ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንኣልሸባብ ከጥቅዑ ናብ ሶማልያ ምእታዎም የዘራርብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ንእስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ንምጥቃዕ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሶማልያ፡ ዶብ ጥሒሶም ከምዝሰገሩ ክስታት ይስምዑ ኣለዉ።
ነበርቲ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትዳወብ ግዝኣት ሂራን እትርከብ ከተማ ማታባ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ ከተማ ማታባነ ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ወተሃደራት ዕጡቓት ኣልሸባብ እናሰዓቡ ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ዶብ ሶማልያ ምስጋሮም ምስ ተሓበረ፡ ናብ ቦታኦም ከምዝተመልሱ ገሊፁ።
ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሂራን በሽር ዓብዲራሕማን ሸከየ ብወገኑ፡ ንቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናብ መሬት ሶማልያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ልዕሊ 3 ሽሕ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።
ገለ ካብኣቶም ሰራዊት፡ ካብ ዶባዊት ከተማ ፋርፈር ተበጊሶም፡ ዓርቢ 14 ሰነ 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ዶብ ኣቋሪጾም ናብ መሬት ሶማልያ ምእታዎም እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።
በሽር ዓብዲራሕማን ሸከየ፡ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣመሓደርቲ እታ ክልልን ፈደራል መንግስቲ ሶማልያን ድሕሪ ምዝርራብ፣ እቶም ኣባላት ሰራዊት ናብ ዝመጽዎ ቦታ ከምዝተመልሱ ኣመልኪቱ።
ነዚ ክስታት ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበ ምላሽ የለን።
ብመሰረት ሓበሬታ ሂራን ኦንላይን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ዶባዊት ከተማ ፈርፈር ዝተራእዩ ዕጡቓት ኣልሸባብ እናሰዓበ ናብ ዶብ ሶማል 70 ኪሎ ሜተር ንውሽጢ ኣትዩ ነይሩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍልጦ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ዶብ ሶማልያ ክሓልፍ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜኡ ኣይኮነን።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብተመሳሳሊ ኵነታት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሂራንን ባኮልን ዝተባህለ ዶባዊ ግዝኣታት ሶማልያ ኣትዮም ምንባሮም ይንገር።
ኣልሸባብ፡ ካብ ሶማልያ ወጻኢ፡ ዒላማ ካብ ዝገብረን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ኰይና፡ እቲ ጕጅለ ብተደጋጋሚ ዝፍትኖ መጥቃዕቲ፡ ብሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ከምዝፈሸለ ይዝረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣልሸባብ ብግዝኣት ሶማልያ ኣቢሉ ዕጡቓቱ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ብዙሓት ኣባላቱን ኣዘዝቱን ከምዝተቐትሉ ይዝከር።
ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ወተሃደራት [ዓቃቢ ሰላም] ዘዋፈረት ኰይና፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጋጠመ ምስሕሓብ፡ ሶማልያ እቲ ሰራዊት ካብ መሬታ ክወጽእ ሓቲታ ኣላ።
እዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ዶብ ጥሒሶም ኣትዮም ዝብሉ ጸብጻባት ዝወጹ ዘለዉ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝኣተዎቶ ስምምዕ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት እናተበላሸወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ሰበስልጣን ሶማልያ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ክስታት ጥሕሰት ልኡላውነት ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







