቶም።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ 540 ሰባት ከምዝተጨወዩን 780 ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







