"ንደቀይ በሰላ ገዲፈሎም"፡ በሰላ መጻዕደዊ ቆርበት ዝገበረት ኣደ

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ እትነብር ኣደ፡ ቈርበቱ ዝተቓጸለን ገጹን እግሩን ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎን ህጻን ክልተ ዓመት ወዳ ሓቚፋ ብጣዕሳ ክትዛረብ ትረአ።
እታ ጓል 32 ዓመት ከም ዝዀነት እትገልጽ ኣደ፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ስድራኣ ንቘርበት ዘጻዕድዉ ፍርያት ኣብ ሽዱሽተ ደቃ ተጠቒማ። ውጽኢቱ ግን ከቢድ ጣዕሳ ገዲፉላ።
መንነታ ንምዕቃብ ስማ ፋጡማ ናብ ዝብል ተቐይሩ'ሎ። ንሳ ከም እትብሎ፡ ብፍላይ ሓንቲ ካብቶም ደቃ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከላ በሰላኣ ንምሕባእ ገጻ ትሽፈን።
እታ ካልእ ጓላ ድማ ዝያዳ ጸሊማ። ኣብ ከባቢ ኣዕይንታ እውን ፍሕሽው ኢላ'ላ።
ሳልሳይ ውላዳ ኣብ ከንፈሩን ብርኩን ጻዕዳ በሰላ ኣለዎ።
እቲ ህጻን ወዳ ከኣ ክሳዕ ሕጂ በሰላ ዘለዎ ኰይኑ፡ ቈርበቱ ንኽሓዊ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ።
"ሓፍተይ ብርህ ዝበለ ሕብሪ ቈርበት ዘለዎም ቈልዑ እያ ወሊዳ። ደቀይ ግን ጸሊም ቈርበት ኣለዎም። ኣደይ ብሰንኪ መልክዖም ንደቂ ሓፍተይ ካብ ደቀይ ኣብሊጻ ክተቕርቦም ኣስተብሂለ። እዚ ኣዝዩ ጐዲኡኒ፡" ትብል ፋጡማ።
ነቲ ክሬማ ብዘይ ማዕዳ ሓኪም ኣብ ከተማ ኮኖ ካብ ዝርከብ ዕዳጋ ከም ዝገዝኣቶ ትዛረብ።
ኣብ መጀመርታ ለውጢ ዘምጽአ ይመስል። ሽዑ ዓባዮም ነቶም ቈልዑ ከተቕርቦም ጀሚራ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ቃጸሎን በሰላን ከማዕብል ተራእዩ።
መጻዕደዊ ቈርበት ኣብ መላእ ዓለም ንጽባቐ ዝውዕል እኳ እንተዀነ፡ ሰፊሕ ባህላዊ መሰረት እውን ኣለዎ።
ብፍላይ ናይጀርያውያን ደቂ ኣንስትዮ ብኣጠቓቕማ ቈርበት ዘጻዕድው ፍርያት ዝወዳደረን የሎን።
ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዘመልክቶ 77 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ቈርበት ንምጽዕዳው ዝሕግዙ ፍርያት ይጥቀማ።
ኣብ ኮንጎ ብራዛቪል 66 ሚእታዊት፣ ኣብ ሰኔጋል 50 ሚእታዊት፣ ኣብ ጋና ድማ 39 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ፍርያት ከም ዝጥቀማ ይግለጽ።

ኣብቶም ዝጥቀምኦም ክሬማት ዝርከቡ ቀመማት ልዑል ትሕዝቶ ዘለዎምን ጐዳእቲ ስለ ዝዀኑን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብትእዛዝ ሓኪም ጥራሕ እዮም ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ።
ሕማማት ቈርበት፡ ፈጸጋን ሕብሪ ቈርበት ምቕያርን ካብቶም ክህልዉ ዝኽእሉ ጐድናዊ ሳዕቤናት እዮም። ብተወሳኺ፡ ምቅጻል ቈርበት፡ ምረዛ ሜርኵሪን ጕድኣትን ኵሊትን እውን ከስዕብ ይኽእል።
ቍስሊ ቈርበት እውን ከጋጥም፡ እቲ ቍስሊ ንኽሓዊ ነዊሕ ግዜ ክወስድን ረኽሲ ክፈጥርን ከም ዝኽእል ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
እቲ ኵነታት እናገደደ ምስ ከደ፡ ምምሕዳርን ቍጽጽርን መግብን መድሃኒትን ናይጀርያ (FDA) ኣብ 2023 መምርሒ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ነይሩ።
ግን ከኣ ልክዕ ከም ፋጡማ፡ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እውን ቈርበት ደቀን ንምጽዕዳው፡ ነቲ ፍርያት ምጥቃም ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።
"ብዙሓት ሰባት ብርህ ዝበለ ቈርበት ምስ ጽባቐን ሃብትን የዛምዱዎ። ኣዴታት ንደቀን ካብ ኣድሉዎ ንምክልኻል ብዝብል ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዘን ቈርበቶም የጻዕዱዋ፡" ትብል ኣብ ናይጀርያ ወናኒት ክሊኒክ ቈርበት ዝዀነት ዶክተር ዘይነብ በሽር።
ካብተን እትፈልጠን ደቂ ኣንስትዮ እተን 80 ሚእታዊት ንቘርበት ደቀን ዘጻዕደዋ ወይ ንኸጻዕዱዋ ውጥን ዘለወን ከም ዝዀና ትኣምን።
ገሊአን ንርእሰን እውን ኣብ ግዜ ቍልዕነተን ቈርበተን ክጽዕዱ ስለ ዝተገበራ፡ ነቲ ተግባር ኣብ ደቀን የቐጽልኦ ከም ዘለዋ እታ ዶክተር ትዛረብ።

ኣብ ናይጀርያ፡ ሓደ ሰብ ንቘርበት ዘጻዕዱ ፍርያት ይጥቀም ድዩ ኣይጥቀምን ንምፍላጥ ኣዝዩ ዝቐለለ መንገዲ፡ ንጽልሚ እቶም መገጣጠሚ ኣካላቱ ምርኣይ እኹል እዩ። ካልእ ክፍሊ ኣካላት ማለት ኣእዳውን እግርን ክቐይሕ ከሎ፡ ብርኪ ግን ጸሊም ኰይኑ እዩ ዝተርፍ።
ኣትከኽትን ተጠቀምቲ ሓሽሽን ዝዀኑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣእዳዎም ጽልሚ ስለ ዝረኣዮም፡ ገለ መጻዕደቂ ቈርበት ዝጥቀሙ ሰባት'ውን ብጌጋ ከም ኣባላት ናይቶም ጕጅለ ገበነኛታት ዝቝጸሩሉ ኣጋጣምታት ኣሎ።
14 ዓመትን 16 ዓመትን ዝዕድሚኦም ደቂ ፋጡማ ዘጋጠሞም እውን ንሱ እዩ።
"ካብ ሕብረተሰብ ኣድሉዎ ኣጋጢምዎም። ኵሉ ሰብ 'ወልፊ ሓሽሽ ኣለዎም' እናበለ ይወቕሶም። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም፡" ትብል።
ክልቲአን ደቃ'ውን፡ ሓሽሽ ክወስዳ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝዀና ዝጠርጠሩ ኣፍቀርተን ተፈልዮምወን።
ኣብ ካኖ ኣብ ዝርከብ ህቡብ ዕዳጋ፡ ንነብሶም ኣቃመምቲ ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ካብ ባዶ ጀሚሮም ቈርበት ዘጻዕዱ ክሬማ ይሰርሑ።
ኣብ ድኳናት ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብዞም ክሬማት ይሸጡ።
መብዛሕትኦም እቶም ፍርያት ከኣ ንቘርበት ህጻናት ዘጻዕድዉ ከም ዝዀኑ ዘመልክቱ ጽሑፋት ተጻሒፎሞም ይረኣዩ።
ሓደ ካብቶም ነጋዶ፡ መብዛሕትኦም ዓማዊሉ ሕብሪ ቈርበት ደቆም ንምጽዕዳው ነቲ ክሬማ ከም ዝገዝኡዎ ተዛሪቡ።
መብዛሕትአን ድማ እቲ ዝፍቀድ ዓቐን ዝፈልጥኦ ኣይመስላን።

ዳይረክተር ምምሕዳርን ቍጽጽርን መግብን መድሓኒትን ናይጀርያ ዶክተር ሌናርድ ኦሞካፓሪዮላ፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ግንዛበ ንምዕባይ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ይገልጽ።
እቶም ፍርያት ቅድሚ ናብ ሃገር ምእታዎም ኣብ ዶባት ንምግታእ ይፍትኑ ከም ዘለዉ'ውን ሓቢሩ።
ይዅን እምበር፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ነዞም ንጥረ ነገራት ንምልላይ ከም ዝተጸገሙ ተዛሪቡ።
ፋጡማ፡ እቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ብፍላይ በሰላ ደቃ እንተ ዘይጠፊኡ፡ ንዘልኣለም ድቃስ ከም ዝኸልኣ ትዛረብ።
ካልኦት ወለዲ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ጌጋታት ከይፍጽሙ ክትምህር ድማ ቃል ኣትያ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







