ካልኣይ ዙርያ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብዘይፍረ ተዛዚሙ

ሚኒስተራት ጉዳይት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ምስ ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, MFA OF TURKEY

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ቱርኪ ክካየድ ዝቐነየ 'ዘይቀጥታዊ ዝርርብ' ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ።

ወከልቲ ናይተን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ዝኣተዋ ሶማልያን ኢትዮጵያን ኣብ ርእሰከተማ ኣንካራ ንክልተ መዓልታት ክዘራረቡ ቀንዮም ነይሮም።

እቲ መስርሕ ከምዝቕጽልን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝመጽእ 17 መስከረም ንሳልሳይ ዙርያ ዘተ ክራኸቡ ከምዝተቛጸሩ ቱርካውያን ኣሸማገልቲ ገሊጾም ኣለዉ።

ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታየ ኣጽቀ ስላሴን ሚኒስተር ገዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ኣሕመድ ሞሊም ኣብቲ ዝርርብ ከምዝተሳተፉ ይፍለጥ።

ካልቲኦም ልኡኻት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ’ኳ ኣንተተረኻቡ ብኣካል ግን ከምዘይተራኸቡ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሂካን ፊዳን ንኽልቲኦም ወከልቲ በበይኖም ብምርካብ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ይፍትን ከምዘሎ’ውን እታ ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ሂካን ፊዳን ትማሊ ሰኑይ ንኽልቲኦም ወከልቲ ክልተ ግዜ ብምርካብ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ፍልልይ ንምጽባብ ከምዝፈተነ ቪኦኤ ነቲ ዘተ ብቀረባ ካብ ዝከታተልዎ ዘለዉ ሰባት ሓበሬታ ብምርካብ ኣቓሊሑ።

ኢትዮጵያ ነቲ ሶማልያ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ ክፈርስ ዘቕረበቶ ክተቕበሎ ስለዘይከኣለት እቲ ፍልልይ ከምዝተፈጠረ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር እትገልጽ ሶማልያ ግን ኣካል ግዝኣተይ እያ እትብላ ሶማሊላንድ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ኣፈናዊ ስምምዕ ከምዘካየደት ዝዝከር’ዩ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ቅድሚ ምምረሖም፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድን ብተሌፎን ኣዘራሪብዎም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ዳይረክተር ርክባት ቱርኪ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ሞንጎ ሶማልያን ቱርክን ዘሎ ርክብ ኣገዳስነቱ ብምምንጻር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ቱርኪ ተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ከምእትቅጽል ምሕባሩ ገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ “ኣብ ካልኣይ ርክብ ተጨባጢ ውጽኢት” ከምዝጽበ ምግላጹ’ውን እቲ ዳይረክተር ርክባት ቱርኪ ብኤክስ ገሊጹ።

ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ምዝርራቡ፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ’ውን ኢትዮጵያ፡ ንሓድነት ንልዑላውነትን ሶማልያ ስግኣት ዝፈጥሩ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ንኣብይ ኣሕመድ ከምዝሓበሮ ተገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ክልቲኦም ወገናት ብዝህብዎ ውሳነ ኢትዮጵያ ናብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘራኽባ መስመር ናይ ምርካብ ዓቢ ድላይ ከምዘለዋ ንፕረዚደንት ቱርኪ ክገልጸሉ እንከሎ ፕረዚደንት ሶማልያ ብወገኑ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ብቁጠባ ብልምዓትን ናይ ምትሕብባር ድልየት ከምዘለዋ ብምግላጽ “ እዚ ከምዚ ዝበለ ሽርክነት ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልን ዓለምለኻዊ ሕጋጋትን ብዘማእከላ ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ’ውን ብሞንገኝነት ቱርኪ ኣብ ሞንጎ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘይቐጥታዊ ዝኾነ ዘተ ተኻይዱ ነይሩ’ዩ እንተኾነ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን።

ቱርኪ ምስ ሶማልያ ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ብጀካ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝሃነጸቶ ብያተ ትምህርትን ሆስፒታልን ንብዙሓት ሶማልያውያን ኣብ ቱርኪ ከይዶም ንክምሃሩ ዕድላት ተጣጥሕ’ያ።

ቅድሚ ኣዋርሕ’ውን ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዝተበጽሐ ወተሃደራዊ ስምምዕ ኣዝያ ዓባይ ወተሃደራዊት መርከብ ቱርኪ ናብ ሶማልያ መጺኣ ምንባራ ይዝከር።

ቱርኪ ኣብ 2017 ኣብ ሞቓዶሺ ኣዝዩ ዓቢ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ብምህናጽ ወተሃደራታ ናብታ ሃገር ከምዘእተወት ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባውን ናይ ምክልኻልን ስምምዓት ተፈራሪመን።

ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ከም ልኡላዊት ሃገር እትጽውዕ ሶማሊላንድ 20 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረከብ ዘኽእል ኣፈናዊ ውዕል ድሕሪ ምፍርራማ፡ በዚ ዝተቖጠዐት ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክባት ከተሻሕክሮ ጀሚራ።

ሶማልያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ሰምምዕ ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ብምኽሳስ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዘምርሐቶ’ውን ይዝከር።