ጁንታ ኒጀር ምስ ኣሜሪካ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ሰሪዙ

ወሃቢ ቃል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጁንታ ኒጀር፡ ኣባላት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ክዋፈሩ ዘኽእሎም ወተሃደራዊ ስምምዕ ኣቋሪጹ።

እዚ ዝተገለጸ፡ ካብ ዋሽንግተን ዝመጸአ ልኡኽ ምስ ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ንምዝርራብ ኣብ ኒያመይ ከምዝነበረ ኣብ ዝተገለጸሉ ሰሙን’ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ኒጀር ዝነበራ ወተሃደራዊ መደበር ንዞባዊ ንጥፈታት ጅሃዳውያን ንምክትታል ትጥቀመሉ ከምዝነበረት’ዩ ዝግለጽ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ጁንታ ኒጀር፡ ምስ ሩስያ ዘለዎ ዝምድና ኣዐርዩ ብምድልዳል ንሰራዊት ፈረንሳ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብታ ሃገር ከምዝሰጎገን ዝዝከር እዩ።

"ህላወ ኣሜሪካ ኣብ መሬት ሪፓብሊክ ኒጀር ዘይሕጋዊን ንኹሉ እቲ ልኡላዊ ህዝቢ.. ኣብ መሬቱ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ንምትካል ክውከስ ዝጠልብ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ሕግታት ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኒጀር ኮሎኔል ኣማዱ ዓብድራማን ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ ኒጀር ንኢራን ዩራንየም ንምቕራብ ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝገበረት ከሲሱ። ኮሎኔል ኣብድራማነ፡ እቲ ክሲ “ንኻልኣይ ኲናት ዒራቕ ዘዘኻኽር’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ወተሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኣስዒቡ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ እቶም ኒጀር ዝመረጸቶም መሓዙት ሃገራት ተቓውሞ ከም ዘልዓለት ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ኣብ ኤክስ "ነቲ መግለጺ ንፈልጦ ኢና፡ እዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኒያመይ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተመርሐን ብዛዕባ ስክፍታታትና ኣድሂብና ዝገበርናዮ ግሉጽ ዘተ ስዒቡ'ዩ። ከከም ኣድላይነቱ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ክንህብ ኢና" ኢሉ።

ኣብ ኒጀር ብውሕዱ 650 ወተሃደራት ኣሜሪካ ከምዘለዉ ይግመት።

ኣብ 2016 ኣሜሪካ ካብ ኒያመይ ንሰሜናዊ ምብራቕ 750 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማእከላይ ከተማ ኣጋዴዝ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብር ጀሚራ።

ኣብ ሰፊሕ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ እስላማዊ መንግስቲን ምስ ኣልቃዒዳን ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ንምክትታልን ዒላማ ንምግባርን ዝውዕል’ዩ ነይሩ።

ኣብ ሳሕል ዝግበር ምንቅስቓስ ጅሃዳውያን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዘይምርግጋእ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዕልዋ መንግስቲ ኣስዒቡ’ሎ።

ሰለስቲአን ሃገራት ሕጂ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ፈጢረን ኣለዋ።

ኣብ ኒጀር ዝርከብ ሰራዊት ነቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ብምጥቃስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድዎ።

ኣብ ልዕሊ መግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ዝነበረ ቂምታ ስዒቡ፡ ንጅሃዳውያን ንምምካት ክሕግዙ ዝጸንሑ ወተሃደራት ፈረንሳ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተገዲዶም።

ጁንታ ናብ ኣሜሪካ ገጹ ዝለስለሰ መስመር ክሕዝ ይመስል ነይሩ፡ ሕጂ ግን እዚ ተቐይሩ ኣሎ።

ኒጀር ናብ ሩስያ ትቐርብ ዘላ ትመስል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ብጁንታ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓሊ ማሃማን ላሚነ ዘይን ናብ ሞስኮ ከይዱ ብዛዕባ ወተሃደራውን ቁጠባውን ዝምድናታት ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።