'ካብ ታሕሳስ ኣትሒዙ 20 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ተቐቲሎም' - ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
ኣብ ኲናት ዩክረይን ካብ ታሕሳስ ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝተቐተሉ ኣሜሪካ ገሚታ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ንሓድሽ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ጠቒሱ፡ ተወሳኺ 80 ሽሕ ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊፁ።
ካብቶም ዝሞቱ እቶም ፍርቂ ካብቲ ንምብራቓዊ ከተማ ባክሙት መጥቃዕቲ ክፍፅም ዝፀንሐ ኩባንያ ጕጅለ ዋግነር እዮም።
ሩስያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ነዛ ንእሽተይ ከተማ ንምሓዝ ክትፅዕር ፀኒሓ እያ።
ኣብዚ እዋን ሞስኮ ንዝበዝሕ ከባቢታት ባክሙት ሒዛቶ ኣላ።
እንተዀነ ወተሃደራት ዩክረይን ሕጂ’ውን ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ንእሽተይ ቦታ ሒዞም ኣለዉ።
እዚ ብርቱዕ ውግእ ንኽልቲኦም ተጻባእቲ ገዚፍ ተምሳሌታዊ ኣገዳስነት ሒዙ ኣሎ።
ሰብመዚ ዩክረይን ብወገኖም፡ እዚ ውግእ ብዙሓት ወተሃደራት ሩስያ ንምቕታልን ዕቝር ሰራዊት ንምድኻምን ይጥቀምሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ጆን ኪርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሩስያ ብሸነኽ ዞባ ዶንባስ ንምጥቃዕ ዝገበረቶ ፈተነ ፈሺሉ ኣሎ። ሩስያ ዝዀነ ዓይነት ክዉን ስትራተጂያውን ዕዙዝ ግደ ዘለዎን መሬት ክትሕዝ ኣይከኣለትን” ኢሉ።
እቲ ወሃቢቃል፡ “ነቶም እናተዋግኡ እንከለዉ ብቐጥታ ዝተቐተሉ 20 ሽሕ ወተሃደራት ሓዊሱ፡ ሩስያ ጉድኣት ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝበጽሓ ንግምት” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ኣብ ባክሙት ዘጋጠመ ሞትን ጕድኣትን፡ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ዘጋጠመ ከም ዝዀነ ኣሃዛት ኣሜሪካ ይሕብሩ።
ኪርቢ፡ እቲ ቀንዲ ነጥቢ፡ “ሩስያ ዝገበረቶ ፈተነ ምጥቃዕ፡ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእን ዘይልሙድ ክሳራታትን ምፍሻሉ እዩ” ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ “ዩክሬናውያን ኣብዚ ግዳያት እዮም። እታ ወራሪት ሩስያ እያ” ብምባል ድማ፡ ብዛዕባ ዝተጐድኡ ዩክሬናውያን ግምት ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ዝተገለጸ ኣሃዝ ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን፤ ሞስኮ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ወግዓዊ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ምትሓዝ እዛ ከተማ፡ ሩስያ ነቲ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ዩክረይን ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዞባታት ሓደ ንዝዀነ ዶነስክ ምሉእ ብምሉእ ንምቍጽጻር ናብ ዝሃቀነቶ ሸቶ ብመጠኑ ክትቀርብ ዘኽእላ እዩ።
ስትራተጅያዊ ረብሓ ባክሙት ውሱን’ኳ እንተዀነ፡ ናብ ክሬምሊን ዝዀነ እወታዊ ዜና ንምብጻሕ ብዝቃለሱ ኮማንደራት ሩስያ ግን፡ ቀንዲ ናይ ትዅረት ነጥቢ ከም ዝዀነ ተንተንቲ ይገልጹ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይሰብኣዊ ኣገባብ ብዝህቦ ፍርዲ ዕሉል ዝዀነ ዕሱብ ጕጅለ ዋግነር፡ ሩስያ ኣብ ባክሙት ኣብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ እቲ ዝዛየደ ግደ ይወስድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







