ንፈረንሳ ሰጒጐም ንኣመሪካ ዝመረጹ መራሕቲ ዕልዋ ኒጀር፡ ስለምንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኒጀር መሓመድ ባዙም ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ፈረንሳ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ንዝዀኑ እስላማውያን ዕጡቓት ንምምካት ናብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ዘዋፈረቶም ሰራዊት ነቶም ተሪፎም ዝነበሩ ኣብ ቀረባ መዓልታት ስሒባ’ላ።
ምስ ፓሪስ ዝነበረ ዝምድና ባይታ ዘቢጡ’ሎ፤ ኣምባሳደር ፈረንሳ ሲልቫን ኢተ፡ ድሕሪ ተሪር ጸቕጢ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣብ መስከረም ካብታ ሃገር ከምዝወጽአ ዝዝከር ኰይኑ ሕብረት ኣውሮጳ እውን ተነጺጉ’ዩ።
እቲ ብጀነራል ዓብዱራሕማነ ቲያኒ ዝምራሕ ጕጅለ ዕልዋ፡ ነቲ ክኢላታት ሕብረት ኣውሮጳ ንነዊሕ ዓመታት ንሓይልታት ጸጥታ ኒጀር ዘሰልጠኑሉ ስምምዓት ኣፍሪሱዎ ኣሎ።
ዝተዓልወ ፕረዚደንት ነበር ባዙም ንፈረንሳ ከም ቀንዲ ወተሃደራዊ መሻርኽቲ እዩ ዝቘጽራ ነይሩ።
ኣብ 2022 ወተሃደራት ፈረንሳን ካልኦት ፍሉያት ሓይልታት ኣውሮጳን ካብ ማሊ ምስ ወጽኡ ናብቲ ብጅሃዳዊ መጥቃዕቲ ዝተሃስየ ተኣፋፊ ምዕራባዊ ዶባዊ ከባቢታት ኒጀር ዳግማይ ክዋፈሩ ከምዝሓተቶም ይፍለጥ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ኒጀር ኰይኖም ይንቀሳቐሱ ነይሮም።
ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ነቲ ብ26 ሓምለ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብድምጺ ድሕሪ ምዅናኑን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ፕረዚደንታዊ መንበሪ ገዛኡ ተኣሲሩ ዘሎ ባዙም ደገፉ ድሕሪ ምግላጹን፡ እቶም ሓደስቲ ወተሃደራዊ ገዛእቲ ኒጀር ሱር በተኻዊ ለውጢ ፖሊሲ ብምምራጽ ፈረንሳውያን ክወጹ ጠሊቦም ኣለዉ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ዝበዝሑ ካብቶም 1500 ወተሃደራት ክወጽኡ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ 157 ድማ ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም ክብገሱ እዮም ተባሂሉ ነይሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ምስ ጐረቤት ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን ኣብ ሓድሽ ናይ ምክልኻል ምሕዝነት ክምርኮስ መሪጹ’ሎ።
ክልቲአን ሃገራት እውን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዘለዋ ኰይነን፣ ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብቕልጡፍ ንኽምለስ ካብ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ - ኢኮዋስ - ካልኦትን ንዝቐረቡ ጠለባት ኣብ ምቅዋም ይርከቡ።
ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብታ ሃገር ዘለወን ፅልዋ እናደኸመ ክመጽእ እዩ ጸኒሑ። ብፍላይ ፈረንሳ ዳርጋ ብዅሎም ዓይነት ጸገማትን ቅልውላዋትን እታ ሃገር ትውቀስ።
ኣብ 2007 ብተገንጸልቲ ቱዋረግ ዝተፈጸመ ናዕቢ ደጊፋ ተባሂላ እውን ክትክሰስ እንከላ፡ ኣመሪካ ግን ህላወኣ ኣብታ ሃገር ዓቂባ ኣላ። ኣብ ነሓሰ ከኣ ሓድሽ ኣምባሳደር ናብ ኒያሚ ልኢኻ።
ንኒጀር ዝተቐጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ውን፡ ነተን ልዕሊ 600 ሰራዊት ኣመሪካ ዝዓረደለን ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ክዕጸዋ ኣይሓተተን።
ካብ ሩስያ ዝመጽኡ ጕጅለ ቫግነር ነቲ ጁንታ ኣንጻር ጂሃዳውያን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክሕግዝዎ ኣብ ዶብ ማሊ ስለዘለዉ፡ እተን መዓስከራት ንዋሽንግተን ኣገደስቲ እየን።
ፈረንሳ፡ ከምኡ’ውን ሚስተር ማክሮን ብውልቂ ኣብ ከተማታት መላእ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝርከቡ መንእሰያት ዓሚቝ ቂምታ ከምዝተትሓዘሎም ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ማክሮን ንጅሃዳውያን ጕጅለታት ንምምካት ኣብ ዝግበር ወተሃደራዊ ጻዕሪ፡ ዝተዘምተ ባህላዊ ሃብቲ ኣብ ምምላስ ይዅን ሰፊሕ ልምዓታዊ ባጀት ክህብ ንምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኣተዎ መብጽዓ ተመሊሱ ዋጋ ኣኽፊልዎ’ሎ።
እቶም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ማሊን ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራት ኵሎም ተቐባልነቶም ንምዕዛዝ ጸረ-ፈረንሳ ዝዀነ ኣካይዳ መሪጾም ኣለዉ።
ሃገራቶም ብቝጠባዊ ተነጽሎ ዝወረደን ጸቕጢ ከምኡ’ውን ምንካይ ልምዓትን ጸጥታዊን ደገፍ፡ ፈረንሳ ከም ምኽንያት ንመስዋእቲ ዝቐረበት ማሕስእ ኰይና’ላ።
ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን ንዞባዊ ውዳበ ኢኮዋስ ብዝገብራኦ ዘለዋ ደገፍ ዋጋ ይኸፍላ እየን ዘለዋ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እቶም ብዕልዋ ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራት ኣብተን ሃገራት ስቪላውያን መንግስታት ንኸቝሙ ድፍኢት ዝገብሮ ዘሎ ኢኮዋስ ብዙሕ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኰነን።
መራሕቲ ሃገራት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑሉ እዋን ንምንዋሕ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ውጽኢት መረጻ ንምድንጋርን ንቅዋማዊ ምትላልን ዝቘመ መአከቢ ፕረዚደንታት ከምዝዀነ እዩ ዝግለጽ።
ነዚ ዝዓረገ ኵነታት ከኣ ጀነራል ትያኒን መዛኑኡ ማሊያዊ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይተ ከምኡ’ውን ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ካብ ቡርኪናፋሶ ከም ዕድል ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኰይኖም ኣመሪካ ብወገና ዝለስለሰ ቃና ዘለዎ ህዝባዊ ጸወታ ትጻወት ኣላ።
ኣመሪካ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምቹእ ወይ ገለልተኛ ምስሊ ብምሓዝ፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ መግዛእታዊ ታሪኽ ዘይብላ ምዃና ምስቶም ወተሃደራውያን ስርዓታት ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ክትቅጽል ኣኽኢልዋ ኣሎ።
መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ክራኸቡን ዘይምቹእ ህዝባዊ መልእኽቲ ክሰምዑን ፍቓደኛታት ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣመሪካዊት ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ሞሊ ፊ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኒጀር ምስ ኢኮዋስ ዝርርብ ክጅምር ጸዊዓ ነይራ። ነዚ ዝገበረት ድማ እቲ ውድብ ናብ ቅዋማዊ ምሕደራ ንምምላስ ዘቐመጦም እገዳታት ከፍኩሶም ምዃኑ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።
ኣመሪካ ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኒጀር እትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ደው ኣቢላቶ እያ።
እንተዀነ ሚስ ፊ ሃገራ ምትሕብባርን ልምዓታዊ ደገፍን "በብደረጃኡ" ዳግማይ ክትጅምር ከምዝሓሰበት ትገልጽ። እዚ ድማ እቲ ስልጣን ዝመንዝዐ ጁንታ፡ ዲሞክራሲ ንምምላስ ዝወሰዶ ስጕምትታ ክወስድ ገይሩ’ሎ።
ኣመሪካ ብዘይካ’ቲ ምስ ሓይልታት ኒጀር ዝካየድ ነዊሕ ዝጸንሐ መደባት ስልጠና፡ ኣብ ኒያሚን ኣብ ወሰን ሰሃራ ኣብ ዝርከብ ኣጋደዝን መደበራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣለዋ።
እዚ ድማ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ንዝካየድ ምንቅስቓስ ጕጅለታት ጅሃዳውያን ንምቍጽጻር ከምኡ’ውን ኣብ ማሊን ሊብያን ዝርከቡ ዕጡቓት ቫግነር ንምክትታል ወሳኒ ከምዝዀነ ትቘጽሮ።
ስለዚ ስርዓት ጀነራል ትያኒ ኣብ ኣድማዒ ልዝብ ዕድል ከምዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ። ቀዳማይ ሚኒስተር ማሃማን ላሚነ ዘይን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብተሪር ኣንደበት፡ "ኣመሪካውያን ኣብዚ ምስ ሓይልታቶም ክጸንሑ እንተሓሲቦም እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ክነግሩና ይግባእ" ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ’ሎ።
ንሱ፡ ኣመሪካ ነቲ ዕድል ክትጥቀመሉ ብዕቱብ እንተዘይነጢፋ፡ ኒጀር፡ ካልኦት መሻርኽቲን ኣማራጺ መሓዙትን ከምዘለዋ ንምምልካት ኣይሓፈረን። ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ጀነራል ዩኑስ-ቤክ ኤቭኩሮቭ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ናብ ኒያመይ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
ብተወሳኺ ሳሕል ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ምክልኻል ሩስያ ንመፈተኒ ዳግማይ ምውዳብ ሓይልታት ቫግነር ቀዳምነት ዝወሃቦ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሞስኮ'ውን ዋላ’ኳ ምስተን ልምዓታዊ ለገስቲ ዝዀና ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ጀርመን ወይ ፈረንሳ ዝመጣጠን ቀረብ ሓገዝ እንተዘይሃለዋ ኣብ ርእሲ ዓውዲ ጸጥታ ንሃገራት ሳሕል እተቕርቦ "ገጸ-በረከት" ከተስፍሕ ትጽዕር ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቡርኪናፋሶ ንለበዳታት ደንግን ቺኩንጉንያን ኣብ ምክልኻል ዝሕግዝ ጕጅለ ሓካይም ሰዲዳ ነይራ።
ስለዚ ዋሽንግተን ውድድር ኣብ ዝመልኦ ዲፕሎማስያዊ ሃዋህው ትሰርሕ ከምዘላ ትፈልጥ እያ።
ካብ ፓሪስ ዝሓሸ ህዝባዊ ዲፕሎማስያዊ መስመር ትኽተል ትህሉ’ያ፤ እንተዀነ ምስቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ምዕራባውያን ይዅን ናብ ሕቡራት ሃገራት ክጥምቱ ከምዘይብሎም ዝስምዖም ወተሃደራዊ ስርዓታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ምርድዳእ ከምዝኸብዳ ኣየጠራጥርን።
ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝርከብ ባዙም፡ ኣብ ተኣፈፍቲ ዶባዊ ከባቢታት ጸጥታዊ ምቍጽጻር ዳግማይ ንምርግጋጽ ዝገበሮ ጻዕሪ ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ዝተመሓየሸ ኵነታት ኣብ ምፍጣር ውጽኢት ጀሚሩ ነይሩ።
ካብ 2021 ጀሚሩ ድማ መጠን ዓመጽ ብቐጻሊ እናነከየ ከምዝመጸ ንግጭታት ዝከታተል ኣክለድ ዝተበሃለ ትካል ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ወሰኽ ምህርቲ ሕርሻን ድልዱል ደገፍ ለገስትን እውን፡ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ሕብረተሰብ ካብ ሓደጋ ቅልውላው መግቢ ክወጽእ ይገብር ነይሩ።
ካብቲ ዕልዋ መንግስቲ ጀሚሩ ግን ንግዳዊ እገዳታት ኢኮዋስን ምቍራጽ ብዙሕ ልምዓታዊ ሓገዝን ተደሚሩ ኵነታት መነባብሮ ብዙሓት ስድራቤታት ናብ ቁልቁል ጸዲፉ’ሎ። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መደባት ልምዓት እውን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ።
ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣሃዱታት ሰራዊት ነቲ ክህሉ ዝኽእል ወተሃደራዊ ምትእትታው ኢኮዋስ ንምሕላው፡ ናብ ኒያሚ ድሕሪ ምውፋረን ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር ጅሃዳዊ መጥቃዕትን ኣብ መንጐ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ዓመጽን ርኡይ ወሰኽ ኣመዝጊቡ'ሎ።
ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምትን መጀመርታ ሕዳርን ኣስታት 4,750 ደቂ ዓዲ ብዕጡቓት ተገዲዶም ናብታ ኣብ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ባንኪላረ ሃዲሞም ኣለዉ።
ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፡ ኒጀር ምስ ቡርኪናፋሶን ማሊን እትገብሮ ዘላ ሓድሽ ምሕዝነት፡ ንጅሃዳውያን፡ ገበነኛታትን ማሕበረሰባዊ ግጭትን ንምምካት ዘኽእል ስግረ-ዶባዊ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከመሓይሽ የኽእል እዩ።
ድሕሪ ሕጂ ግን እቶም ሓይልታት ካብቲ ፈረንሳን ኣመሪካን ዝቐርብ ዝነበረ ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ስለያን ኣየርን ኣይክጥቀሙን እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







