ወጥሪ ኢትዮ-ሶማልያ ንምህዳእ ኬንያ 'ዞባዊ ስምምዕ ገምገም ባሕሪ' ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ

ሓበራዊ ስእሊ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓበራዊ ስእሊ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልያን

ኬንያ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምህዳእ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝበለቶ ዞባዊ ስምምዕ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ገምገም ባሕሪ ኣማራጺ ሓሳብ ኣቕሪባ።

እዚ ሓሳብ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብመሰረት ስምምዕ ንግዲ ኣገልግሎት መተሓላለፊ ባሕሪን ጥቕምን ዝረኽባሉ ዕድል ዝፈጥር’ዩ ተባሂሉ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ሰነድ ስምምዕ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ወጥሪ ክዓርግ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ።

እዚ ድማ፡ እቲ ሶማሊላንድ ኣካል ግዝኣቱ ከም ዝዀነት ዝገልጽ መንግስቲ ሶማልያ ብትሪ ክቃወሞ እንከሎ ሉእላውነት ሃገሩ ዝጥሕስ ተግባር ከም ዝዀነ ነቒፉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ሶማሊያ ኣብ ሞቓድሹ ዝጸንጸ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምስጓግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ኣምባሳደራ ጸዊዓ እያ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኬንያ፡ ወጥሪ እዘን ሃገራት ንምፍታሕ ይሕግዝ እዩ ዝበለቶ ኣማራጺ ሓሳብ ሒዛ መጺኣ ኣላ።

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብመሰረት ስምምዕ ንግዲ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝረኽባሉ ኣማራጺ ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኮሪር ሲንጋኦኢ፡ ምስ ጅቡትን ትካል ልምዓት በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃን (ኢጋድ) ብዝግበር ልዝብ ኣብ ስምምዕ ዞባዊ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ባሕሪ ክብጻሕ ከም ዝክኣል ተዛሪቡ።

“ኢጋድ፡ ኣጠቓቕማ ኣገልግሎት ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝድንግግ ሕጊ ከርቅቕ ይኽእል’ዩ” ዝበለ እቲ በዓል መዚ፡ እቲ ናይሮቢ እተቕርቦ ሓሳብ ቅቡልነት ዝረክብ እንተዀይኑ ኢትዮጵያ “ዘተኣማምን ኣማራጺ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ’ያ” ኢሉ።

እዚ ኣማራጺ ሓሳብ፡ ልኡላውነት ሶማልያ’ውን ዘረጋግጽ ክኸውን’ዩ ይብል።

ኬንያ፡ እቲ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምህዳእ ንኽልቲአን ሃገራት ከተላዝብ ከም ዝጸንሐት ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ናብ ናይሮቢ ብምምጻእ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝተራኸበ ይፍለጥ።

ትማሊ ሓሙስ ድማ፡ ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ናይሮቢ መጺኡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ኬንያዊ መዘናኡ ኣብ ዙርያ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት - ቪላ ሶማልያ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያን ሶማልያን እቲ ኬንያ ዘቕረበቶ ሓሳብ የጽንዕኦ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ክመያየጥሉ’ውን ጻውዒት ከም ዝቐረበሎም ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ ኮሪር ገሊጹ።