ኣልሸባብ 'ብፍሉይ' ዘሰልጠኖም ዕጡቓት ዘርእይ ቪድዮ ብቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝርከቦም ዘርጊሑ

ምንጪ ስእሊ, AL-SHABAB PROPAGANDA
ኣብ ሶማል ዝርከብ ጉጅለ ኣልሸባብ ብ18 ሰነ 2024፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ኦሳማ ቢን ላዲን ዝሰልጠኑ ኣባላቱ እናተመረቑ ዘርእይ ሓደ ሰዓት ዝንውሑ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘርጊሑ።
እቲ ቪድዮ ዓሰርተታት ዕጡቓት ብግብሪ ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ትምህርቲ እናወሰዱ ዘርእይ ኮይኑ እቲ ቦታ ብርግጽ ኣበይ ምዃኑ ግን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይተውሃበን።
ኣብ ሞንጎ ኣልሸባብን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ኣብ የመን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሑቲን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን’ዮም እዞም ኣባላት ኣልሸባብ ወተሃደራዊ ተዓሊም ወዲኦም ዝምረቑ ዘለዉ።
እቲ ብኣልሸባብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ “ኮፍ ብምባል እንታይ ዕግበት’ዩ ክስምዓካ?” ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃቦ እዩ።
እቲ ኣብ ‘ኣል ካታይብ’ ዝብሃል ማሕበራዊ ሚድያ ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ኣልሸባብ ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታት ብዝብል ዜና ጀሚሩ’ዩ እቶም ዕጠቓት ዝውሃቦም ዝነበረ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ዘርእይ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ሩስያ ከም መተካእታ ፌስቡክ ኣብ ዝሕሰብ ብሩስያ ዝውነን ኦድኖከላሰኒኪ ዝብሃል መተግበሪ’ውን ተዘርጊሑ ኣሎ።
እቲ ቪድዮ ብፈረንሳ፣ ሶማሊ፣ ስዋሂሊ፣ ኢንግሊዝኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ዝርከብዎም ሸውዓተ ቋንቋታት’ዩ ተተርጒሙ ቐሪቡ።
ሚድያ ኣልሸባብ ነቶም ዝተመረቑ ዕጡቓት ‘ፍሉያት ሓይልታት’ ከምዝኾኑን ብኣዝዩ ከቢድ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝሓለፉ ‘ተቓለስቲ’ ምዃኖም ገሊጻ።
እቲ ቪድዮ፡ ክጅምር እንከሎ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍሊስጤም እናደብደበት እንከላ የርእይ።
በቲ ደብዳብ ዝተቐተሉን ዝቖሰሉን ህጻናት ዝርከብዎም ፍሊስጤማውያን ከኣ ይርኣዩ።
ኣብተን ቀዳሞት ትሽዓተ ደቃይቕ ኣብ ሃገራት ቻይና፡ ምያንማር፡ ህንዲ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ እስላም ስቓይን ምግፋዕን ይበጽሕ ከምዘሎ ይገልጽ። ብምስዓብ ኣብ ሶማልያ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዘጋጠመ ናይ ኣየር ደብዳብ’ውን ኣካቲቱ'ሎ።
ኣብቲ ቪድዮ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ግፍዕን ስቓይን ይወርድ ከምዘሎ ብምትንታን፡ ብጅሃዳዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል መልእኽቱ የሕልፍ።
ካብ መበል 19 ደቂቕ ጀሚሩ ከኣ ኣብቲ ቪድዮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ቢን ላደን ዝተውሃበ ‘ፍሉይ’ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ክነግር ይጅምር።

ምንጪ ስእሊ, ISIL
ጥሙሕ ምስፍሕፋሕ ኣልሸባብ
ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከሉ ዓቐብቲ ሰላም ኣብ መወዳእታ 2024 ካብታ ሃገር ክወጽኡ ምዃኖም ብወግዒ ተሓቢሩ’ሎ።
እዚ ቪድዮ ናይ ኣልሸባብ ከኣ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኣሜሪካ፡ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ዘለዎም ናይ ምስፍሕፋሕ ጥሙሕ ክውን ንምግባር፡ ካብ ዕጡቓት ሑቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ንምርካብ ይዘራረቡ ኣለዉ ኣብ ዝበለሉ’ዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ብኔቶ ዝመራሕ ሰራዊት ድሕሪ 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ምስ ወጽአ ጣሊባን ነታ ሃገር ምቁጽጻሩ፡ ኣልሻባብ ከም ኣብነት ብምውሳድ ንሶም’ውን እቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከሉ ዓቐብቲ ሰላም ካብ ሶማልያ ምስ ወጽኡ ኣብ ሶማልያ ዝያዳ ከስፋሕፍሑ ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ግብረ መልሲ መንግስቲ ሶማልያ
ኣብ ባይታ ኣልሻባብ መጥቃዕትታት ብምውሳድ ሓያለ ቦታታት ይቆጻጸሩ ኣለዉ ዝብል ብተደጋጋሚ ዝዝርጋሕ ዜናታት ሓሶት ምዃኑ’ዩ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ሑሰይን ዓሊ ዝገልጽ።
እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ዓቕምታት ኣልሻባብ ከምዝተዳኸመ ብምሕባር፡ መንግስቲ ሶማልያ ካብቲ ካብ 2022 ጀሚሩ ካብ ኣልሸባብ ዝመንዘዖ ቦታታት እቲ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሞዓሊም ብወገኑ፡ ኣልሸባብ ነቲ ዘለዎ ድኽመታት ንምሽፋን ነቲ ቪድዮ ከምዝዘርግሖ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብወተሃደራት መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ መጠቓዕትታት ንዕጡቃት ኣልሸባብ “ተዋሳእቲ ሆሊዉድ ቀይርዎም” ብምባል ኣናሽይዎ።
መንግስቲ ሶማልያ ንፕሮፓጋንዳዊ ቪድዮታት ኣልሸባብ መልሲ ክህበሉ ሳሕቲ’ዩ ዝርአ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ንፕሮፖጋንዳዊ ቪድዮታት ኣልሸባብ ንምብዳህ ብቪድዮ ዝተሰነየ ግብረ መልሲ ክህብ ይርአ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







