ኒጀር፡ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ባዙም ክሃድም ድሕሪ ምፍታኑ ኣበይ ኣተወ?

ፕረዚደንት ኒጀር ነበር መሓመድ ባዙም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኒጀር ነበር መሓመድ ባዙም

መቕርብ ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ተፈጺምዎ ተሓይሩ ዝነበረን፡ ካብ ካብቲ ተሓይርሉ ዝነበረ ክሃድም ፈቲኑ ዝተተሓዘን ፕረዚደንት ኒጀር ነበረ መሓመድ ባዙም ሕጂ ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፈልጡ ገሊጾም።

ኣብ ኒጀር 26 ሓምለ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተፈጸመ፡ መሓመድ ባዙም ምስ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር’ዮም ናይ ገዛ ሕዩራት ኮይኖም ነይሮም።

ብ19 ጥቅምቲ ንሱ ምስ ስድራኡ፡ ሓለውቱን ከሻኒኦምን ብሄሊኮፕተር ክሃድሙ’ኳ እንተፈተኑ፡ ገና ከይተበገሱ እንከለዉ ብሓለዋ እቲ ቤተ መንግስቲ ተታሒዞም።

መቕርብ እቲ ፕረዚደንት ነበር ድሮ እታ ክሃድም ዝፈተነላ መዓልቲ ድሃዩ ምስ ሰምዑ ብድሕሪኡ ዝዀነ ደሃይ ከምዘይብሎም’ዮም ገሊጾም።

መሓመድ ባዙም ክፍታሕ ካብ ውሽጢ እታ ሃገርን ካብ ሓያለ ማሕበረሰብ ዓለምን ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ኒጀር ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዕልዋ መንግስታት ዝካየደሉ ዞባ’ያ ትርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት’ውን ኣብ ጐረባብታ ዝኾና ማሊን ቡርኪናፋሶን ዕልዋ መንግስታት ተኻይዱ ኣሎ።

ዕልዋን መንግስቲ ብምክያድ ኣብ ኒጀር ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ሓምለ ዕልዋ ከካይድ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾኖ ኣብታ ሃገር ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍአ ዝኸደ ምልሕላሕ ሃገራዊ ጸጥታ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።

እቲ ዕልዋ ካብ ዝካየድ መቕርብ እቲ ፕረዚደንት ነበር በዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክፉእ ኣተሓሕዛ የሕልፉ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ጠበቓ ስድራቤት መሓመድ ባዙም ዝኾነ ኣዉድ ሳለም፡ ሰብ መዚ እዚ ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ መቕርብ መሓመድ ባዙም ኮነ ተባሂሉ ኣድልዎን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወግዓዊ ክሲ መስሪቱ ከምዘሎ’ውን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዞባዊ ውድብ ዝኾነ ኢኮዋስ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንመሓመድ ባዙም ናብ ስልጣን ፕረዚደንትነት ክመልሶ ብተደጋጋሚ ክምሕጸን ጸኒሑ’ዩ።

ኢኮዋስ፡ ፕረዚደንት ኒጀር ነበር መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣን ንኽምለስ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኒጀር ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከቢድ ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ፡ እዚ ጎኒ ጎኒ እቲ ቁጠባዊ እግዳ ዝግበር ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ውጽኢት ከምጽእ እንተዘይክኢሉ ግን ግን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዝገብር’ዩ ዘጠንቅቅ ዘሎ።

እቲ ንኒጀር ተቘጸጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንኸሰጋግር ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ከምዘድልዩ’ዩ ዝሕብር።

እንተዀነ ነቲ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘቕረቦ ናይ ሰለስተ ዓመታት ሕቶ ኢኮዋስ ስለዘይተቐበሎ ኣብ መንጐ ኢኮዋስን እቲ ወተሃደራዊ ሓይልን ምዝርራብ ይቕጽል ኣሎ።