'ብኣማኢት' ዝቑጸሩ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተኣሲሮም ናብ ኣዋሽ ሰባት ከም ዝተወስዱ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EOTC
ጠበቓታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰዓብታ ከም ዝተኣሰሩን መብዛሕትኦም ድማ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣዋሽ ሰባት ከም ዝተወስዱን ንቢቢሲ ገሊጾም።
እዚ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ውን ሓቢሮም።
ኣቦ መንበር ዓቢ ኮሚቴ ጠበቓታት እታ ቤተክርስትያን ኣያሌው ቢታኔ፡ ክሳዕ ሕጂ ብዘለዎ ሓበሬታ ቁጽሪ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣመንቲ ልዕሊ 200 ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር እቲ ብዝሒ ገና ብንጹር ከም ዘይተፈልጠን ነዚ ዕላማ ዝተጣየሸ ኣካል ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘቕርብን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቶ ኣያሌው ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣመንቲ መብዛሕትኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ተኣሲሮም ናብ ኣዋሽ ሰባት ተወሲዶም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ ቁጽሪ እቶም ናብ ኣዋሽ ዝተወሰዱ ሰባት ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ እኳ እንተዘይፈለጡ፡ ካብ 100 ክሳብ 200 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ።
ካብቶም 'ሽበራዊ ንጥፈታት ንምፍጻምን ዘይወግዓዊ ትካል ብምቛም ሕገ መንግስቲ ንምድኻም ብምንቅስቓስ' ተጠርጢሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰሩ፡ እቶም 12 ሰኑይ 06 ለካቲት 2015 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።
ካብዚኦም እቶም 7 ጥርጡራት ብዋሕስ ክፍትሑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ን14 ለካቲት 2015 ከም ዝተቖጸሩ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።
ካብቶም ብገበን ግብረሽበራ ዝተጠርጠሩ ኣደመንበር ማሕበራት መንእሰያትን ዓበይትን እታ ቤተክርስትያን ፌቨን ዘሪሁን፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ማሕበር ብሩክታዊት ነብዩ፡ ከምኡ’ውን መሳይ ተፈራ፡ ተካልኝ ኢትቻ፡ ወንድወሰን ንጉሴ፡ ረ/ሳጅን ሳጅን፡ ሰራዊት ጸጋን ፋሲል ኣግደውን ከም ዝርከብዎም እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ።
እቲ ዝርዝር ጥርጡራት ንኣማኑኤል ኣያሌው፡ ከሩቤል ኣሰፋ፡ ሰይፉ ኣለማየሁ፡ እጅጋየሁ ዳርጌን ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ሰባኺ ኮይኑ ዘገልግል መምህር ምሕረተኣብ ኣሰፋን ዘጠቓልል'ዩ።
ሰለስተ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ዘይሕጋዊ ዝተበሃለ ሹመት ምሃቦም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብታ ሃገር ብዙሕ ወጥሪ ተፈጢሩ ቐንዩ’ዩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን፡ ነዚ ሹመት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ውልቀ ሰባት ዘውገዘት ኰይና፡ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ ምሕታታ ይፍለጥ።
እቶም ሓዱሽ ሲኖዶስ ዝመስረቱ ኣቦታት ብወገኖም ውሳነ እታ ቤተ ክርስትያን ከም ዘይቕበሉን ብመደቦም ከም ዝቐጽሉን ኣፍሊጦም’ዮም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብታ ቤተክርስትያን ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ይገልጽ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሰዓብታ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ክካየዱ ጸዊዓ ነይራ።
ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ መራሕቲ ቤተክርስትያን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሖም እቲ ሰላማዊ ተቓውሞ ምስግጋሩ እታ ቤተክርስትያን ከም ዘፍለጠት ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







