ሶማልያ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ከምእተውጽኦም ድሕሪ ምሕባራ ኣመሪካ ሻቕሎታ ገሊጻ
![ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቓድሾ እናወጽኡ [2007]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/1b89/live/32a82380-218d-11ef-a13a-0b8c563da930.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ምዝርራብ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ውጥረት ክረግእ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ብሊንከን ብቀዳም ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸክ መሓሙድ ኣብ ዝገበሮ ወግዒ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጥረት ክረግእ ከም ዘለዎ ከም ዝሓበሮ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትረ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ።
ሶማልያ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኖም ኣብ ሶማልያ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ከተውጽኦም ምዃና ድሕሪ ምሕባራ’ያ ኣመሪካ ሻቕሎታ ትገልጽ ዘላ።
ኢትዮጵያ ምስታ ሶማልያ ኣካል ግዝኣተይ’ያ ትብላ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ከውህባ ዝኽእል ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራማ’ያ በዚ ዘይተሐጎሰት ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ከተዘሕትሎ ተራእያ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተ፡ እቲ ምስ ዓቓቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ 2024 ጠቅሊሉ ካብ ሶማልያ ክወጽእ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቓቢ ሰላም ዕድመ ስልጣኑ ኣብ 2024’ዩ ዘብቕዕ።
እንተዀነ እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት፡ እቶም ኣብቲ ምዕቃብ ሰላም ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ንሓደ ተወሳኺ ዓመት ክጸንሑ ድልየት ሶማልያ ከም ዝዀነ’ኳ እንተሓበረ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ምዕቓብ ሰላም ክቅጽል ሶማልያ ድሌት ከም ዘይብላ ገሊጹ።
ኣብቲ ምዕቓብ ሰላም ብጀካ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ጅቡቱ፡ ኡጋንዳን ብሩንድን’ውን ሰራዊተን ኣዋፊረን ኣለዋ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ “እቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉጅለ ዓቓቢ ሰላም ክጸንሕ ከም ዘይብሉ ብሩህ ዝኾነ ውሳነ ኣሕሊፍና ኣለና” ኢሉ።
ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወጽእ ትሓተሉ ዘላ ምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ከም ዝዀነ 'ውን ገሊጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰራዊት ብምዃን እታ ሃገር ካብ ኣልሸባብ ዝበጽሓ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ከም ዝኣተወ ይግለጽ።
እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ዝግለጽ ኣልሸባብ ካብ ሶማልያ ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ሶማልያ ዝዀና ሃገራት’ውን ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ክፍጽም ተራእዩ’ዩ።
ኣብ ሶማልያ ዓቓቢ ሰላም እንተዘይኣቱ፤ ኣልሸባብ ንምልእቲ ሶማልያ ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ከምዝነበሮ’ውን ይግለጽ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጂላ ምስ ሃገራዊት ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት ልዕሊ ፍርቂ ካብ መሬት ሶማልያ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከ ምዝሕሎ ገሊጹ ነይሩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ “ሰራዊት ኢትዮጵያ’ዩ ንመንግስቲ ሶማልያ ኣብ መቓድሾ ኮፍ ከም ዝብል ገይርዎ” ድሕሪ ምባል “ኢትዮጵያ ሰራዊታ ጽባሕ ካብ ሶማልያ እንተኣውጺኣ፡ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቃድሾ ኮፍ ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን” ኢሉ።
ጽሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸክ መሓሙድ ኣብ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ መንግስቲ ሶማልያ ኣተክርኡ ኣብ ጸረ ግብረሽበራ ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጽሉ።
መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡኽ ምዕቓብ ሰላም ክወጽእ ድሕሪ ምሕባሩ እተን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣላፊነን ናብ ሶማልያ ሰራዊተን ዝልኣኻ ኬንያ፡ ጅቡቱ፡ ርዋንዳን ብሩንድን ነዚ ኣምልኪተን ክሳብ ሕጂ ዝሃበኦ ርእይቶ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







