ሕቡራት ሃገራት መሸጣ ንኣሽቱ መሳርሒ ኵናት ከይፍጸም ኣድሚጹ

ኣብ ቀረባ ግዜ ተቓወምቲ ጎማታት ከቃጽሉ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ብከቢድ ናዕብታት ዝተጠቕዐት ሃይቲ መሸጣ ኣጽዋር ኵናት ከይግበር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

 እቲ ዝጸደቐ ኣዋጅ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃይቲ ንኣሽቱ ብረትን ተተኮስትን ንኸይሸጣ ዝእግድ’ዩ።

 እንተኾነ ግን መሸጣ መሳርሒ ኵናት ብምልኣት ንኽእገድ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ብቻይና ተነጺጉ’ዩ።

 ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማ ፖርት ኡዩ ፕሪንስ ጥራይ 89 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።

ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

 እቲ ብሃገራት ሜክሲኮን ኣመሪካን ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ትማሊ ዓርቢ’ዩ ጸዲቑ።

 እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ መራሕቲ ሃይትን ተጋሰስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ጉዕዞ ክልከላን ምድስካል ሃብተ ገነትን ዝሓውሰ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ፖለቲካ ሃይቲ ንኽከታተል ዝተጣየሸ ልኡኽ ድማ ሓላፍነቱ ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ወሲኑ።

 ፕረዚደንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ብዕሱባት ካብ ዝቕተል ንድሓር ኣብ ዘሎ ዓመት እታ ሃገር ብመዕገርገርቲ ናዕበኛታት ተሓሚሳ ትርከብ።

 ኣብ ሕሉፍ ቀረባ ውሑዳት ዓመታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ጎማታት ብምቅጻልን ጽርግያታት ብምዕጻውን ቀረብ ነዳዲ ናብ ንቡር ንኽምለስ ጠሊቦም።

 ቀንዲ መሰጋገሪ ነዳዲ ናይታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ከቢድ ናዕቢ ስርሑ ከወንዝፍ ተገዲዱ’ዩ።

 እቲ ማዕኸን ነዳዲ ኣብ ከባቢ ሳይት ሶሊል ዝርከብ ኮይኑ ኣብ መንጎ እቶም ተቐናቐንቲ ብዝተፈጠረ ሓዞ ትሰዶ ስለዝተዓጸወ ድማ ሕጽረት ነዳዲ ኣስዒቡ።

 ኣብታ ሃገር ብዘጓነፈ ዕረፍቲ ኣልቦ ዕግርግርን ድኽነትን ምኽንያት ብዙሓት ሃይታውያን ናብ ዶሞኒካ ሪፐብሊክን ኣመሪካን ይስደዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።