ዩክረይን ካብ ኣሜሪካ ኣጽዋር 'ወንጫፊ ሮኬት' ክትረክብ ምዃና ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ወንጫፊ ነዊሕ ርሕቅት ሮኬታት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዩክረይን ብሓገዝ ክልእኽ ምዃኑ ይግለፅ ኣሎ።
ሩስያ ግን ነቲ ከምዚ ዝበለ ሓገዛት ከበድቲ ኣፅዋር ንኲናት ዘጓሃህር ክትብል ትዅንኖ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ካልኦት ሰበስልጣን እታ ሃገርን፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ዶንባስ ተካይዶ ዘላ ደብዳባት ንምምካት እቲ ሓገዝ ሮኬታት ብቕልጡፍ ክበጽሖም ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ሃገሩ "ናብ ሩስያ ክበጽሕ ዝኽእል" ዓይነት ሮኬት ንዩክረይን ከምዘይትልእኽ ኣፍሊጡ።
ከምዚ ዝበለ ስጉምትታት፡ ንኣሜሪካን ኣባላት ኔቶ ዝኾና መሻርኽታን ብቐጥታ ምስ ሩስያ ናብ ኲናት ዝኣትዋሉ ሳዕቤናት ከኸትል ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።
መንግስቲ ሩስያ፡ ኣሜሪካ ክሳብ ሩስያ ዝበጽሕ ሮኬት ንዩክረይን ብሓገዝ ከምዘይተቕርበላ ወግዓዊ ምግባራ ብፅቡቕ ከምዝርእዮ ይገልፅ።
ሩስያ ኣብዚ እዋን ንሰቬሮዶነስክን ካልኦት ከባቢታት ዶንባስን ብሮኬታት፡ ታንክታትን ነፈርትን ትድብድብ ኣላ።
ዩክረይን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣሜሪካ ብሓገዝ ዝቐረበላ 'ኤም777 ሃዊዘርስ' ዝተበሃለን ኣስታት 25 ኪሎሜትሮ ክውንጨፍ ዝኽእልን ሮኬታት ትጥቀም ምህላዋ ይፍለጥ። እቲ ሎሚ ካብ ኣሜሪካ ክበጽሓ ትፅበዮ ዘላ 'ኤም ኤል ኣር ኤስ' [long-range multiple-rocket system (MLRS)] ዝተበሃለ ነዊሕ ርሕቐት ዝውንጨፍ ሮኬት ድማ ዝበለጸ ርሕቐት ከተጥቅዕ ክሕግዛ እዩ።
እቲ 'ኤም270 ኤም ኤል ኣር ኤስ' ብዝብል ዝፍለጥ ባትሪ፡ ነቶም ኣጽዋራት ክሳብ 300 ኪሎሜርት ርሕቐት ክውንጨፉ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዎ።

ብሪጣንያ እውን እዚ 'ኤም ኤል ኣር ኤስ' [long-range multiple-rocket system (MLRS)] ዝበሃል መሳርሒ ዘለዋ ኰይና፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን "ዩክረይን ነቲ ካብ ሩስያ ዝወርዳ ዘሎ ኣረመናዊ ደብዳብ ከቢድ ብረት ንምክልኻል ነዞም ሮኬታት ክትረክብ ኣለዋ" ኢሉ'ሎ።
ሃገሩ ንዩክረይን ነዚ ዓይነት ሮኬት ብሓገዝ ከተቕርበላ'ዶ ትኸውን ኣብ ዝብል ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ኣሜሪካ ነዞም ሮኬታት ንቐንዲ ዒላማት ዒራቕ ክተዕኑ ብ1990-91 ኣብ ኲናት ወሽመጥ ከምኡ'ውን ብ2003 ተጠቒማትሎም ነይራ።
!['ኤም ኤል ኣር ኤስ' [long-range multiple-rocket system (MLRS)]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/ba9d/live/2bbf4850-e0a3-11ec-8019-1fef3477da32.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFFENCE MINISTRY
'ናይ ውክልና ኲናት'
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ምዕራባውያን "ንናይ ዩክረይን ብሄርተኛታት ብኣፅዋር የሐይላኦም ኣለዋ" ክብል ይኸስስ።
ንሱ፡ ምዕራባውያን ኣንፃር ሩስያ "ናይ ውክልና ኲናት ይእውጃ ኣለዋ" ክብል ብምኽሳስ፡ ደው ክብል ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ "ክዓርግ ከምዝኽእል" ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ሃገራዊ ቴለቪዥን ሩስያ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን 'ኤም ኤል ኣር ኤስ' [long-range multiple-rocket system (MLRS)] ብምሕጋዝ "ቀይሕ መስመር" ትሰግር ምህላዋ ዝሕብር መግለፂ ተሰሚዑ ነይሩ።
እዚ ድማ "ኣዝዩ መሪር ዝኾነ ግብረመልሲ ካብ ሩስያ ንኽወሃብ ዘለዓዕል" ክብል ገሊፅዎ።
ብወገን ሩስያ ዝትኮሱ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ብቐንዱ፡ ኣብ ምዕራብ ዩክረይን ንዝርከቡ መደበራት ባቡር፡ መኽዘናት ነዳዲን ካልኦትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም። እዚ ከኣ ነቲ ዝቐረብ ሓገዝ ኣፅዋር ንምትእጉጓል ዝዓለመ ከምዝኸውን ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







