ብሰንኪ ቀቢላዊ ጎንጺ ልዕሊ 40 ተቐቲሎም፤ ኣልሸባብ’ውን መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ማሬሃንን ዲርን ብዝተወለዐ ግጭት ብውሕዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም።
ዕጡቓት ኣልሸባብ እውን ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
እቲ 1 ሰነ 2016 ኣብ ግዝኣት ጋልሙዱግ ኣብ መንጎ ኣባላት ቀቢላታት ዝተፈጠረ ጎንፂ ደው ክብል መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር እታ ግዝኣትን ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ጋልሙዱግ ኣሕመድ ኣብዲ ካሬ፡ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዘሎ ግጭት ብዘተ ንምፍታሕ ናይ ዕርቂ ኮሚተ ከምዘጣየሸ ሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ።
ገለ መራኸቢ ብዙሓን ሶማልያ ኣብቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት 60 ዝቖሰሉ ድማ 80 ከምዝበጽሑ የመልክታ።
ሓይልታት እታ ግዝኣትን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ድሕሪ ምውፋሮም እቲ ኣብ ቁሸታት ላንደሄርን ቃለቃሎን ዘጋጠመ ግጭት ደው ኢሉ ኣሎ።
ጠንቂ እቲ ጎንጺ፡ መጓሰ መሬትን ዒላታት ማይን ይግብኣና እዩ ብዝብል ሕቶ ከምዝዀነ መደበር ሬድዮ ኩልሚዬ ሓቢራ።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቀቢላታት ግጭት ከጋጥም እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ተመሳሳሊ ግጭት ተላዒሉ ዝነበረ ኰይኑ ኣመሓደርቲ እታ ግዝኣት ነቶም ቀቢላታት ንምትዕራቕ ዝገበርዎ ጻዕሪ ከምዝፈሸለ ይዝከር።
እቲ ግጭት ዝተለዓለ ኣብ ሞንጎ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ፌደራላዊ መንግስትን ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ ድሕሪ ምትዃሶም እዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣልሸባብ ኣብ ግዝኣት ጋልጉዱዱ ከተማ ኤል-ዲር ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ።
ነዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ሶማልያ ካብ ጎረባብቲ ከባቢታት ተወሳኺ ሓይልታት ብምውፋር ልዕሊ 47 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቐተለን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሎን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ዜና፡ ባህልን ቱሪዝምን ሶማልያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሓይሊ ኣየር ዝድገፍ ስርሒት ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ኤል-ደር ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘካየደን ኣብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ሓቢሩ።
ኣልሸባብ ብወገኑ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ዓወት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
ምስ ኣልሸባብ ቅርበት ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ 'ሶማሊ ሚሞ'፡ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ኣዘዝቲ ዝርከብዎም 59 ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኤል-ዳራ ካብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ንምብራቕ 287 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







