ኲናት ዩክረይን፡ ሓላፊ ዋግነር ወተሃደራቱ ካብ ግንባር ባክሙት ከውጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር፡ እኹል ተተኳሲ እንተዘይረኺቦም ነቶም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሩስያ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተዋጋእቱ ካብ ግንባር ባክሙት ክስሕቦም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ሓይልታት ሩስያ ነታ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትርከብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘይብላ ከተማ ባክሙት ንምቁጽጻር ንኣዋርሕ ክረባረቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ወተሃደራዊ ትካል ዋግነር ድማ ነታ ከተማ ንምሓዝ ዕሱባት ወተሃደራቱ ኣብቲ ግንባር ኣሰሊፉ'ዩ ጸኒሑ።
ሓላፊ ናይቲ ትካል የቭገኒ ፕሪጎዝሂን፡ እቲ ውሳነ ኣብ ግብረመልሲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣቐዲም ኣቢሉ ዘሰቅቕ ሬሳታት ወተሃደራቱ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።
"ሾይጉ! ገራሲሞቭ! ኣበይ ኣሎ. . .እቲ ጠያይት?. . . ብወለንትኦም'ዮም ናብዚ መጺኦም፡ ንስኹም ኣብቲ ብቀይሕ ዕንጨይቲ ዝወቀበ ኣብያተጽሕፈትኩም ክትሰብሑ ይሞቱ ኣለዉ" ክብል ቁጠዐኡ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ቅድሚ ሬሳታት ኣባላቱ ኮይኑ ክዛረብ ዝስማዕ ፕሪጎዝሂን፡ ቀጠዐኡ ብቐጥታ ናብ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይጉን፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሩስያ ጀነራል ቫለሪ ገራሲሞቭን ዘነጻጸረ'ዩ።
እቲ ኣተኲሮ ናይ ምስሓብ ኣመል ዘለዎ ፕሪጎዝሂን፡ ዝነበሮ ጽልዋ ኣብዚ ቀረባ እዋናት እናማህመነ ምምጽኡ ይንገር። ቅድሚ ሕጂ ዝሃቦም መጠንቀቕታታት፡ ድሕሪ ዋዛን ወተሃደራዊ ጭርቃንን'ዮም ክብል ብምንእኣስ ስለዘይተግበሮም፡ ዕቱብነቱ ክሳብ ክንድ'ዚ ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ'ውን፡ እቶም ዕሱባት ተዋጋእቱ ናይ ተተኳሲ ጠለባቶም እንተዘይተማሊኡ ዕጫኦም ወይ ከዝልቑ ወይ ድማ ኣብ ዘለውዎ ክሞቱ ጥራይ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ። "ብድሕሪኡ፡ መራሕትና ዝደልይዎ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሮማዕ ክብል'ዩ"።
ቤተመንግስቲ ክረምሊን ብዛዕባ'ቲ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት" ኢሉ ዝገልጾ ኲናት ዩክረይን ክዛረብ ከምዘይደሊ ብምሕባር፡ ኣብቲ ዝወጸ ቪድዮ ዘለዎ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።
እቲ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ውግእ ባክሙት ህይወት ኣሽሓት ተዋጋእቲ ከምዝቐዘፈ ይግለጽ።
ኣብ ጎኒ ሓይልታት ሩስያ ዝተሰለፉ ዕሱባት ጉጅለ ዋግነር ኣብቲ ግንባር ኣንጻር ሰራዊት ዩክረይን ይዋግኡ ኣለዉ።
ዩክረይን ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፍል ነታ ከተማ ክትከላኸለላ ምውሳና፡ ሓይሊ ሩስያ ኣብ ሓደ ኣገዳስነት ዘይብሉ ቦታ ተጸሚዱ ክዳኸም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
የቭገኒ ፕሪጎዝሂን፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ሃገራዊ መዓልቲ ዓወት ክሳብ እትጽንብል ሓይልታቱ ክሳብ 10 ግንቦት ኣብ ባክሙት ክጸንሑ ተሰማሚዑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት'ውን ምውታት ወተሃደራቱ ብምርኣይ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ነቒፉ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ሰራዊት ሩስያ ክሳራታት ዋግነር ብሰንኩ ከምዘይሰዓበ እንተገለጸ፡ ኣብቲ እዋን ንወተሃደራዊ ጠለባቱ ኣማሊእሉ ነይሩ።
ኣብዚ ሓድሽ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝመጽእ 10 ግንቦት "ኣብ ከባቢ ባክሙት ዘሎ መዛግብ ንኣሃዱታት ሚኒስትሪ ምክልኻል [ሩስያ] ከነሰጋግር ክንግደድ ኢና። ዝተረፈ ኣካል ዋግነር ድማ ናብ መዓስከራት ሎጀስቲክስ ተመሊሱ ቁስሉ ክልሕስ'ዩ" ክብል ፕሪጎዝሂን ገሊጹ''ሎ።
"ብሰንኪ ስእነት ተተኮስቲ፡ ክሳራታት መዓልታዊ ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ኣሎ . . . ኣጉባዘይ ብዘይ ጥይት ኣብ ባክሙት ረብሓ ዘይብሉን ዘይቅቡልን ክሳራት ኣይክበጽሖምን'ዩ"።
እቲ ዝስማዕ ዘሎ መረረ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ተተኮስቲ ብቑጠባ ከመቓርሕ ከምዝጀመረ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደራዊ ተንታኒ ሮብ ሊ ይእምት።
ሰራዊት ሩስያ ንብምሉኡ እቲ ምብራቓዊ ግንባር ክከላኸል ኣለዎ፡ ንፕሪጎዝሂን ዘገድሶ ግን ባክሙት ጥራይ'ዩ ይብል እቲ ተንታኒ። ዋግነር ነታ ከተማ እንተ ተቖጻጺሩዋ፡ ፖለቲካዊ ዓወት ክጎናጸፍ ይኽእል'ዩ ይብል ሮብ ሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ።
ዩክረይን ካብ ክፍላ ግንቦት ጀሚራ ጸረ-መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምእትኽእል ፕሪጎዝሂን ገሊጹ ነይሩ። መጠን ሙቐት ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን ታንክታትን ከቢድ ብረትን ብቐሊሉ ክንቀሳቐስ ይኽእል'ዩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፕሪጎዝሂን ሓደ ካብ ሰራዊት ዝተሰናበተ ጀነራል ብምኽታብ ሓላፊ ሎጀስቲክስ ዋግነር ክኸውን መዚዙዎ'ሎ።
ኮሎነል-ጀነራል ሚካኤል ሚዚንስተፍ፡ ሓራዲ ከተማ ማሪዮፖል ተባሂሉ ዝግለጽ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ ደቡብ ዩክረይን እትርከብ ወደባዊት ከተማ ከቢድ ደብዳብ ብምዝናብ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ብምራዱ'ዩ እቲ ቅጽል ተዋሂብዎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ ጀነራል ኣብ መሰልጠኒ መዓስከር ዋግነርን ድፋዓት ዋግነር ኣብ ባክሙትን ምብጽሑ የመልክት።
ምክትል ኣዛዚ ዋግነር ክኸውን ሓቲትዎ ምንባሩ'ውን ፕሪጎዝሂን ኣብዚ ቀረባ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። እቲ ጀነራል፡ ንዕሱባት ዋግነር ዘድልዮም ተተኳሲ ኣብ ምሃብን ካብ ኣብያተማእሰርቲ ተዋጋእቲ ኣብ ምምልማል ከምዝተሓጋገዞምን ዝክኣሎ ከምዝገበረን መስኪሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







