ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ፅዑቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብቑዓት ክንኸውን የኽእለና - መፅናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀዳመ ሰንበት ፅዕቕ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ማዕረ'ቲ ኣብ ምሉእ ሰሙን ዝግበር ምንቅስቓስ ጠቓሚ ምዃኑ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ተመራመርቲ ኣሜሪካ እቶም ኣብ መዛዘሚ ሰሙን ክብድ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ንምፍላጥ ኣብ 350 ሽሕ ሰባት ን10 ዓመታት ክትትል ክገብሩ ፀኒሖም ኣለዉ።
እቲ ኣብ መጽሔት ጃማ ኢንተርናል ሜዲሲን ዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቲ ዘገድስ፡ ዓይነታት እትገብሮ ምንቅስቓስን ንኽንደይ ሰዓታትን እምበር ንኽንደይ መዓልታት ከምዘይኮነ የረድእ።
ኣብ ሰሙን ብዉሑዱ 150 ደቓይቕ ማእከላይ ፃዕቒ ዘለዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ይምከር።
ቅልጣፈ ዘለዎ ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ ብብሽክለታ ቀሊል ዑደት ምክያድ ወይ ቴኒስ ምጽዋት ኣብዚ ዝጥርነፉ እዮም።
ወይ ድማ ን75 ደቓይቕ ዝኣክል ከም ጉያ፣ ምሕንባስ ወይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ብርቱዕ ንጥፈታት ክተካይድ ትኽእል ኢኻ ይብሉ ክኢላታት ጥዕና።
ካብቶም ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ እቶም ዝበዝሑ፡ ነዚ መጠን ናብ ምሉእ ሰሙን መቓቒሎም’ዮም ዝነጥፉ። ገሊኦም ግን ኣብ ክንዲ ዝመቓቕልዎ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ክፍለ ግዜ ኣፅዒቖም ይፍጽምዎ።
እቶም ነቲ ኣብ ሰሙን ዝምከር መጠን ምንቅስቓስ ኣብ መላእ ሰሙን ይኹን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝፍጽሙ፡ ካብ’ቶም ካብቲ ዝምከር መጠን ንታሕቲ ምንቅስቓስ ዝገብሩ፡ ዝወሓደ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ጠቒሱ።
ናብ ጎቦታት ዝግበር ጉዕዞ እግሪ እውን ንሸቶታት ምንቅስቓስ ኣካላት ንምብጻሕ ጽቡቕ መገዲ ተባሂሉ ይውሰድ።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ብዘይካ’ዚ ሰባት ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መዓልታዊ ከካይዱ ከምዝግባእን ንዝተናውሐ ሰዓታት ኮፍ ክብሉ ከምዘይምከርን ሃገራዊኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ይሕብር።
እቶም ንሰብነትና ከደልድሉ ዝኽእሉ ዓይነታት ምንቅስቓስ ከኣ ከም ዮጋ፣ ፒላቲዝን ጀርዲን ናይ ምክንኻን ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ እዮም።
ነቲ ዝምከር ደረጃታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሕግዝ ዝኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ንጥፈታት፡ ብሓጺርን ርሱንን ፃዕቒ ክፍጸም ዝኽእልን ኮይኑ፡
- ልዑል ፃዕቒ ዘለዎ እናፈላለኻ ዝካየድ ስልጠና
- ክብደት ዘለዎም ነገራት ምልዓል
- ናብ ጎቦ ምድያብ ዝብሉ የጠቓልል።
ኣበርቲዕካ ኣስተንፍስ
ኣብ ፋውንዴሽን ልቢ ብሪጣንያ ላዕለወይቲ ነርስ ልቢ፡ ጆኣን ዊትሞር፡ "እዚ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ መዓስ ኢኻ ተካይዶ ዝብል ብዙሕ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኣይኮነን" ትብል።
እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ'ዩ ክትብል እውን ወሲኻ ትምዕድ።
ንሳ ከምእትብሎ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጥዕናኻ ከማሓይሽ ይኽእል'ዩ። ናይ ልብን ስርዓተ ደምን ሕማማት ከምኡ ድማ ከም ወቕዒ ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ሕማማት ከጉድል ይኽእል'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







