ቓዛ፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ካብ ትጅምር ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 178 ሰባት ከምዝሞቱ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፡ ክሳብ ሕጂ ዝበዝሑ ሰባት ዝተቐተልሉ መዓልቲ ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ውግእ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ምፍጣር ሃገረ ፍልስጤም ነጺግዎ።
እስራኤል መጥቃዕታ ዝጀመረት ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኰይኑ ከም ሳዕቤኑ ብውሕዱ 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 240 ድማ ጅሆ ሒዞም ነይሮም።
ሓማስ ኣብቲ ብሰንበት ዝተዘርግሐ ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ሕታሙ፡ እቲ ኣብ ጥቅምቲ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ወሪራ ንዝሓዘቶ መሬትን ፍልስጤማውያን እሱራት ንምፍታሕን ዝተወሰደ ግቡእ ስጕምቲ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ስርሒት ኣየርን ምድርን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ከተማ ከሃን ዩኒስ ከምዘለዉ ኣሚኑ ኣሎ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብዚ ቦታ እዚ’ዩ ካልእ ኣስታት 830 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ተፈንጃሪ ማዕጾ ዝሓዘ በዓቲ ከምዝረኸበ ዝገለጸ።
ተንቀሳቓሲ ስእሊ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ፍርናሽ ዝመስል ነገር ዘርኢ እዩ።
እዚ ቦታ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 20 ጅሆ ተታሒዞሙሉ ከምዝነበረ ዝተኣመነሉ እዩ። እቲ በዓቲ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ግን ዝተረኸበ ነገር የለን።
ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ሰሜን ቓዛ’ውን ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም’ሎ።እስራኤል ሰራዊትን ታንክታትን ናብ ደቡብ ኣብ ዘግዕዘትሉ እዋን ሓማስ ኣብ ከባቢ ከተማ ጃባልያ ዝርከብ ቦታ ከምዝሓዘ ይንገር።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኰይኑ ሰራዊት እስራኤል ካብ ዓቕሚ ሓማስ ኣዝዩ ዝበልጽ’ኳ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ቓዛ ርኡይ ተቓውሞ የጋጥሞ ኣሎ።
ትካላት ስለያ ኣሜሪካ፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ 20 ክሳዕ 30 ሚእታዊት ተዋጋእቲ ሓማስ ከምዝቐተለ ይግምቱ። እዚ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ "ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ" ዝገለጾ ዕላማ ኣዕርዩ ገና ከምዝዀነ ዘመላኽት እዩ።
እቲ ምስጢራዊ ጸብጻብ፡ ሓማስ ንሓይልታት እስራኤል ንምውቃዕ ዘኽእሎ እኹል ተተኮስቲ ከምዘለዎ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ እስራኤል ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ኣብ ዝኽእል ኵናት ክትጥሕል እትኽእለሉ ኵነታት ከምዘሎ ይግመት።
ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓማስ ዘይተታሕዘ ወይ ዘይተቐትለ ምዃኑ ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኸበ 130 እስራኤላውያን ጅሆታት ዘጋጠመ ኵነታት፡ ኣብ እስራኤል እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ-መንግስቲ ቁጥዐ ይዛይድ ኣሎ።
ኣዝማድ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ተቓውሞታት ዝቕጽል ዘሎ ኰይኑ፡ ሚስተር ነታንያሁ ንሓማስ ካብ ምጥፋእ ንላዕሊ ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ መቕርባቶም ናይ ምፍታሕ ዕላማ ቀዳምነት ክህቦ ይጽውዑ ኣለዉ።
ከምኡ’ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝወረደ ዕንወት ዝሰንበዱ እስራኤላውያን ብተነጻጻሪ ጸረ-ኲናት ምንቅስቓስ’ውን ይርአ ኣሎ።
መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣብ ዙርያ ባንዴራኦም እምበር ኣብ ዙርያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ዝሓብሩ ኣይኰኑን።
ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ፡ እቲ ኲናት ምስተወድአ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም 15 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







