ኣብ ቓዛ ዝግበር መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብዋይት ሃውስ ንዝቐረበላ ዕድመ ዝነጸገት ገጣሚት

ካናዳዊት ገጣሚት ሩፒ ካውር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ካናዳዊት ገጣሚት ሩፒ ካውር፡ ምምሕዳር ባይደን ንኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝሃቦ ምላሽ ብምቅዋም፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ንዝካየድ ጽምብል ዲዋሊ [ህንዳውያን ዘኽብርዎ ፈስቲቫል ብርሃናት - ‘festival of lights’] ክትርከብ ንዝቐረበላ ዕድመ ነጺጋ።

ካውር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ "ካብ ሓደ ንሓባራዊ መቕጻዕቲ ሲቪላት ዝድግፍ ትካል ዝመጽእ ዝዀነ ይዅን ዕድመ" ከም እትነጽግ ገሊጻ።

ካልኦት ደቡብ ኤስያውያን እውን ንመንግስቲ ኣመሪካ ተሓታቲ ክገብሩ ጸዊዓ።

እቲ ናይ ዲዋሊ ጽምብል ንሎሚ 8 ሕዳር 2023 ዝካየድ’ዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ ዘዳለወቶ መደብ ኰይኑ ዛጊድ ግን ንርእይቶ እታ ገጣሚት ምላሽ ኣይሃበትን።

ኣብ ህንዲ ዝተወልደት ገጣሚት ካውር፡ ጸሓፊት ናይታ ዝለዓለ ናእዳ ዝረኸበትን ብብዝሒ ዝተሸጠትን መጽሓፍ ‘ሚልክ ኤንድ ሃኒ’ እያ።

ንሳ ተቓውሞኣ ኣብ ዝገለጸትሉ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ በዓል መብራህቲ ሂንዱ ዝዀነ ዲዋሊ ምጽምባል ቅቡል ምግባሩ ከም ዝገረማ ብምግላጽ፡ እቲ በዓል “ቅንዕና ኣክንዲ ሓሶት፤ ፍልጠት ኣክንዲ ድንቁርና ዝኽበሩሉ” ምዃኑ ኣረዲኣ።

መንግስቲ ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ምጽናት ዓሌት" ምኽንያታዊ ይገብር ኣሎ ክትብል ትኸስስ።

እቲ ኲናት ብ7 ጥቅምቲ ሓማስ ንእስራኤል ድሕሪ ምጥቃዑ ዝጀመረ ክኸውን ከሎ ልዕሊ 1400 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እስራኤል ይሕብሩ። ካልኦት ኣስታት 240 ድማ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቲ ከባቢ ድሕሪ ዘካየደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ልዕሊ 10,300 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉን ካብኣቶም ልዕሊ 4100 ህጻናት ዝርከብዎምን ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዝፈጸመቶ ከበባ ድማ ነቶም ኣብ ቓዛ ዝነብሩ 2.2 ሚልዮን ህዝቢ ከም መግቢ፡ ማይን ነዳድን ዝበሉ መሰረታውያን ነገራት ከይበጽሖም ገዲቡ ኣሎ።

ካናዳዊት ገጣሚት ካውር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ስምምዕ ሰብኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ዘይምቕባሉ ነቒፋ።

ባይደን፡ ኣክንዲ ሰብኣዊ ተዅሲ ደው ምባል ከምቲ ካናዳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝጠልብዎ ዘለዉ ኣብቲ ውግእ ሰብኣዊ "ደውታ" ተዅሲ ክህሉ ይጽውዕ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ንእስራኤል ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ከምዝገለጸ ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጸአ ሓበሬታ የመልክት።

"ንፍልስጤማውያን ሲቪላት ምክልኻልን ኣብ መስርሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሲቪላዊ ጉድኣት ምንካይን ኣገዳሲ ምዃኑ" እውን ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ምምሕዳር ባይደን፡ ኮንግረስ ሃገሩ ንእስራኤል ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ ዝጸወዐ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዝውዕል 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ነይሩ።