ወጥሪ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምዝሕሓል ኬንያ ዘቕረበቶ ሓሳብ የለን - ሶማልያ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, VILLA SOMALIA

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኬንያ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ

ኬንያ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዓሲሉ ዘሎ ወጥሪ ንምዝሓሓለል፡ ነተን ሃገራት ዞባዊ ስምምዕ ኣገልግሎት ገማግም ባሕሪ ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪበ ምባላ ሶማልያ ነጺጋ።

እቲ ኬንያ ዘቕረበቶ ኣማራጺ፡ ኣብቲ ዞባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት፡ ብመሰረት ንግዳዊ ስምምዕ፡ ኣገልግሎት መሕለፊ ባሕሪን ጥቕምታትን ክረኽባ ዘኽእለን ዕድላት ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ።

እንተዀነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ካብ ኬንያ ዝቐረበ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ከምዘየለ ገሊጹ።

ዲየታ ዓሊ ዑመር ባላድ ብ4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝምልከት ጸብጻባት ስምምዕ ፍጹም መሰረት ዘይብሎም እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ሶማልያ ብጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነታ ኣይትዋገን" ብምባል፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ትኹረት ክግበር ጸዊዑ።

ዋና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኮሪር ኬንያ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኬንያ ኣብቲ ጅቡቲን ኢጋድን ኣብ ዘካይድዎ ዝርርብ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ስምምዕ ከምዘቕረበት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኮሪር፡ "ኢጋድ ንኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ዝቆጻጸር ሕጊ ክነድፍ ይኽእል'ዩ" ብምባል እቲ ኬንያ ዘቕረበቶ እማመ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ ኢትዮጵያ "ኣማራጺ ውሑስ ኣፍደገ ባሕሪ" ክህልዋ'ዩ ኢሉ።

ወሲኹ እውን ኬንያ ዘቕረበቶ ኣማራጺ፡ ንልኡላውነት ሶማልያ እውን ውሕስነት ዝህብ እዩ ኢሉ ነይሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

መተሓሳሰቢ፡ ቢቢሲ ብዛዕባ ትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ነጻ ሃገር እትብል ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ስምምዕ ምፍርራማ ዝዝከር እዩ።

እቲ ቀያዲ ዘይኰነ ስምምዕ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ዘኽእላ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ካብ ሶማሊላንድ ክትረክብ ዘኽእላ እዩ።

ብኣንፃሩ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ወጻኢ ሶማልያ ዲየታ ዓሊ ዑመር ባላድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢትዮጵያ ኣብታ ሶማልያ ግዝኣተይ ትብላ ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ዝሓንጸጸቶ መደብ ፈጺሙ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፡ እንተዀነ ግን ብኽልተኣዊ ድርድር ንኢትዮጵያ ንንግዳዊ ኣገልግሎት ዝውዕል መዓርፎ ወደብ ክትህባ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ግን ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ስምምዕ እንተፍሪሳ ጥራይ ምዃኑ ከምዝገለጸ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

“ሶማልያ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ፈጺማ ኣይትቕበልን። ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ግን ንንግዲ ዝኸውን ኣገልግሎት ክትህብ ድልውቲ እያ” ኢሉ።

ሶማልያ ኣብ ዙርያ "ልዑላውነት፡ ፖለቲካዊ ነጻነትን ሓድነትን" ዝኽብሩ ሓሳባት ክትዘራረብ፡ ድልውቲ ምዃና እውን ኣመልኪቱ።