ኣንፃር እስራኤል ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ መላእ ዓለም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ቀፃሊ መጥቃዕቲ ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም።
ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውሮፓ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ኣብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት፡ ተኹሲ ደው ክብልን ምስ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ክህሉን ፀዊዖም።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ጥቓ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ሰልፊ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ እቲ ዝዓበየ ተቓውሞ’ዩ።
ገሊኦም ፕረዚደንት ባይደን ንእስራኤል ዝገብሮ ደገፍ ነቒፎም።
ሰልፈኛታት፡ ባንዴራታት ፍልስጤም፡ "ህይወት ፍልስጤማውያን ኣገዳሲ እዩ" ከምኡ'ውን "ኣብ ቓዛ ዝተነበረ ከበባ ሕጂ ደው ይበል" ዝብሉ ጭርሖታትን ሒዞም ተራእዮም።
ኣብ ፓሪስ እውን ንፈለማ እዋን ፍቓድ ዝተወሃቦ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ። ቅድሚ ሕጂ ሰልፊ ንምክያድ ዝተገብሩ ፈተነታት ብሰንኪ ስክፍታታት ህዝባዊ ስርዓት ኣልቦነት ተኣጊዶም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብተመሳሳሊ ትማሊ ቀዳም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከባ ዓሰርተታት ከተማታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተፀንቢሮም።
እቶም ሰልፈኛታት፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ክተብል ፀዊዖም።
ፖሊስ፡ ኣብ ማእከላይ ለንደን ጥራይ 30 ሽሕ ሰልፈኛታት ከም ዝተሳተፉ ይግምት።
ኣብ መደበራት ባቡር ኤዲንበርግን ግላስኮን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቻሪንግ ክሮስ፡ ሰባት ኣብ መሬት ኮፍ ኢሎም ተጓዓዝቲ ናብ ባቡር ከይኣትዉ ከም ዝዓገቱ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣብ ለንደን፡ 29 ሰባት ዓሌታዊ ፅልኢ ምልዕዓል ብዝርከቦም ገበናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ክልተ ሰባት ምስ ኣብ ባነር ዝተፅሕፉ ቃላት ብዝተኣሳሰር ሕጊ ግብረሽበራ ብምጥሓስ ተጠርጢሮም ዝተተሓዙ ዀይኖም፡ ፀረ-ሴማውያን ርእይቶታት ዝሓዘ መደረ ከም ዘስመዐ ዝተጠርጠረ ሰብ መንነቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተለለየ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF IH TIMOL




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







