ፖሊስ ሶማልያ ምስ ስግኣት ጸጥታ መጐልበቢ ገጽ 'ኒቓብ' ይምንጥል ኣሎ

ኒቓብ ዝገበረት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኪስማዮ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኒቓብ (እስላማዊ ጉልባብ ገጽ) ካብ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝመንጠሉ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዋርሳመ ኣሕመድ ገለ ንመንግስታዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰብመዚ ነቲ ብኒቓብ ዝፍለጥ ጉልባብ ገጽ "ንምቍጽጻር" ስርሒታት ከካይዱ ምጽንሖም ተዛሪቡ።

እቲ ስጕምቲ ዝተወሰደ ከኣ ጅሃዳውያን በቲ ጉልባብ መንነቶም ሓቢኦም መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ስክፍታ ከምዝነበረ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣረዲኡ።

ሰፊሕ ክፋል ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎን ንኣስታት 20 ዓመታት ኣንጻር ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ጭካነ ዝመልኦ ዓመጽ ኣብ ምክያድ ዘሎን ጕጅለ ኣል-ሸባብ እዩ ዝርከብ።

ብዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ፍሉጥ መዘናግዒ ገማግም ባሕሪ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝተቐተሉ ይዝከር።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ኪስማዮ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ጐደናታት ንዝረኸብወን ደቂ ኣንስትዮ ደው ብምባል ነቲ ሒጃብ (ኒቓብ) ከውጽኣ እናገደዱ ክምንዝዑ ተራእዮም።

እቲ ስርሒት ዝሓለፈ ረቡዕ ከምዝጀመረ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዋርሳመ ኣሕመድ ገለ ኣፍሊጡ’ሎ።

ንምሉእ ገጽ ዝሽፍን ኒቓብ ተኸዲነን ዝተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ማእሰርቲ ወይ መቕጻዕቲ ይጽበየን።

ኣልሸባብ ንመብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ስለዝቈጻጸሮ፡ ኪስማዮን ከባቢኣን ግን ሰበስልጣን ኣብ ግዝኣት ጁባላንድ ነቲ እገዳ ከተግብሩለን ዝኽእሉ እንኮ ቦታታት እየን።

እታ ግዝኣት ምስ ስግኣት ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ኣብ 2013 ንፈለማ እገዳ ኒቓብ ኣተኣታትያ'ኳ እንተነበረት፡ ብዙሕ ተግባራዊ ግን ኣይኰነን።

ኒቓብ ኣብ እስልምና ከም ምልክት ትሕትና እዩ ዝርአ። መንግስታዊ ስታቲስቲክስ ከምዘመልክቶ ድማ 99 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሶማልያ ተኸታሊ እምነት እስልምና እዩ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኒቓብ ከምዝኽደናኦ ዝጠቐሰ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ብስፍሓት ይረአ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ይዅን እምበር መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ሶማልያ ካብ ኒቓብ ዝዛየደ ሕጃብ ክገብራ እየ ዝመርጻ። እዚ ድማ ንጸጕሪ ጓል ኣንስተይቲ እምበር ንገጻ ዝሽፍን ኣይኰነን።

ፖሊስ ከምዝሓበሮ ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 37 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣልሸባብ፡ ቍጽሪ ዝሞቱን መጕዳእትን ካብቲ ፖሊስ ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ሰራዊት ሶማልያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጁባላንድ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ስለዝቐተለ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ክካየድ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።