ኣመሪካን ኣውሮጳን፡ ስለ ምንታይ ናብ ጀርመን ገጾም የመዓድው'ለዉ?

ኣብቲ መረጻ ዝመርሕ ዘሎ ፍሪድሪክ መርዝ (2ይ ካብ የማን) ኣብ ናይ መወዳእታ ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝገበሮ ናይ ጐስጓስ መረጻ ዝተወስደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሎሚ፡ ኣብ ጀርመን መረጻ ይካየድ ኣሎ፤ እዚ እታ ሃገር ብከቢድ ምንቍልቋል ቍጠባ፣ ጕዳይ ስደተኛታትን ስግኣት ፀጥታን ዝዓብለሎ ኣዝዩ ኣካታዒ ጐስጓሳት መረጻ ኣሰንዩዎ መጺኡ ኣሎ።

ኣብዚ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ- ኤውሮጳን ኣመሪካን- ብቐረባ ዝከታተልዎ መረፃ፡ ወዲ 69 ዓመት መራሒ ዓቃባውያን ፍረድሪክ መርዝ፡ ቀጻሊ ቻንስለር ጀርመን ክኸውን ትፅቢት ይግበር ኣሎ።

ንሱ፡ ቍጠባ እታ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓየለ ቍጠባ ዘለዋ ጀርመን ምፅጋን ሓዊሱ፡ ጕዳይ ቅልውላዉ ስደተኛታትን ካልእ መሰረተ ልምዓትን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ክፅግን ይመጻባዕ።

ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ክሪስቲያን ዴሞክራትስ (CDU) ኣብዚ መረጻ እንተተዓዊቱ፡ መንግስቲ ንምምስራት እንተውሓደ ምስ ካልእ ሰልፊ ልፍንቲ ክፈጥር እዩ።

እዚ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረሰ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዝመርሖ ሰልፊ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብታ ካብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር፡ ተፎተየ ተፀልአ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዓብዪ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ስልጣን ዝመፅአ ምምሕዳር ትራምፕ ሓዊስካ፣ ኣብ ጣልያን፣ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣንፃር-ስደተኛታት ፖሊሲ ዝኽተሉ መራሕቲ ናብ ስልጣን ይቕልቀሉ ኣለዉ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያንን ሓዊሱ፡ ብኲናትን ጥሜትን ካብ ዝሕመሳ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መዕረፊ ኣብ ዝዀነት ጀርመንከ፡ መን ይዕወት ይኸውን ዝብል የዘራረብ ኣሎ።

ገለ መሰረታዊ ሓቅታት

ኣብዚ ዕለት፡ ኣስታት 59.2 ሚልዮን ጀርመናውያን ድምጾም ክህቡ እዮም።

ድሮ ሚልዮናት ብፖስታ ክመርጹ እንከለዉ፡ ክሳብ 20 ሚኢታዊት ቅድሚ መዓልቲ መረፃ ድምፂ ሂቦም ከም ዝዀኑ መረዳእታት የመልክቱ።

ውፅኢት እቲ መረጻ ሎሚ ኣጋ ምሸት ክንገር ከም ዝኽእል ልዑል ግምት ኣሎ።

ኣብዚ ብዙሓት ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለዉ ኣገዳሲ መረፃ፡ ክሳብ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ጐስጓስ እኹል ሓበሬታ ረኺቦም ኣለዉ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ሃገራዊ ቲቪ ናይ መወዳእታ ክትዕ ተኻይዱ፤ እዚ ድማ ኣብዚ ወርሒ መበል ታሽዓይ ግዜ ምዃኑ እዩ።

መርዝ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረፃ፡ መርዝ ምስቲ ካልኣይ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ ዝመርሕ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኣልተርናቲቭ ፎር ዶይችላንድ (AfD)፡ ስምምዕ ከም ዘይህሉ ጽኑዕ መርገጺ ነይርዎ።

ጸጥታን ስደተኛታትን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጀርመን፡ ካብተን ቅልውላው ስደት ኣዝዩ ዝፀለወን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ድማ ካብ ስደተኛታት ከም ዝፍነው ዝእመነሎም ስግኣታት ፀጥታ ይገጥማ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ መስካሕኻሕቲ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምፍፃሞም፡ ዛዕባ ስደትን ጸጥታን ዝዓበየ መዘራረቢ ኣጀንዳ እቲ ጐስጓስ ክኸውን'ውን በቒዑ።

ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረፃ ፡ ኣብ ከባብታት ማግደበርግ፣ ኣሻፈንበርግን ሙኒክን ዝተፈፀሙ ኰይኖም፡ ኩሎም ብስደተኛታት ዝተፈፀሙ ምዃኖም እዩ ዝንገር።

ዓርቢ ምሸት ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ዓብዪ መዘከርታ ሙዝየም-ናዚ ብኻራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ነቲ ጉዳይ ኣብ ኣርእስታት ዜናታት ክቐርብ ገይርዎ ኣሎ።

እቲ ግዳይ ድሒኑ፡ ፖሊስ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሶርያዊ ምዃኑን ድራኽኡ ድማ ፀረ-ሴማውያን ምዃኑን ገሊጹ።

ሰልፊ፡ ኣፍዲኤን "ሪሚግሬሽን" ዝበሃል ኣዝዩ ኣካታዒ ፖሊሲ ሒዙ ጐስጓስ ኣካይዱ ኣሎ።

እዚ ድማ ገበን ዝፈጸሙ ስደተኛታት ምስጓግ ማለት እዩ።

እቲ ፀረ-ስደተኛታት ዝዀነ ሰልፊ ድሮ ኣብ ገለ ክፋል ምዕራባዊ-ጀርመን ሰረት ረኺቡ ኣሎ።

ኤኤፍዲ ብማሕበራዊ ፖሊሲታቱ ኣይፍለጥን፡ እንተዀነ ንጸጥታ ወጻኢታት ክጐደል ይደሊ።

ኤኤፍዲ፡ ኣብ ምብራቕ ኣጀርመን ኣብ ገጠራት ዝያዳ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ፤ ኣብ ምዕራብ ድማ ኣብተን ኢንዱስትርያዊ መሰረተን ዝሰኣና ከተማታት ጽልዋኡ ይዓቢ ከም ዘሎ ፕሮፌሰር ኮንራድ ዚለር ዩኒቨርሲቲ ዱይስበርግ-ኤሰን ይዛረብ።

ስደት እቲ ዝበዝሐ ጭንቀት ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ውሑዳት ውድባት ናብቲ 630 መናብር ዘለዎ ባይቶ እንተድኣ ኣትየን፡ ብብዝሒ ድምጺ ጥምረት ምቛም ግድን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መድረኽ ዓለም

ኣመሪካን ኣውሮጳን ስለ ምንታይ ኣብ'ዚ መዓልቲ መረፃ ዓይኖም ተኺሎም ይቛምቱ ኣለዉ?- ናይ ብዙሓት ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ኣብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ጀርመን፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ዓብዪ ስፍራ ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዓበይቲ ውሳነታት ክትወስድ ስለ እትግደድ እዚ መረፃ ሰፊሕ ትርጉም ዝወሃቦ'ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ገለ ኣገደስትን ወሰንትን ዓለማውን ዞባውን ፀጥታውን ቁጠባውን ጉዳያት እትሕዞም ቅዋማት ኣገዳሲ እዩ።

መርዝ ኣብ ኤውሮጳ ሓያል መሪሕነት ከም ዝህልዋ ቃል ይኣቱ፡ እንተዀነ በርሊን ንወተሃደራዊ ሰራዊታ ዝኸውን ባጀት ንምስላዕ ከቢድ ፀቕጢ ይሓድራ ኣሎ።

ንዩክረይን ካልኣይቲ ዝዓበየት ወተሃደራዊ ሓገዝ እትህብ ሃገር ብምዃና፡ ቀጻሊ መንግስቲ ጀርመን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ፕረዚደነት ኣመሪካ ትራምፕ 'ውልቀ-መላኺ' ዝበሎ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ጠጠው ክብል ክግደድ እዩ።

ዳርጋ ምስ ኣመሪካ ፊትንፊት ክገጥም እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ፈታኒ ክኸውን እዩ።

ትራምፕ፡ ንዘለንስኪ 'ውልቀ መላኺ' ጥራይ ኣይኰነን ኢሉ፤ ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ንዝሃነፀኦ ስሙር ግንባር ኣፍሪሱዎ ኣሎ።

መራሕቲ ፖለቲካ ጀርመን እውን፡ በቲ ምስ ሕጹይ ቻንስለር ኣፍዲኤን ኣሊስ ዋይደል ተራኺቡ፡ ርእይቶ ዝሃበ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ሰንቢዶም ኣለዉ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ጀርመን ኣንጻር ርሑቕ-የማናውያን ሰልፊ፡ ተቓውሞታት ተኻይዱ።

ድሮ ኣብ ሓያሎ ምብራቓውያን ግዝኣታት ተፈታዊ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራብ እውን ብቕልጡፍ ይዓቢ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብመንገዲ ቲክቶክ ኣብ መንእሰያት ጀርመናውያን ደገፍ ይስሕብ ኣሎ።

ሓንቲ ናይ ዋይደል ጎስጓስ ቪድዮ ኣርባዕተ ሚልዮን ግዜ ተራእያ ኣላ።

እቲ መልእኽታ ቀሊል እዩ፡ ን AfD ድምጺ ሃቡ፡ ፖለቲካ ጀርመን ንሓላሉ ይቀየር- ዝብል እዩ።

AfD፡ ጀርመን ንሕብረት ኤውሮጳ ክጽግኖ እንተዘይክኢላ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእ፣ ስጉምትታት ለውጢ ክሊማ ንምፍራስ ይርከቡዎ።

እዚ ጥራይ ኣይኰነን።

መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ምህናጽ፡ መስመራት ጋዝ ምፅጋንን፡ ምስ ሩስያ ዘሎ ዝምድናን ምፅጋንን ዝብል ይርከቡዎ።