‘እስራኤል ካብ ገዛና ክንወጽእ ሓሙሽተ ደቒቕ ሂባትና’

ራሕማ ናብሃንን ስድርኣን ኣብ ደገኣፌት እቲ ዝፈረሰ ገዝኦም ይሓድሩ ኣለው
መግለጺ ስእሊ, ራሕማ ናብሃንን ስድርኣን ኣብ ፊት እቲ ዝፈረሰ ገዝኦም ይድቅሱ ኣለው

ከማል ናብሃን፡ እቲ መንነቱ ዘይገለጸ ሰብ ዝብሎ ዘሎ ምእማን ተጸጊሙ ዓው ዓው እናበለ ነታ ቴሌፎን ንወዲ ሓው ኣቡኡ ኣቐቢልዎ።

እቶም ሰብኡት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጃባሊያ፡ ናብ ጸሎት ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ክኸዱ’ዮም ዝዳለው ነይሮም።

እንተዀነ እቲ ዝመጽኦም ናይ ስልኪ መጠንቀቕታን ዘጋጥም ዘሎ ጐነጻዊ ዕንወትን ተደሚሩ ነዚ መዓልታዊ ተግባር ህይወቶም ክስርዙዎ ክግደዱ’ዮም።

ወዲ ሓው ኣቡኡ ንከማል ዝኾነ ኣታፍ ናብ ኣዝማዱ ደዊሉ።

“ነታ ቴሌፎን ካብኡ ተቐቢለ ነቲ ኣብ መስመር ዝነበረ ሰብ ኣዘራሪበዮ። ካብ ስለያ እስራኤል’የ፤ ካብ ገዛኹም ክትወጽኡ ድማ ሓሙሽተ ደቒቕ ጥራይ ኣለኩም ኢሉኒ” ይብል ኣታፍ።

ነቲ ደዋሊ፡ ተጋጊኻ ኢኻ - እዚ ህንጻ ተመዛበልቲ “ዝመልኡዎ” እዩ ኢሎምዎ፤ ክቐስኑ ግና ኣይከኣሉን።

“እቲ [ዝደወለ] ሰብ ግን፡ 'ኣይፋል ብቕጽበት ካብቲ ገዛ ውጽኡ' ኢሉና፡” ክብል ኣታፍ ይዛረብ።

እስራኤል ድሕሪ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ቃዛ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምፍጻም ካብ እትጅምር ሓሙሽተ መዓልታት ተቖጺሩ ኣሎ።

እቲ ‘ዒላማ ዝገበረ ቅትለታት’ ዝበሃል ወፍሪ ብውሕዱ ሽዱሽተ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ካልኣይ ዝሓየለ ዕጡቕ ውድብ ዝዀነ እስላማዊ ጅሃድ ቀቲሉ ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ ግን ኣብታ ቀዳመይቲ ለይቲ ጥራይ፡ 10 ሰላማውያን ሰባት'ውን ቀቲሉ - ገለ ካብኣቶም ደቂሶም እንከለው ዒላማ ዝተገብሩ ኣንስትን ቈልዑን ናይቶም ዕላማ ዝኾኑ ሰብኡት እዮም።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ከተማታት እስራኤል ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሮኬት ብምፍጻም፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ቦምባታት ዕቑባ ናብ ዝርከብሎም ቦታታት ክኸዱ ኣገዲዱ።

እስራኤል ድማ እስላማዊ ጅሃድ ተደጋጋሚ ሮኬት ድሕሪ ምትኳሱ ስጉምቲ ትወስድ ከም ዘላ እያ ትገልጽ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ብወገኑ ፖሊስ ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ዝርከብ መስጊድ ኣላ-ኣቕሳ ድሕሪ ምውራሮምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ኣድማ ጥምየት እናገበረ እንከሎ ዝሞተ ኸድር ኣድናን ብምጥቃስ ምትኳስ ከም ዝጀመረ ይምጉት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፡ ኣብ ቃዛ 33 ፍልስጤማውያን ኣብ እስራኤል ድማ ክልተ ሰባት - ሓደ እስራኤላዊ ሓደ ድማ ፍልስጤማዊ ተቐቲሎም።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግጭት ድሮ ልዕሊ 1,200 ፍልስጤማውያን ተመዛቢሎም ኣለው።

እስራኤል፡ ስድራ ናብሃን ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ መጠንቀቕታኣ ኣመሓላሊፋ። ሓንቲ ሚሳይል ነቲ ህንጻ ኣዕኒያቶ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ቅድሚ ምብጽሖም፡ እስራኤል ብተመሳሳሊ ኩነታት ካልኦት ሓያሎ መንበሪ ኣባይቲ ኣዕንያ'ያ - ቅድሚ ነቶም ህንጻታት ብቦምባ ምድብዳባ፡ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ መጠንቀቕታ ሂባ ኔራ።

እዚ ምሉእ ኣፓርታማታት ዘዕኑ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ቓዛ ኣብ እትገብሮ መጥቃዕቲ ዝለመደቶ ሜላ እዩ።

እስራኤል፡ እቶም ዝሃረመቶም ህንጻታት፡ እስላማዊ ጂሃድ ሮኬታት ንምውንጫፍ ከም "ማእከላት እዝን ቁጽጽርን" ከም ዝተጠቐመሎም ትገልጽ።

እቶም ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒታታ ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ጉድኣት ንኸይበጽሕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ ትብል።

እቲ መጥቃዕቲ መንበሪ ገዛ ናብሃን ኣዕኒዩዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥቃዕቲ መንበሪ ገዛ ናብሃን ኣዕኒዩዎ

ምንጭታት እቲ ከባቢ ኣብቲ ህንጻ ሓደ ዕጡቕ ይነብር ከም ዝነበረ ይኣምኑ፤ ይኹን’ምበር እቲ ህንጻ ማእከል ስርሒት ኣይነበረን ኢሎም።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዚ ዓይነት ምሉእ መንበሪ ህንጻታት ዘዕኑ መጥቃዕቲ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ’ዩ ክብሉ ይኹንኑ።

ካልእ ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት ዝበጽሖ ነባሪ፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ “ኣብ መንበሪ እቲ ገበነኛ" ክድረት ንሓይልታት እስራኤል ክልምን ብቪድዮ ተቐዲሑ ይርኣይ።

ኣብ ጀባልያ ዝርከብ ህንፃ ፈሪሱ ኣሎ። ንሓያሎ ስድራቤታት መህደሚ ዝህብ ዝነበረ መደያይቦ፡ ኣብ ዝፈረሰ ክፋል መንደቕ ተዘርጊሑ ይርከብ።

ተረፍ ናሕሲ ክኣ ካብ መሬት ሒደት ሜትሮታት ንላዕሊ ብምዃኑ፡ ነቶም ነበርቲ እቲ ህንጻ ነበር፡ እንኮ ዕቑባ ዝህቦም ኰይኑ ኣሎ።

ጎረባብቲ ንኹሉ ኣብቲ ህንጻ ዝነበረ ሰብ - ዳርጋ 50 ሰባት (ሸሞንተ ስድራቤታት) - ከውጽእዎ ክኢሎም’ዮም።

ኣብቲ ህንጻ ሓሙሽተ ጉዱኣት ኣካል ከም ዝነበሩ ድጋፍ ውሃብቲ ጉጅለታት ይገልጹ።

ናይ ገሊኦም ዓረብያ ስንኩላን፡ ብፍሉይ ዝተመሓየሹ ዓራታትን መድሃኒታትን ኣብቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝዓነዉ ወሲኾም ገሊጾም።

ነቶም ስድራቤታት ንምሕጋዝ ዝመጽአ ፈጻሚ ዳይሬክተር ናይቲ ኣብ ጋዛ ዝመደበሩ ማሕበር ተሃድሶ ጀማል ኣል ሮዚ፡ ጉጅለኡ መግብን መሳርሒታት ሕክምናን ሓዊሱ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ይዛረብ።

“ከምዚ ክኸውን ስለ ዘይነበሮ ሓሪቐ’የ፤ እንተወሓደ ንሲቪል ብፍላይ ድማ ንስንኩላን" ይብል።

ኣብ መንጎ እቲ ፍርስራስ ዝተዓቖበት ካልእ ዘመድ ካማል ናብሃን እውን ኣላ።

ራሕማ ናብሃንን በዓል ቤታ ያሰርን ኣብ ትሕቲ ዝተሰብረ ጽላት ናሕሲ ኰፍ ኢሎም፡ ነታ ትበኪ ዘላ ህጻን ጓሎም ጆሪ ክናብዩ ረኺብናዮም።

ነበርቲ እቲ ዝዓነወ ህንጻ
መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ እቲ ዝዓነወ ህንጻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ዘማታተይ ስንኩላን እየን - [ክድሕና እንከለዋ] ርእሰን እኳ ክሽፍና ኣይከኣላን፤ ዓረብያአን ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛ ተቐቢረን ነይረን" ትብል ራሕማ።

“ኩሉ ሰብ ነቶም ስንኩላን ክሃድሙ ርእዩ። 'ስለ ምንታይ ደኣ እቲ ገዛ ይዓኑ?’ እዞም ስንኩላን ሮኬት ተኲሶም ድዮም?' ምስቲ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ዋላ ሓንቲ ርክብ የብልናን” ትብል።

ራሕማ መንበሪ ገዝኣ ኣብ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ እቲ ህንጻ እዩ ነይሩ።

"ናብ ዝዀነ ቦታ ኣይንኸይድን ኢና፤ ኣብ ጸሓይ ክንጸንሕ ኢና፡ ኣብ ጸሓይ ክንድቅስ ኢና፡ ካብ ገዛና ኣይንወጽእን” ትብል ራሕማ።

ወሲኻ፡ “ንኸዶ ቦታ ስለ ዘይብልና ኣህጉራዊ ትካላትን [ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን] ምሳና ደው ኢሎም ነዚ ገዛ ዳግማይ ክሃንጹ ንጽውዕ” ኢላ።

እቲ ብቐዳም ምሸት ብመንጎኝነት ግብጺ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ተኹሲ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

እንተዀነ ድሕሪ እቲ ኣብ ግንቦት 2021 ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ድሕሪ ዝተኻየደ ኩሉ መዳያዊ ኲናት፡ ናብ ቃዛ ዝለሓመ ጎበጣ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ስዒቡ፡ ንኣዋርሕ ዝወሰደ ዓመጽ ኣዝዩ ተበራቲዑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ፖለቲካዊ ትብዓት ክረክብ ኣክኢልዎ እዩ።

ንሱ፡ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕታት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘቤታዊ ናዕብን ካብ ሃይማኖታውያንን ኣዝዮም ሃገራውያን ዝዀኑ ኣኽረርትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸቕጢ ንምሽፋን ተጠቒሙሉ’ዩ።

እስላማዊ ጂሃድ ብወገኑ ዋላ እኳ ክሳራ የጋጥሞ እንተሃለወ፡ ነቲ ኣንጻር እስራኤል ዕጥቃዊ ቃልሲ ምክያድ ዝብል ጻውዒቱ ንምሕያል ክጥቀመሉ እንከሎ፡ ኣብ ቓዛ ዓብላሊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ጉዳይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ብርሑቕ ክዕዘብ'ዩ መሪጹ ዘሎ።

ነቲ ምትኳስ ሮኬታት ምስ ኩሎም ጉጅለታት ፍልስጤም ብምዃን ብወግዒ እኳ እንተደገፎ፡ ብገዛእ ርእሱ ግና ኣይተኰሰን።

ካብ 2021 ጀሚሩ መንግስቲ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናብ እስራኤል ክሰግሩ ፍቓድ ሂቡ’ዩ።

እዚ ድማ ንቁጠባ ቓዛ ኣብ ምዕባይን ኣታዊታት ግብሪ ሓማስ ኣብ ምድልዳል እጃም ከም ዝነበሮ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ [ሓማስ] ጽባሕ ንዝካየድ ዓመታዊ ሰልፊ ሕሉፋት ባንዴራ እስራኤል ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተጎበጠ ምብራቓዊ ኢየሩሳሌም ብዝርከባ ከባቢታት እስላም ክካየድ ከም ዘይብሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ክልቲኦም - ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን - ብእስራኤልን ምዕራባውያንን ከም ግብረሽበራዊ ውድባት እዮም ዝቑጸሩ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ፍልስጤማውያን በቲ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መጻኢ ናይቲ ዞባ - ክልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ፍታሕ - ዝዛረብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝተረስዑ ኰይኑ ይስምዖም። መንግስቲ እስራኤል ኮነ ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤም'ውን ነዚ እማመ ይነጽጉዎ።

ፍልስጤማውያን መበል 75 ዓመት ዝኽሪ ናቕባ ኣብ ዘብዕሉሉ ግዜ ኣብቲ ንኣፈጣጥራ እስራኤል ከቢቡ ዝነበረ ግጭታት 700 ሽሕ ሰባት ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ወይ ክወጽኡ ተገዲዶም’ዮም።

እቶም ገዛ ዘይብሎም ነበርቲ’ውን "ሓልውና" ከምኡ’ውን "ንሓገዝ ንጽውዕ" ዝብሉ ጽሑፋት ሒዞም ይርኣዩ።