ውጽኢታዊ ሰዓታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝተፈላለየ እዩ - መጽናዕቲ

ኣካላዊ ምንቅስቓስ እትገብር ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ጽቡቕ ረብሓ ከምዘለዎ ዝፍልጥ'ዩ። እንተዀነ፡ ዝበለጸ ውጽኢት ዝርከብሉ ሰዓታት ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፈላለየ ከም ዝዀነ ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተካየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ'ሎ።

ደቂኣንስትዮ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እንተሰሪሐን ዝያዳ ስብሒ ሰብነተን ክቃፀል ዝሓሸ ዕድል ኣሎ። ደቂ ተባዕትዮ ድማ፡ ኣብ ኣጋ ምሸት ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ውጽኢት ይረኽቡሉ።

ኣብ መንጐ ክልቲኡ ጾታ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሆርሞናት፡ ባይሎጂያዊ ሰዓታት፡ ሰዓታት ድቃስን ምንቃሕን ኣብዚ ውጽኢታውነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ እጃም ኣለዎም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 55 ዓመት ዕድመ ዝርከቡ/ባ 30 ደቂተባዕትዮን 26 ደቂኣንስትዮን ብምስታፍ ን12 ሰሙናት ፀኒሑ።

ዝተፈላለዩ ዝተፈላለዩ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከካይዱ ድማ ተሓቲቶም።

ሓደ ጕጅለ ንግሆ ቅድሚ ሰዓት 08፡30 [02፡30 ግእዝ] ኣብ ዘሎ ግዜ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሕ፤ ካልእ ጕጅለ ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ካብ ኣጋምሸት ሰዓት 06፡00 ክሳብ ምሸት 08፡00 [12፡00 ክሳብ 02፡00 ኣ.ግ] ክነጥፍ ተገይሩ።

ኵሎም ተሳተፍቲ ‘ቲ መጽናዕቲ ዝፈተለየ መግብን ኣመጋግባን ይኽተሉ ነይሮም።

ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ መጠን ድፍኢት ደምን ስብሒ ሰብነትን ናይቶም ተሳተፍቲ ክዕቀን ተገይሩ፤ ተዓፃፃፍነቶም፡ ሓይሎምን ኤሮቢካዊ ዓቕሞምን እውን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ተፈቲሹ።

ኣብቲ ን12 ሰሙናት ዝቐጸለ ፈተነ፡ ኵሎም ዝተሳተፉ፡ ኣበየናይ ሰዓታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣካይዶም ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕናኦምን ብቕዓቶምን ምምሕያሽ ኣርእዮም'ዮም።

"ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምግባር፡ እቲ ብሉጽ ግዜ ዝበሃል ክትሰርሕ ምኽኣልካን ምስ መደባትካ ዝጠዓዓም ምግባርካን እዩ" ይብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐን ፕሮፈሰር ጥዕናን ስነልቦናን ዶክተር ፖል ኣርሰሪዮ ካብ ኒውዮርክ ኮሌጅ ስኪድሞር።

እንተዀነ፡ ንደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩሉ ሰዓታት ዝተፈላለየ ክኸውን ከምዘለዎ ዘመልክት ከነታት ከምዘሎ ሓሳብ ይህብ።

ንግሆ'ዶ ኣጋምሸት?

ብመሰረት ውጽኢት’ቲ መጽናዕቲ፡ ደቂኣንስትዮ ስብሒ ሰብነተንን ፀቕጢ ደምን ንምንካይ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከዘውትራ ዶክተር ኣርሰሪዮ ይምዕድ።

እዚ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ከስዐ ዝተኣከበ ስብሒ፡ ከምኡ ድማ ንኸም ፀላም ከብዲን ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላትን ዝሸፈነ ስብሒ ሓደገኛ ስለዝዀነ እዩ።

እተን ጨዋዳታተን ንምድልዳልን ሰብነተን ንምህናፅን ዝደልያ ደቂኣንስትዮ ግን፡ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብራ እቲ ዶክተር ይሕብር።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኵሎም ደቂተባዕትዮ ግዜኡ ብዘየገድስ ብዝሰርሕዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥንካረ ሰብነት ኣርእዮም'ዮም።

ግን ከኣ፡ "ነቶም ጥዕና ልቦምን ሜታቦላዊ ስርዓት [መግቢ ናብ ሓይሊ ንኽቕየር ኣብ ዋህዮታት ሰብነት ዝካየድ ኬሚካላዊ መስርሕ] ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ስምዒቶም ንምምሕያሽ ዝደልዩ ደቂተባዕትዮ" ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ዝስራሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ዶክተር ኣርሰሪዮ ይመክር።

'ሜታቦላዊ' ጥዕና ምሕላው ማለት፡ ንኸም ልዕሊ ዓቐን ርጕዲ ሰብነት፡ ዓይነት-2 ሕማም ሸኮር፡ ሕማማት ልብን ስትሮክን [ወቕዒ] ዝህሉ ተቓላዕነት ምንካይ እዩ ዝኸውን።

ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ዝገብርዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝረኽብዎ ረብሓ፡ ኣብቲ ዝሰርሑሉ ሰዓታት ክድረኽ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ግን ብንፁር ኣይተፈለጠን።

ስለዝዀነ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድሊ እቶም ተመራመርቲ የዘኻኽሩ።